ሜጀር ጀነራል መሓመድ፡ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ፍሉይ ሓይሊ ክውድባ ይኽእላ እየን

ካርታ ኢትዮጵያ Image copyright Google Maps

መንግስቲ ፌደራል ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ፡ ዕጥቁ ናይ ምፍታሕ መደብ ከምዘይብሉ፡ ዋና ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን ኢንዶክትሪኔሽንን ሓይልታት ምክልኻል፡ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሜጀር ጀነራል መሓመድ፡ "ሓይሊ ጸጥታ ፌደራል፡ ዕጥቂ ፍሉይ ፖሊስ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ከፍትሕ ዓሊሙ ኣይተንቀሳቐሰን። እቲ ፍሉይ ሓይሊ፡ ቀደሙ'ዉን ክስልጥንን ክዕጠቕን ዝገበረ መንግስቲ ፌደራል'ዩ" ኢሉ።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ ሰልጢኑን ዓጢቑን ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ብዙሕ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ "ኣብዚ ሕዚ እዋን'ዉን እቲ ፍሉይ ሓይሊ፡ ጸጥታ ኣብ ምርግጋእ ንኸበርክት ከስርሕ እምበር፡ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ዕላማን መደብን የብሉን" ኢሉ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ተንተንትን፡ ኣመሰራርታ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ እቲ ክልል፡ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ መሰረት የብሉን'ኳ እንተበሉ፡ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ግና፡ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ፍሉይ ሓይሊ ክውድባ ከምዝኽእላ ኣመልኪቱ።

"ስሩዕ ፖሊስን ፍሉይ ሓይሊ ምልሻን ኣለዉ። ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ'ዉን፡ ከምቲ ካልእ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣሰልጢኑ ብምዉፋር፡ ኣብ ምኽባር ጸጥታ ምስ ናይ ፌደራል ሓይሊ ክሰርሕ ጸኒሑ። ኣብዚ ኸባቢ ድማ ዝሓሸ ምርግጋእ ተፈጢሩ። ስለዝኾነ፡ ካብ ሕጋዊ ኣፍልጦ ወጻኢ ዝተጣየሸ ኣይነበረን" ክብል ገሊጹ።

እቲ ፍሉይ ፖሊስ ዝዓጠቖ መሳርሒ፡ ፖሊስ ካልኦት ክልላት ካብ ዝዓጠቑዎ ዓይነት መሳርሒ ዝተፈለየ፣ ከቢድን ዘመናዉን'ዩ እናተብሃለ ንዝለዓል ቅሬታ፡ ሜጀር ጀነራል መሓመድ፡ ኣብ ክልል ሶማል ጸገም ጸጥታ ከምዝነበረን፡ እዚ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ሓይሊ ጸጥታ ፌደራልን እቲ ፍሉይ ሓይሊ ናይ ምጥንኻርን ምድላዉን ስራሕ ከምዝተገብረ ተዛሪቡ።

"በዚ ተግባር እቲ ናይ ጸጥታ ጸገም ንምፍታሕ ተኻኢሉ'ዩ። ሕዚ እንታይ'ዩ ክዕረ ዘለዎ ኣብ ዝብል፡ መንግስቲ ብዝህቦ መምርሒ ክትግበር እዩ። እቲ ክግብር ዝግበኦ ከኣ ኣብ እዋኑ ተገይሩ'ዩ" ይብል።

ሜጀር ጀነራል መሓመድ ንብዝሒ ኣባላትን ኣወዳድባን እቲ ፍሉይ ሓይልን ርኢይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ'ዩ።

ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ክልል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍጽም፡ ዓለምለኻዊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ካብ ዶባት ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ዝተመዛበሉ ሰባትን ብተደጋጋሚ ገሊጾም'ዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ