ኣስመራ፡ ምንቅስቓስ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኣምሓራ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ተሰማሚዑ

ወከልቲ ክልል ኣምሓራን ተቓወምትን ኣብ ኣስመራ Image copyright YEMANE G. MESKEL/TWITTER
ናይ ምስሊ መግለጺ ዝተፈላለዩ ጎነጻዊ ቀልሲ ከካይዱ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ደው ብምባል ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለዉ

ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ዝርከብ ምንቅስቓስ ዲሞክራሲያዊ ሓይሊ ኣምሓራ (ኣዴኃን) ድሕሪ ዝገበሮ ዘተ፡ እቲ ምንቅስቓስ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ፓለቲካዊ ንጥፈታቱ ብሰላማዊ ኣገባብ ከካይድ ኣብ ስምምዕ በጺሑ።

እዚ ናይ ምዉህሃድ ስምምዕ፡ ኣዴኃን ዘካይዶ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ፡ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ብሰላማዊ መገዲ ክኸዉን ዝጠልብ'ዩ ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቅል ብትዊተር ሓቢሩ።

ክልላዊ ቴሌቪዥን ኣምሓራ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ዙርያ ምውሓስ ኩለመዳያዊ ተረባሕነት ህዝቢ ኣምሓራ ክዝትዩ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።

ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ሓይሊ ኣምሓራ፡ ናብ ሃገሩ ኣትዩ ብሰላም ክንቀሳቐስን፡ መሓዛ ኾይኑ ክሰርሕን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ሓገዝ ከምዝገብር ድማ እቲ ልኡኽ ገሊጹ።

ኣባል እቲ ጉጅለ ልኡኽ፡ ሓላፊ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን፡ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ንኽረክብ ንዘርኣዮ ምሕዝነት ንኢዱ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ድማ፡ "መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዘተ ሰላም ክድግፍ'ዩ። ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ዝተዓጠቑ ዉድባት ድማ ናብ ኢትዯጵያ ኣትዮም ብሰላማዊ መገዲ ክቃለሱ ኤርትራ ክትሕግዝ"ያ" ኢሉ ክብል እቲ ቴሌቪዥን ሓቢሩ።

ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ 20 ዓመታት ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዝፈጠራ ዝፍለጥ'ዩ።

ተወሳኺ ዛንታ