ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ካብ ግንባር ናብ 'ማእኸል ዓዲ' ዝገዓዘ ሰራዊት የለን ኢሉ

ወተሃደር Image copyright MARCO LONGARI

ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ከባቢ ሸራሮ፡ ናብ ማእኸል ዓዲ ዝገዓዘ ሰራዊት የለን ኢሉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዋና ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን ኢንዶክትሪኔሽንን ሓይልታት ምክልኻል፡ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ "ካብ ግንባር ናብ ማእከል ዓዲ ካብ ማእከል ዓዲ ናብ ግንባር ዝተንቀሳቐሰ ሰራዊት የለን።

ኣብቲ ግንባር ኮይኑ ንዝተፈላለዩ ጉዳያት፡ ከም ስልጠና ንዝኣምሰሉ ምኽንያታት ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ግን ኣለዉ" ኢሎም።

ብኣንፃሩ፡ ትማሊ ዘዘራረብናዮ በዓል መዚ እቲ ኸባቢ፡ ካብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ከባቢ ሸራሮ፡ ናብ ማእኸል ዓዲ ዝግዕዝ ሰራዊት ከምዘሎ ኣረጋጊፁ እዩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን፡ ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህን፡ "ናብ ማእኸል ሃገር ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ምህላዉ" ሓበሬታ ከምዘለዎም ገሊፁ ነይሩ።

ነበርቲ እቲ ኸባቢ ብወገኖም፡ ትማሊ ሓሙስ ብርክት ዝበላ መካይን፡ ብወገን ኢትዮጵያ ናብ ከባቢ ሸራሮ ከምዝኣተዋን ዓርቢ ረፋድ ሰራዊት ፅዒነን ከምዝወፃን ገሊፆም።

እዚ ምንቅስቓስ ሰራዊት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ዝጀመረኦ መስርሕ ሰላም ዝተኣሳሰር ድዩ? ዝብል ሕቶ ዘቕረብናሎም ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ፡ "ምንም ምትእስሳር የብሉን" ኢሎም።

"እቲ ሰራዊት ኣብቲ ግንባር ኮይኑ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ዝግበር ናይ ዉሽጢ ምንቅስቓስ ኢዩ እምበር ካብኡ ወጻኢ ኣይኮነን" ክብሉ ወሲኾም።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ባረንቱ ኣብ 2000

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር "ልዕሊ ሰብዓ ኣውቶቡሳት" ናብቲ ኸባቢ ኣትየን ከምዝነበራ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ርግፀኛ ኾይነ ዝዛረቦ ከባቢ ሰብዓ መካይን ኣለዋ። እተን መካይን፡ ዓበይቲ 'ታታ' ዝዓይነተን ናይ ህዝቢ [መጓዓዝያ] እየን" ይብል።

ብመሰረት ካብ ነበርቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፤ ካብቲ ኸባቢ ዝወፅእ ዘሎ ሓይሊ፡ ክፍለ ሰራዊት ሰላሳ፡ ዝበሃል እዩ።

ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህን ድማ "ኣብቲ ግንባር፡ ኣብ ቅድሚት ዘይኮነስ፡ ብድሕሪት ኮይኑ ዝቕመጥ ዝነበረ ሓይሊ እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ" ኢሎም።

ብዛዕባ ብዝሒ እቲ ዝግዕዝ ዘሎ ሰራዊት ሓበሬታ ከምዘይብሎምን፡ ንምክልኻል ሃገር ዝምልከት ምዃኑን 'ውን ተዛሪቦም።

"ብቀዋምነት ድዩ [ይወፅእ ዘሎ] ወይስ ንግዚኡ ዝብል ድማ፡ ንሕና እንፈልጦ ፕሮግራም 'ውን ኣይኮነን። ኣካል ስራሕ ናይቲ ምምሕዳር ስለዘይኮነ" ኢሎም።