ናይጀርያ፡ ኣብ ኣውራጃ ቦርኖ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም

ቦኮ ሓራም ኣብ 2009 እዮም ስርሒታት ጀሚሮም Image copyright Boko Haram
ናይ ምስሊ መግለጺ ቦኮ ሓራም፡ ኣብ ኣውራጃ ቦርኖ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ እዮም ኣካይዶም

እስላማዊ ዕጡቃት ከምዝፈጸምዎ ዝጠርጠር፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም።

ካብታ ግዳይ ዝኾነት ማይላሪ ዝተብሃለት ዓዲ፡ ዝተረኸብ ሓበሬታ ዝተፈላለየ ኮይኑ፡ መራሒ ሚሊሻ ናይቲ ከባቢ ሽዱሽተ ሞይቶም ክብል እንከሎ፡ ሓደ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓነ ግን 19 ሰባት ከምዝሞቱ ሓቢሩ።

እቶም ዕጡቃት፡ ነታ ዓዲ ንክልተ ሰዓታት ተቖጻጺሮም ከምዝዘመትዋ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊፆም።

ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ኣብ ኣውራጃ ቦሮኖ፡ ቅድሚ ሕጂ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ይንገር።

ሓላፊ ምልሻ ባባኩራ ንAFP ከምዝሓበሮ፡ እቶም ዕጡቃት ጉጅለ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ብመኪና ሮኬታትን ጠያይትን እንዳተኮሱ ናብታ ዓዲ ከምዝኣተዉ ሓቢሩ።

እዚ ባባኩረሳ ኮሎ ዝበሃል ሓላፊ ምልሻ "ኣብዚ ዕግርግር፡ ብረት ዝተዓጠቑ ንሽዱሽተ ሰብኡት ሒዞም ሓሪዶሞም" ኢሉ።

"ሬሳ ናይዞም ሽዱሽተ ሰብኡት ሰንበት ንጉሆ፡ ተቐማጦ እታ ዓዲ ናብታ ዝነደደት ዓዶም ምስተመለሱ'ዩ ክርከብ ተኻኢሉ"

ነባሪ እታ ዓዲ ዝኾነ ኣይሳሚ ግረማ፡ ኣብ ጥቓ እታ ዓዲ ዝነበረ ፖሊስ፡ ነቶም ዕጡቓት ጉጅለ ንምዕጋት ዝወሰዶ ተበግሶ ከምዘይነበረ ይዛረብ።

ካልእ ተቐማጢ እታ ዓዲ፡ ኣባቻ ኡማር፡ እቶም ዕጡቃት፡ ኣባላት ቦኮ ሓራም ይኹኑ ካልእ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቀስ እስላማዊ ጉጀለ ርግጽ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ቅድሚ እዚ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ዕለት፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ፡ ዕጡቓት ኣብ ከባቢ እታ ዓዲ ከመዝተራኣዩ ሓቢሩ።

ቦኮ ሓራም፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እስላማዊ ግዝኣት ካሊፋ ንምምስራት ብምህቃን፡ ኣብ 2009 እዩ ምንቅስቃስ ጀሚሩ።

ብሰንኪ እዚ ግርጭት ክሳብ ሕጂ ክሳብ 20,000 ሰባት ክሞቱ እንከልዉ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት