ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ፀሃየ፡ "እቲ ፌደራላዊ ኣተሓሳስባ ንግዝኡ ይኹን ንሓዋሩ ተዳኺሙ ኣሎ"

ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መጽናዕትን ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ

ምንጪ ስእሊ, MERESA

እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ንብዙሓት እዚ'ዩ ኢልካ ንምግላጹ ዘጸግም ባህሪ'ዩ ሒዙ ዘሎ።

ሕዚ፡ እታ ሃገር ካብ 1983 ዓ.ም ብዝኸፍአ መልክዑ ናብ ቀራና መገዲ ተመሊሳ ኣላ ይብል ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መጽናዕትን ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ።

መሰረታዊ ምኽንያት እዚ ጸገም፡ ኣብ ዉሽጢ ኢህወደግ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ፣ ኣብ ሞንጎ ኣሓት ዉድባት ዘሎ ምስሕሓብ ምዃኑ ድማ ይዛረብ። ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ዝገበሮ ቃለ መሕትት እነሆ።

ቢቢሲ፡ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይእዋን ኣብ ምንታይ ብርኪ ኣሎ ይበሃል?

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ፡ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ንኢትዮጵያ ኣብ መስቀለኛ መገዲ ዘእተወ'ዩ። ዜጋታት ጽባሕ እንታይ ክፍጠር ይኸዉን ኢሎም ዘይግምትሉ ኮይኑ ኣሎ።

መሓዙት ዉድባት ኢህወደግ፡ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ሽግር ንሃገራዊ ቅልዉላዉን ስእነት መሪሕነትን ምኽንያት ብምዃን፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ንናይ ደገ ኢድ ኣእታዉነት ተቓላዒት ዝኾነትሉ ኣጋጣሚ ፈጢሩ።

መንግስቲ'ዉን ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ዝተፀገመሉ፣ ዜጋታት ንኣካላዉን ስነ ልቦናዉን ጥቕዓት ተቓላዕቲ ዝኾንሉ፣ በቲ ሃገራዊ ቅልዉላዉ ኣብ ዉሽጢ ዜጋታት ዝመዛበልሉ ኩነታት ስለዘሎ፡ ብዘፍርሕ መልክዑ እታ ሃገር ኣብ መስቀለኛ መገዲ ኣላ ምባል ይከኣል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ 2015 ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮሚኣ ዝተልዓለ ዕግርግር

ካልእ፡ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ፌደራልን ክልልን ዘሎ ርክብ ጽቡቕ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ተዓቝቦም ዝነበሩ ጸረ ኢህወደግ ዝኾኑ ሓይልታት ድማ፡ ዳርጋ ብሙሉኦም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለዉ።

ዝኾነ ክራኸብ ዝኽእል ናይ ፖለቲካ ፍልስፍና ይኹን ሃገራዊ ራኢ ዘይብሎም ብፍላይ ከም ኦነግን ጉንበት ሸዉዓተን ዝበሉ ክሰማምዑ ዘይኽእሉ ሓይልታት ናብ ሃገር ብምእታዉ፡ ናይቲ መንግስቲ ቅቡልነቱ ክዳኸም፣ ሕግን ስርዓትን ከየኽብር ፈተና ክኾኖ እዩ።

ቢቢሲ፡ ምስቶም ክለዓሉ ዝጸንሑ ጉዳያት ተኣሳሲሩ ብሄር ተኮር ጥቕዓታት እንትፍጸሙ ተራእዩ'ዩ። ናይ ምንታይ ዉጽኢት'ዩ? ከመይ ከ ክፍታሕ ይኽእል?

ኣይተ መረሳ፡ ሓደ፡ ኢትዮጵያ ብታሪኻ ጸገም ህንጸት ሃገር ዘለዋ'ያ። ናይ ብዙሓት ሃገር ስለዝኾነት እቲ ሃገራዊ ህንጸት ኣብ ኢትዮጵያ ቅቡልነት ከይረኸበ፡ ዘየሰማምዕ ኾይኑ'ዩ። ኣብዚ፡ ነቲ ሓድነታን ቅቡልነታን ዝፈታተኑ ሰለስተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ኣለዉ።

እቲ ሓደ ኣተሓሳስባ፡ እቲ ናይ ምግንጻል ኣተሓሳስባ'ዩ። እዚ ናይ ባዕልና ሃገራዊ ናጽነት ክህልወና ኣለዎ ዝብል'ዩ።

በቲ ካልእ ከኣ፡ ብዙሕነት ሓደጋ ስለዝኾነ፡ ኢትዮጵያ ሓደ ብሄር፣ ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ህዝቢ'ያ ክተተኣናግድ ዝግባእ ዝብል እቲ ናይ ምቕላጥ (ኣተሓሳስባ ምጭፍላቕ ብሄራዊ መዓርነት) ዝበሃል ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣሎ።

  • ኢትዮጵያ ብሰለስተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ጸገም ህንጸት ሃገር ዘለዋ'ያ
  • ነዊሕ ታሪክ ኣለና፤ ሕገ መንግስታዉን ዲሞክራስያዉን ባህልን ግና የብልናን
  • ጻዉዒት ሽግግር መንግስቲ ምግባር ኣድላዪ'ዩ
  • ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ዓርሰ ምሕደራ ዝተሞርኮሰ'ዩ
  • ተስፋና ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ንሰልፊ ዝወጽእ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ

ኣብ ማእኸል ድማ፡ ክልቲኦም ጫፋት ምስ ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣይኸዱን ዝብል ተምሃሮ ዝፈጠርዎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ፌደራሊዝም እንትኾን፡ ብዙሕነት ከየተኣናገድኻ ሃገራዊ ሓድነት ምምጻእ ኣይከኣልን ዝብል (ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ይበሃል) ኣሎ። እዚኦም ኩሎም ዘይምቅዳዎም፡ ኢትዮጵያ ናይ ቅቡልነት ጸገም ዘለዋ ሃገር ክትኸዉን ገይሮማ'ዮም።

ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ፖለቲካዊ መሪሕነት ኢትዮጵያ ሒዙ ዝጸንሐ ስርዓት ፌደራሊዝም፡ ሕገ መንግስታዉን ፖለቲካዊ ኣፍልጦ'ኳ እንተተውሃቦ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ግና ነዚ ህልዉና ብዝፈታተን መልክዑ፡ እቲ ፌደራላዊ ኣተሓሳስባ ካብ ቤተ መንግስቲ ዝወጽአ'ዩ ዝመስል።

ኢትዮጵያ ምግንጻልን፡ ኢትዮጵያ ምግንጻል'ዉን ኣይፍቀድን ዝብሉ ክልቲኦም ናብቲ ቤተ መንግስቲ ኣትዮም ኣለዉ። እቲ ፌደራላዊ ኣተሓሳስባ ግን ንግዝኡ ይኹን ንሓዋሩ ተዳኺሙ ኣሎ ክበሃል ይከኣል።

ካልእ፡ ኢትዮጵያ ናይ ቑጠባዊ ዓቕሚ ጸገም ኣለዋ። ብዙሕ ዝተምሃረ ስራሕ ዝደሊ ሓይሊ ኣለዋ። መንግስቲ ግና ስራሕ ክፈጥረሉ ኣይክኣለን።

ዋላ'ኳ እቲ ቑጠባ እንተዓበየ፡ ነቲ ዘሎ በዝሒ ህዝቢ ክምግብ፡ ስራሕ ክፈጥር ዓቕሚ ዘይብሉ መንግስቲ ኮይኑ ተረኺቡ'ዩ። እቲ ዓመጽ መጀመርታ ክጅምር እንከሎ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባን ስእነት ስራሕን ምኽንያት ነይሮም።

ብዋናነት ግና፡ እቲ መንእሰይ ስራሕ ብዝሰኣነ ቑጽሪ፡ ኣብ መንግስቲ ዘለዎ ቕቡልነት እናደኸመ ስለዝኸይድ፡ ብብሄር ክውደብን፡ ስራሕ ስኢነ ዘለኹ ተጋሩ ወይ ካልኦት ስለዝወሰዱዎ'ዩ ናብ ዝብል ምንቅስቓስ ክኣቱን ካልኦት ብሄራት ከም ጸላኢ ጌርካ ምርአይን ምሽምቓቕን ይርአ ኣሎ።

እቲ ሃገራዊ ዓቕሚ ምስቲ ሃገራዊ ህንጸት ብዘይምምጥጣኑ፡ ቅቡልነት ሃገራዊ ህንጸት ኣብ ፈተና ብምዉዳቕ፡ መንግስቲ ድማ ሕግን ስርዓትን ምኽባር ተሳኢኑዎ፡ እቲ መሪሕነት ባዕሉ ንቲ ዘሎ ናይ ዜጋታት ምምዝባል፤ ብሄር ተኮር ጥቕዓት ኣፍልጦ ብዘይምሃቡ፡ ናይ ካልኦት ብሄራት ሰባት ክጥቅዑ ከም ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።

ብሓፈሻ ኢህወደግ ምምራሕ ተሳኢኑዎ፡ ብዘሕፍር መልክዑ ሓደ ኮይኑ ሃገር ክመርሕ እናተገብኦ ዘለዎ ምዉጣጥ፡ ደሕንነት ዜጋን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፡ መንግስቲ ኣብ ዕንይንይ ስለዘሎ፡ እቲ ሓይሊ ምክልኻል ሰላምን ደሕንነትን ዜጋታት ከይሕሉ ብቑዕ ዝኾነ ቕቡልነት'ዉን ኣብ ዝስእነሉ ብርኪ በጺሑ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ እዚ ኹሉ፡ ዉጽኢት እቲ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝተሃነጸ ዓፋኒ ስርዓት'ዶ ኣይኮነን?

ኣይተ መረሳ፡ ኢትዮጵያ ሰለስተ መሰረታዊ ሕቶታት ነይሮማ፡ መዓርነት ብሄር፣ መሬትን ህንጸት ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን እንትኾኑ፡ ኣካል ናይቲ ጸገም ሃገራዊ ህንጸት'ዮም።

ብሃጸይ ሚኒሊክ ንመወዳእታ ግዘ ቅርጺ ክትትሕዝ እንከላ እዞም ጸገማት ሒዛ'ያ ተፈጢራ።

ሓረስታይ ካብ ሕርሻን ገጠርን ተላዒሉ ናብ ኢንዳስትርን ካፒታልን ክሰጋገር እናተገብኦ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ሕርሻ ዝተሞርኮዘ ቑጠባ'ዩ ዘለዎ።

መንእሰይ ስራሕ ስኢኑ ተስፋ ቖሪጹ ክበሃል እንከሎ፡ መሓዉራዊ ቑጠባዊ ስግግር ስለዘየለ፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ እቲ ገጠር ዝነብር ናብ ከተማ እናኣተወ ተማሂሩ ስራሕ ዝስእነሉ ኩነታት ኣሎ።

እዚ፡ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጸገም ቑጠባዊ መሓዉር ዝወለዶ'ዩ። ስለዝኾነ እቲ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ዓብዩ ዝበሃል ዝነበረ ቑጠባ ትኽክለኛ ቑጠባዊ ዕብየት ዘይምዃኑ፡ ኣብ ረድኤትን ድጋፋትን ዝተመስረተ ብምንባሩ፡ ፀገም ፈጢሩ ኣሎ።

ካልእ መሰረታዊ ፀገም ኢትዮጵያ፡ ነዊሕ ታሪክ ኣለና ሕገ መንግስታዊ ባህሊ ግና የብልናን። ስለዝኾነ ሕሉፍ 27 ዓመታት ነቶም ሰለስተ ጸገማት እዚኦም ፖለቲካዉን ሕገ መንግስታዉን ኣፍልጦ ሂቡ'ዩ። እቲ ጸገም ዝመጽአ ድሕሪ እቲ መለስ ዝሃነጾ "ቢግ ማን ፖሊሲ" እዩ።

ክልላት ቋንቁአን ብዘይምዕቃበን፡ ኢኮኖሚያዊ ዓቅምታት ብዘይምፍጣረን፡ ንዜጋታተን ስራሕ ብዘይምፍጣረን፡ ዲሞክራሲ ብዘይምስፍሐን ጸገም ተፈጢሩ'ዩ።

ብደረጃ ሃገር'ዉን፡ እቶም ዝተፈጠሩ ፖለቲካዊ ዉድባት ዓቕሚ የብሎምን። እቲ ገዛኢ ውድብ ድማ ንዲሞክራሲያዊ ስግግር ብዝጠቅም መልክዑ ብዘይምድጋፉ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ መረጻ ድማ 100 ሚኢታዊት ተዓዊተ ክብል ከሎ፡ ብሕዚ መረጻ መንግስቲ መለወጢ ክኸዉን ከምዘይኽእል፡ ተስፋ ዘቑረጸ መረጻ'ዩ ነይሩ።

ስለዝኾነ፡ ብመረጻ ዘይኮነ ብዓመጽ ኢና መንግስቲ እንቕይር ዝብል ስምዒት ፈጢሩ። ድሕሪ መለስ ዝመጽኡ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ'ዉን ነቲ ዝነበረ ስርዓት ኣብ ምቕጻል ዓቕሚ ስለዝነኣሶም፡ ኢሉ'ዉን ነቶም ኣርባዕተ ዉድባት ኣተሓባቢሮም ክመርሑ ብዘይምኽኣሎም፡ ድሕሪ 10ይ ዉድባዊ ጉባኤ ኢህወደግ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ'ዩ ኣብ ኦሮሚያ ዓመጽ ዝተልዓለ።

ሕሉፍ 27 ዓመታት ንታሪኻዊ ሕቶታት ኢትዮጵያ ምላሽ ዝሃቡ ብምንባሮም፡ ድሕሪ ሕዚ ካብቲ ዘሎ ፌደራላዊ ስርዓት ወጺእኻ ናብ ኣሃዳዊ ስርዓት እንኣትወሉ ዕድል የለን።

ስለዝኾነ እቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብሰንኪ መራሕቲ ኢህወደግ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, PM Office facebook

እቲ ጸገም ናይ ሕገ መንግስቲ ዘይኮነ፡ ዲሞክራሲ ብዘይምስፍሑ፣ ህልዉና ኢትዮጵያ ምስ ህልዉና ኢህወደግ ብምጥባቕ ንኻልኦት ፖለቲካዊ ዉድባት እናዳኸምኻ ምምጻእ፡ ዜጋታት'ዉን ኣብ መረጻ ዘለዎም እምነት እናደኸመ ምምጽኡ'ዩ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ክልልን ዘሎ ዘይምትእምማንን ዘይምምእዛዝንከ?

ኣይተ መረሳ፡- ትግራይ ሕቶ ፍትሕን ዲሞክራስን ኢትዮጵያዉያን ን17 ዓመታት ተሸኪማቶ'ያ መጺኣ። ድሕሪ 27 ዓመት ግና ትግራይ ሃገር ተሸኪማ'ያ ጸኒሓ።

ኣብ ትግራይ ስኡን ስራሕ ብዙሕ እናሃለወ፡ ኣብ ናይ ባዕላ ልምዓት ኣብ ክንዲ ምትኳር መንግስቲ ፌደራል ኣብ ምጥንኻር እያ ጸኒሓ። እቲ ቃልሲ ከይዱ ከይዱ ብኻልኦት ብሄራት ዝተነበበሉ መገዲ ክልተ ነገር ሒዙ።

እዚ ቃልሲ ንዓርሰ ምሕደራን ምንነትን ጽቡቕ ገይሩልና'ዩ ዝብሉ ኣለዉ፡ ብኻልእ ወገን ክኣ እዚ ፌደራላዊ ስርዓት እዚ ታሪክና ወሲዱልና'ዩ ኢሎም ብሙሉእ ዓቕሞም ተቓሊሰሞ'ዮም።

ኩሎም ሓይልታት ድማ ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም። ናይዚኦም ኩሎም ድምር'ዩ ሕዚ እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ካብ ቤተ መንግስቲ ኣዉጺኦሞ ዘለዉ።

ትግራይ ኩል ግዘ ቃልሳ ንዓርሰ ምሕደራ'ዩ። ህወሓት ኣብ ትግራይ ብዙሕ ክሰርሕ እናተገብኦ፡ ኣብ ፌደራል ብምጽንሑ ረብሓታት ትግራይ ጨፍሊቑ'ዩ።

እቲ ሃገራዊ ቅልዉላዉ እንትፍጠር ግና ኩሉ ሓበራዊ ጸላኢ ትግራዋይን ህወሓትን ኮይኑ።

ሕዚ ህወሓት ስልጣን ስለዘይብሉ፡ ክገብሮ ዝኽእል ናብ ክልሉ ተመሊሱ ክልሉ ምምሕዳር'ዩ። ህዝቢ ድማ ዲሞክራሲ ብምስፋሕ መሰረታዊ ጥቕምታት እተኽብር ሃገር'ዩ ዝደሊ።

እዚ ድማ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝመርሖ ስርዓትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ንዝመርሓ ኢትዮጵያን ኣይጠዓሞምን። ነቲ ዉድብ እንተዘይኣዳኺመሞ፡ ዝሓሸ ስልጣን ረኺቦም ዝመርሑ ዘይመስሎም፡ ኣለዉ።

ህወሓት፡ ስልጣን የብለይን፤ ክልለይ'የ ዘመሓድር እንተበለ እንታይ ጸገም ኣለዎ? ሓላፍነት እቲ ክልል ናተይ ስለዝኾነ ትኹረተይ ኣብ ክልለይ እንተበለ እንታይ ጸገም ኣለዎ?

እዚ ናይ ህልኽ ዘይኮነስ፡ ንሳቶም'ዮም እናስዓቡ ንትግራይ ኣብ ናይ ጸጥታ ሓደጋ ዘእትዉ ዘለዉ።

እዚ ማለት ግና መዋዕልቶም ስለዝኾኑ መራሕቲ ህወሓት ጥዑያት'ዮም እብል የለኹን። እቶም ሕዚ ንመራሕቲ ህወሓት ዝወቕሱ ዘለዉ ግና ሓቢሮም ምስኦም ዘጥፍኡ'ዮም።

ኣብቲ ትግራዋይ ክልተ ነገር ተፈጢሩ ኣሎ። ተጋጊኹም ኢኹም እናበለ፡ ምስ ድኽመቶም ባዕልና ንግስጾም ናብ ዝብል ከይዱ ኣሎ። ፌደራል ምንግስቲ ግና ስራሕ ፈቲሑ'ዩ ዘሎ። እሱራት ካብ ምፍታሕ ብዝሰገረ፡ ነቲ ናዕቢ ምኽንያት ንዝነበሩ መሰረታዊ ጸገማት ፍታሕ ኣይሃበን።

ቢቢሲ፡ ስምዒት መንእሰይ ትግራይ ከመይ'ዩ ዝግለጽ?

ኣይተ መረሳ፡ በቲ ናይ ማእኸል ሃገር ጸለመን ጥቕዓትን ክበጽሖ ከሎ፡ እቲ ትግራዋይ ብሕዚ ናትና ህልዉና ኣብ ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ እምበር ዲሞክራሲ ኣብ ዘይብላ ኢትዮጵያ ክኸዉን ኣይኽእልን፡ ይብል ኣሎ።

ኢትዮጵያ፡ ንደሕንነት ተጋሩ ዘይትከላኸል እንተኾይና ግና እቲ ሕገ መንግስቲ'ዉን ግልጺ'ዩ፤ መሰል ዓርሰ ዉሳነ ክሳብ ምግጻል ይብል።

ብዚ ምኽንያት፡ ኣብ ትግራይ ፌደራላዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝድግፍ ወለዶ ኣሎ፤ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ መብጽዓ ዘይትሕሉ እንተኾይና ግን ናጻ ትግራይ ዝብልን ኣግኣዝያን ዝበሃሉን ሓሳባዊ ምንቅስቓሳት ኣለዉ።

ስለዝኾነ፡ መንግስቲ መሰረታዊ ረብሓ ትግራይ (ልምዓት፣ ዓርሰ ምሕደራን ምስ ኤርትራ ዝህልወና ርክብን) ዝሕሉ መንግስቲ ክኸዉን ኣለዎ።

እቲ መንእሰይ፡ ቑጽርና ዉሑድ'ዩ፤ ጸላእትና ድማ ብዙሓት'ዮም። ንህልዉናን መዓርነትናን ክንብል ሓድነት ኢትዮጵያ ንድግፍ፡ እንተዘይኾይኑ ናጻ ትግራይ ምባሉ ዘዉቅስ ኣይኮነን ፤ እኳ ድኣስ ኣጆኻ'ዩ ክበሃል ዝግብኦ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢቢሲ፡ምስ ኤርትራ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ መልክዑ እንታይ'ዩ?

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ፡ ንሕና ህልዉናን ዕርቅናን ምስ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራን ህዝብን'ዩ። ሕዚ መጺኡ ዘሎ ለዉጢ ዝንበበሉ፡ ኢህወዴግ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዕርቂ ኣሎ።

ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ድማ እየን ተዓሪቐን። ንትግራይ እናኸበብኻ ዝግበር ሰላም'ዩ ዘሎ። ተስፋና ግና፡ ኣብቲ ንሰላማዊ ሰልፊ ዝወጽአ ኤርትራዊ'ዩ። ተስፋና ኣብ ህልዉና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣምንን ኣብ ትግራይ ተዓቝቦም ዘለዉን ኤርትራዉያን'ዩ።

ኮነ ነባሂሉ ግና ዕርቅና ምስ ህዝቢ'ዩ ንዝብል ዘረባ ተጋሩ ናይ መንደር ፖለቲካ ኢሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኣሜሪካ ከይዱ ኣናሺዩዎ'ዩ።

እቲ ወለዶ ንናይ ባዕሉ ህልዉና ዝቃለስ ስለዝኾነ ግና፡ ጠጠዉ ዝብል ኣይኮነን። ኩሉ ነገር ኣብ ናይ ትግራይ ጥንካረ'ዩ ዝዉሰን፡ ብጽንዓትን ትዕግስትን ድማ ክምራሕ ኣለዎ።

ቢቢሲ፡ ነቶም ሃገራዊ ጸገማት ንምፍታሕ መንግስቲ እንታይ ክገብር ኣለዎ?

ፕሮፌሰር መረሳ፡ እቲ ሕጋዊ ናይ ኢህወደግ ናይ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ክልሰ ሓሳብ ብተግባር ደረጃ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ብጣዕሚ ከቢድ'ዩ። ልምዓታዊ ድዩ ወይስ ሊበራል ኣይፍለጥን። ሓንቲ መግለጺት ክትኾኖ እትኽእል "ፖፕሊዝም" (ርካሽ ተፈታዊነት) እዩ።

እቲ ዲሞክራሲ'ዉን፡ ናይ ሰበር ዜና ዲሞክራሲ'ዩ ዘለና ምባል ይከኣል። ሰበር ዜና እናሃብካ ህዝቢ ካብ ሓደ ኣጀንዳ ናብ ሓደ ኣጀንዳ ምስግጋር ኢና ርኢና። እተን ተሪፈንኦ ዘለዋ ናይ መረጻ እዋናት ትኹረት ዘድልየን'የን።

ሃገር ኣብ ቅልዉላዉ ኣላ፤ ህዝቢ ጎንፂ እናለመደ ብዝኸደ ቑጽሪ፡ ኣብ መንግስቲ እምነት እናስኣነ ኣማራጺ ነገራት እናወሰደ'ዩ ዝኸይድ። መንግስቲ ከምዝበሎ'ዉን፡ ዓብዪ ምስፍፋሕ ኣፅዋር ውግእ ኣሎ፡ ናብ ኵናት ሕድሕድ ከይኣቱ'ዉን ዘስግእ'ዩ።

ምምዝባል ዜጋታት፣ ብሄራዊ ጥቕዓታት'ዉን ብዙሓት'ዮም። ኣትዮም ዘለዉ ሓይልታት'ዉን ታሪኻዊ ቅራነ ኣለዎም። እዚ ንምትዕራቕ ናይ መሰገጋገሪ መንግስቲ ክመጽእ ኣለዎ።

መንግስቲ ምስቶም ተቓወምቲ ተሓባቢሩ እታ ሃገር ከድሕና እንተዘይኽኢሉ፡ ከቢድ'ዩ። ድኽመቱ ርእዩ ግና ደሕንነት ዜጋን ሃገርን ናብ ንቡር ክመልስ ተስፋ እገብር።