ፊስቡክን ትዊተርን ምስ ኢራንን ሩስያን ምትእስሳር ዘለዎም ገጻት ጎስጓስ ኣልየን

ስእሊ ማህበራዊ ሚዲያ Image copyright Getty Images

ፌስቡክን ትዊተርን ገለ ዘየተኣማምንን ተጽዕኖ ክፈጥራ ናይ ዝደልያ ኣጋጋዪ ባህርያትን ካብ ናይ ውልቀሰባትን ውድባትን፡ ሓበሬታ ክሰርቃ ዝሕልና ዝነበራ ገጻት ካብ መርበብ ኢንተርኔት ኣልየን።

ኩባንያ ማይክሮሶፍት'ውን ነቶም ካብ ናይ ውልቀሰባትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሓበሬታ ክሰርቁ ናይ ዝሓለኑ ፈገራግር (ሰርሰርቲ) ፈተነ ከምዘበርዓነ ገሊጹ።

ፌስቡክን ትዊተርን ምስ ኢራንን ሩስያን ምትእስሳር ዘለወንን 'ዘየተኣማምና' ወይ ድማ 'ተጽዕኖ ክፈጥራ ናይ ዝደልያ' ናይ ተጠቀመቲ ገጻት ከምዝኣለያ ገሊጸን።

ልዕሊ 650 ናይ ፌስቡክ ገጻት ከም 'ኣጋገይቲ' ገጻት ከምዝተፈልጣ መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ገሊጹ።

ትዊተር ብወገኑ ብንጹር ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘለወን 284 ገጻት ከምዘወገነት ገሊጻ።

ፌስቡክን ትዊተርን ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ማይክሮሶፍት ናይ ሩስያ ናይ ኮምፒዩተር [ሳይበር] መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ገለ ናይ ኣሜሪካ ናይ ዓቃባውያን ጉጅለታት ደው ምባሉ ኢዩ ተፈጺሙ።

ብሰሉስ፡ 21 ነሓሰ ፌስቡክ ድሕሪ 'ናይ ኣዋርሕ' ምክትታል ብርክት ዘበላ ዘይተኣማምን ባህርያት ዘለውንን ምስ ኢራንን ሩስያን ምትእስሳር ዘለውን ገጻት ከምዝረኸበ ገሊጹ።

ከምዚ ዓይነት ባህርያት ዘለወን ገጻት ንኽልክል፡ ምኽንያቱ እቲ ተጠቃማይ ህዝቢ ኣብቲ ትካል እምነት መታን ከሕድር።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፌስቡክን ትዊተርን ኣማኢት ናይ ዓማዊልን ኣደራሻ ከደስክላን ክኣልያን እየን

ዋል`ኳ እቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ጌና ቀጻሊ እንተሎ፡ እቲ ስርሒት ኣብ ልዕሊ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ላቲን ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ዝርከቡ ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ዘነጻጸረ ከምዝኾነ መርበብ ማሕበራዊ ገጻት ገሊጹ።

ብኸመይ እተን ገጻት ተረኺበን?

ኩባንያታት ማሕበራዊ ገጻት ካብ ፋየር ኣይ ዝተባህለ ናይ ኮምፒዩተራት ድሕነት ዝከታተል ኩባንያ ብርክት ዝበላ ናይ ኢራን ፕሮፖጋንዳ ዝጉስጉሳ ገጻት ከምዘለዋ ዝሕብር ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቦም ኢዩም ስጉምቲ ዝወሰዱ።

ብድሕር`ዚ ፌስቡክ ብጀካ እተን ዝተገልጻ ናይ ፌስቡክ ገጻት - ካልኦት 76 ናይ ኢንስቴግራም ገጻት`ውን ምስ ናይ መንግስቲ ኢራን ናይ ዜን ማዕከን ምትእስሳር ከምዘለወን ኣረጋጊጹ።

ካልኦት ``ኣጋጋዪ ባህርያት`` ዘለወን ምስ ሩስያ ምትእስሳር ዘለወን ገጻት ክርከባ ከለዋ፡ እተን ንኢራን ዝጉስጉሳ ገጻት ግና እዚ ባህርያት ኣይነበረንን ኢላ ፌስቡክ።

ገለ ካብቲ ዝካየድ ዝነበረ ጎስጓሳት ካብ 2011 ዝጀመረ ክኸውን ከሎ፡ ሓፈሻዊ ትሕዝትኡ ድማ ብቛንቋ ዓረብን ፋርስን ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት ማእከላይ ምብራቓ ኢዩ ነይሩ። እተን ገጻት ብዛዕባ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት`ውን ብቛንቋ እንግሊዝ ኣቕሪበን እየን።

ካልኦት በመንግስቲ ኣሜሪካ ምስ ናይ ሩስያ ወተሃደራዊ ናይ ስለያ ትካል ምትእስሳር ከምዘለወን ዝተገልጻ ገጻት`ውን ጨሪሰን ካብቲ መርበብ ተኣልያ ማይክሮሶፍት ገሊጹ።

ፌስቡክ ኩሉ ዝረኸቦ ሓበሬታ ንመንግስቲ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ከምዘካፈሎም ገሊጹ።

ትዊተር ብወገኑ ኣብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ብርክት ዝበላ ገጻት ``ኣብ ዝተዋደደ ተጽዕኖ ንምፍጣር ዝሰርሓ`` ገጻት ከምዝኾና ገሊጹ።

ገለ ፈገራግር ኩምፒዩተር ሩስያ ካብ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት ኣሜሪካ ሓበሬታ ክሰርቁ ከምዝፈተኑን ማይክሮሶፍት ብሰኑይ 20 ነሓሰ ገሊጹ። እንተኾነ እቲ ኩባንያ ነቲ ናይቶም ናይ ሩስያ ናይ ኮምፒዩተር ፈገራግር ፈተነ ከምዘበርዓኖ ገሊጹ።

ሓደ ወርሒ ድሕሪ መንግስቲ ኣሜሪካ ን12 ኣባላት ስለያ ሩስያ ናይ ሂለሪ ክሊንተንን ናይ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሓበሬታታት ካብ ኮምፒዩተር ብምስራቕ ድሕሪ ምውንጃሉ ኢዩ ማይክሮሶፍት ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት