ጸብጻብ ፎርብስ፡ ዘ ሮክ ንናይ 2017 ክፍሊቱ ዳርጋ ብዕፍፊ ኣዛይድዎ

ድዋይነ ጆንሶን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ድዋይነ ጆንሶን ነቲ ኣብ ኣብ 2017 ዝረኸቦ ኣታዊ ኣብዚ ዓመት'ዚ ዳርጋ ብዕጽፊ ኣዛይድዎ

ብ ዘሮክ ዝፍለጥ ደዋይነ ነቲ ኣብ 2017 ረኺብዎ ዝነበረ ክፍሊት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ኣስታት 119 ሚልዮን ዶላር ብምርካብ ዳርጋ ብዕጽፊ ኣዛይድዎ ክብል ፎርብስ ዝልዓለ ኣታዊ ዝረኸቡ ተዋሳእቲ ኣብ ዝብል ጸብጻቡ ኣስፊርዎ ይርከብ።

እቲ ዝልዓለ ኣታዊ ዝረኸበ ጆርጀ ክሎኒ ክኽውን እንከሎ ኣብዚ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ 239 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ።

ካብ ደቂ ኣንስተዮ ተዋሳእቲ እስካርለት ጆሃንሶን 40.5 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ብምርካብ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ እንከላ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ምስ እትወዳደር ኣብ መበል ሻውዓይ ምተሰርዐት ነይራ።

እታ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ደቂ ኣንስተዮ ዝለዓለ ዝተኸፈለት ተባሂላ ሰፊራ ዝነበረት ኢማ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ'ውን ክትኣቱ ዘይምኽኣላ ዘገርም ነገር ተባሂሉ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ስካርለት ጆሃንሶን ኣብ ዝሓለፈ ዓምት ትክፈሎ ካብ ዝነበረት 10 ሚልዮን ዶላር፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ናብ 40.5 ሚልዮን ዶላር ክብ ክብለ ክኢሉ።

ተዋሳእቲ ሮበርት ዳውንይ፡ ክሪስ ሀምስዎርዝ፡ ጃኪ ቻንን ዊል ስሚዝን እቶም ኣብ ቅድሚት ተሰሪዖም ዘለዉ ኮይኖም ኩሎም ልዕሊ ስካርለት ጆሃንሶን ይኽፈሉ፡ ህንዳዊ ተዋሳኣይ ቦሊዉድ ኣክሻየ ኩማር ማዕረ ስካርለት ጆሃንሶን ክፍሊት ብምርካብ ካብ ደቂ ተባዕትዪ ተዋሳእቲ ኣብ መበል ሻውዓይ ሰፊሩ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ,

ዊል ስሚዝ ኣብዚ ዓመት እዚ ብዝተኸፈሎ ኣብ ሻዱሻይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ።

ኣብ ካልኣይ ተሰሪዑ ዘሎ ድዋይነ ጆንሶን ኣብዚ ዓመት እዚ 119 ሚልዮን ዶላር ክኽፈል እንከሎ ኣብተን ዌልካም ቱ ዘጁንግል፡ ስካይስክራፐርን ፋስት ኤንድ ፊርዮስ 8 ዝበላን ፊልምታት ብዝተኸፈሎ እዩ ናብዚ ደረጃ እዚ ክብ ኢሉ።

ካልእ ኣብ ናይዚ ዓመት ዝርዝር ዝለዓለ ዝኽፈሉ ተዋሳእቲ ዝተሰርዐ፡ 42 ሚልዮን ኣታዊ ብምርካብ ዊል ስሚዝ'ዩ፡ ዊል ስሚዝ ኣብዚ ዓመት እዚ ብዝረኸቦ ኣታዊ ኣብ ሻዱሻይ ደረጃ ክስራዕ ክኢሉ ኣሎ።

ዊል ስሚዝ ኣብታ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተዘርገሐት 'ብራይት' ዘርእስታ ናይ ነትፍሊክስ ፊልም ዝተዋሰአ ኮይኑ ኣብ ብዙሕት ብሕጂ ዝዝርግሓ ከም ዲዝንይስ ዘ ጂኒ ኤንድ ስፓይስን ኣብ ዲስጉይዝ'ውን ምውስኡ ይፍለጥ።

ፎርብስ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ናይ 2018 ዝልዓለ ዝተኸፈሉ ደቂ ተባዕትዮ

  • ጆርጅ ኮሎኒ - 239 ሚልዮን ዶላር
  • ድዋይነ ጆንሶን- 119 ሚልዮን ዶላር
  • ሮበርት ዳውንይ ጀይኣር- 79ሚልዮን ዶላር
  • ክሪስ ሀመንስሞርዝ - 64.5ሚልዮን ዶላር
  • ጃኪ ቻን - 45.5ሚልዮን ዶላር
  • ዊል ስሚዝ - 42ሚልዮን ዶላር
  • ኣክሻን ኩማር -40.5ሚልዮን ዶላር
  • ኣዳም ሳንድለር - 39.5ሚልዮን ዶላር
  • ክሪስ ኢቫንስ - 34ሚልዮን ዶላር
  • ሳልማን ክሃን - 33.5ሚልዮን ዶላር

ፎርብስ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ናይ 2018 ዝልዓለ ዝተኸፈላ ደቂ ኣንስትዮ

  • ስካርለት ጆሃንሶን - 40.5ሚልዮን ዶላር
  • ኣንጅሊና ጆሊ - 28ሚልዮን ዶላር
  • ጀኒፈር ኣኒስቶን - 19.5ሚልዮን ዶላር
  • ጀኒፈር ላውረንስ - 18ሚልዮን ዶላር
  • ሪስ ዊዘርስፑን - 16.5ሚልዮን ዶላር
  • ሚላ ኩኒስ - 16ሚልዮን ዶላር
  • ጁልያ ሮበርትስ - 13ሚልዮን ዶላር
  • ኬት ብላንቸት - 12.5ሚልዮን ዶላር
  • መሊሳ ማካርትይ- 12ሚልዮን ዶላር
  • ጋል ጋዶት - 10ሚልዮን ዶላር