ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጻዕዳ ዓሌታዊ ጸርፊ ብምዝርግሑ ካብ ስርሑ ተሰጒጉ

ኣዳም ካትዛቬሎስ

ምንጪ ስእሊ, Adam Catzavelos

መግለጺ ስእሊ,

ሚኒስተር ባህሊ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ከምዚ ዓይነት ቋንቋ ኣብ ሕብረተሰብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቦታ ከምዘይብሉ ገሊጹ

ሓደ ወዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሌታዊ ጸርፊ ብቪድዮ ብምዝርግሑ ካብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ንግዳዊ ትካል ስድራ ቤቱ ተስጒጉ።

ኣዳም ካትዛቬሎስ ኣብ ደንደስ ባሕሪ ኮይኑ ንነብሱ ኣብ ዝሰኣለሉ እዋን፡ ኣብዚ ቦታ ዝኾነ ጸሊም ሰብ ስለዘየለ 'እዚ ቦታ ገነት ኢዩ' ኢሉ።

ኣዳም ኣብ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ጸዓዱ ጸለምቲ ንምንሻው ዝጥቀምሉ ዝነበሩ መካፍኢ ቃላት'ዩ ተጠቒሙ።

ዓሌታዊ ኣፈላላይ ሕጂ'ውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ሽግር ኢዩ፡ ዋላ ድሕሪ'ቲ ናይቶም ውሑዳት ጸዓዱ ግዝኣት ብ1994 ምብቅዑ።

ኣብዚ ቀረባ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘናሹ ቃላት ብምጥቃማ ተኣሲራ ኢያ።

ብሰሉስ፡ 21 ነሓሰ እቲ '#ኣዳም_ካትዛቬሎስ' ዝብል ሃሽታግ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ተላቢዑ።

ተጠቀምቲ ትዊተር ንኹሎም እቶም ፍርያት ናይቲ ካታቬሎስ ዝሰርሓሉ ኩባንያ - ዕሹግ መግቢታት - ከይገዛኡ ጸዊዖም።

ሓው፡ ኒክ ካዛቬሎስ ብሮቡዕ ንቢቢሲ ናይ ዜና ማዕከን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ስድራቤት በቲ ኣብ ቪድዮ ዝተዘርገሐ ዓሌታዊ ጸርፊ ከምዝሰንበዱ ድሕሪ ምግላጽ፡ 'ዓሌተኛነት ብኹሉ መልክዑ ከምዝነጽግዎ' ገሊጹ።

ብምቕጻል፡ 'ኣዳም ካትዛቬሎስ ካብቲ ዝሰርሓሉ ናይ ስድራቤት ኩባንያ - ክምዝተሰጎገን እቲ ኣብቲ ኩባንያ ዝነበሮ ብርኪ'ውን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ከምዝልዓል' ኒክ ካትዛቬሎስ ገሊጹ።

ብምኽንያት ናይቲ ዝዘርግሖ ዓሌታዊ ቪድዮ ድማ እቲ ፋብሪካ መግቢ ንድሕነት ናይቶም ኣብቲ ፋብሪካ ዝሰርሑ ሰባት ክብሃል ንግዚኡ ከምዝተዓጽወ ድሕሪ ምግላጽ፡ ካብዚ ንላዕሊ ዝኾነ መብርሂ ክህብ ከምዘይክእል ኒክ ገሊጹ።

ሓደ ስጋ ዝሸይጥ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኩባንያ ንፋብሪካ ካትዛቬሎስ ዝህቦም ዝነበረ ኣገልግሎት ከምዘቋረጸ ክገልጽ ከሎ ካልእ ብባሮን ግሩፕ ዝፍለጥ ቤት ብልዕታት ዝውንን ትካል ዓሌትነት ስለዘይድግፍ ኩሉ ምስ ፋብሪካ ካትዛቬሎስ ዝነበሮ ንግዳዊ ኮንትራት ከምዘቋረጾ ገሊጹ።

ብኔድ ባንክ ዝፍለጥ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ባንክን ሬድዮ 702 ኩሉ ምስ ካትዛቬሎስ ዝነበሮም ርክብ ከምዘቋረጹ ገሊጾም።

ኣዳም ክኽሰስ 'መደብ' ኣሎ

"ዓሌታዊ ቃላት ምጥቃም ጨሪሱ ቅቡል ከምዘይኮነን ኣብቲ ሕብረተሰብ ድማ ዝኾነ ቦታ የብሉን" ኢሉ ምኒስተር ባህሊ ደቡብ ኣፍሪቃ ናቲ ምቴትዋ።

"ኩልና ኣንጻር ዓሌትነት ብሓባር ክንሰርሕን፡ ከምዚ ዓነት ኩነታት ምስእንርኢ ድማ ንጸጥታ ኣኽበርቲ ብምሕባር ከምዝእሰሩ ክንገብር ኣሎና ኢሉ ናቲ ኣብዝገበሮ ትዊት።

ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ኢኮኖሚክ ፍሪዶም ፋይተርስ ንካትዛቬሎስ ክኸሶ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ቪክቶር ምሎትሽዋ ናብ ገዝኡ ክልተ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ኣብ ናይ ሬሳ ሳጹን ብምእታው ከቃጽልዎ ከፈራርሕዎ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ ነይሩ።

ኣብዝሓለፈ እዋን፡ ኣብ 2017 ክልተ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ንሓደ ጸሊም ድሕሪ ምህራም ኣብ ናይ ሬሳ ሳጹን ብምእታው ከቃጽልዎ ከፈራርሕዎ ዘርኢ ቪድዮ ብምዝርግሖም ተፈሪድዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ኣብ 2016 'ውን፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ፌስቡክ ንጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪኡቃውያን ኣህባይ ስለዝበለቶም ተቐጺዓ።