ዓብዲ ሞሓመድ ዑመር ኣብ ቀይዲ ውዒሎም

ኣይተ ዓብዲ ሞሓመድ Image copyright BBC Somali

ንክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዘመሓደሩ ኣይተ ዓብዲ ሙሓመድ ዑመር፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ኣትላስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝአም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም።

ኣይተ ዓብዲ ሙሓመድ ዑመር፡ ትማሊ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ተላዒሉ።

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ክልል ሶማሌ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ዘይስሩዕ ጉባኤ፡ ንኣይተ ዓብዲ ሙሓመድ ዑመር ሓዊሱ፡ ንሸውዓተ ኣባላቱ ናይ ዘይምክሳስ መሰል ኣልዒሉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ናይዞም ውልቀ ሰባት ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ከልዕል ዝተገደደ፡ ኣብታ ክልል ብዝነበረ ዘይምርግጋእ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ናይ ዘይምኽሳስ መሰል እቶም ኣባላት ንክለዓል፡ እቲ ቤት ምኽሪ ብምሉእ ድምፂ ከምዘፅደቖ ተገሊፁ።

ቅድሚ ሕዚ፡ ንኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ሙስጦፋ ሙሓመድ፡ ፕረዚደንት እቲ ክልል ገይሩ ምሻሙ ይዝከር።

ነታ ክልል ንብዙሓት ዓመታት ክመርሑ ንዝፀንሑ ኣይተ ሙሓመድ ዑመር ብምትካእ ንክልተ ሰሙናት ክመርሑ ዝፀንሑ ኣይተ ኣሕመድ ዓብዲ ሞሓመድ፤ ኣይተ ሙስጦፋ ግዚያዊ ፕረዚዳንት ኮይኖም ንክቕፅሉ ሕገ-ደምቢ እቲ ውድብ ከምዝፈቕደሎም ገሊፆም ነይሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት