መዘዘኛ ኲኲናይ፡ ንመናእሰይ ኣእሲሩ

ፀሊም ኲኲናይ

ምንጪ ስእሊ, MyLoupe

ሰለስተ ጊናውያን መናእሰይ፡ ንቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ዘቕረብዎ ውህብቶ ሰበብ ኣምፂእሎም ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ካሶሪ ፎፋና፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ከተማ ካንካን ዑደት ኣብ ዝገበርሉ እዋን፡ ውህብቶ ፀሊም ኲኲናይ ኣበርኪተምሎም።

ዓጀብቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግና፡ ብሓገዝ ፖሊስ ነዞም መናእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዐልዎም መሰኻኽር ዓይኒ እቲ ከባቢ ገሊፆም።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ብባህሊ እቲ ከባቢ ፀሊም ኲኲናይ ምልክት ሕማቕ ነገር ተገይሩ እዩ ዝረኣይ። ስለዝኾነ፡ እዞም መናእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ፡ እዚ ውህብቶ ኮነ ኢሎም ክፍኣት ሓሲቦም ስለዝለገስሎም ከምዝኾነ ጥርጣረታት ይግለፁ ኣለዉ።

ኣብ ፖሊስ ጣብያ ተኣሲሮም ዝቐነዩ እዞም ሰለስተ መናእሰይ፡ ሎሚ መዓልቲ ተፈቲሖም።