ዳይረክተር ስለያ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ምስ ዴምህት ዘትዩ

ብዳይረክተር ብሄራዊ ድሕንነትን ስለያን ኢትዮጵያ ጀነራል ኣደም መሓመድ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ እዩ፡ ምስ ኣቦ መንበር ዴምህት ኣይተ መኮነን ተስፋይ Image copyright YEMANE GEBREMESKEL

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት)ን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘተ ዕርቂ ተገይሩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ከምዝፀሓፎ፡ ብዳይረክተር ብሄራዊ ድሕንነትን ስለያን ኢትዮጵያ፡ ጀነራል ኣደም መሓመድ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ፡ ምስ ኣቦ መንበር ዴምህት ኣይተ መኮነን ተስፋይ ዘተ ዕርቂ ኣካይዱ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ልኡኻት ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ናብ ኣስመራ ብምኻድ፡ አብታ ሃገር ምስ ዝነበሩ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ምዝታዮም ዝዝከር እዩ።

ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁን ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ለማ መገርሳን ዝቖመ ልኡኽ ምስ ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝታይ፡ ኦነግ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምቁራጽ ሰላማዊ ፓለቲካዊ ቃልሲ ከካይድ ኣብዚ ወርሒ ከምዝተሰማምዐ ዝፍለጥ እዩ።

ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ 'ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝነበረ ምንቅስቓስ ዲሞክራሲያዊ ሓይሊ ኣምሓራ (ኣዴኃን) ድሕሪ ዝገበሮ ዘተ፡ እቲ ምንቅስቓስ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ፓለቲካዊ ንጥፈታቱ ብሰላማዊ ኣገባብ ከካይድ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሐ ይዝከር።

መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ነሓሰ "ናብ ትግራይ ክኣትዉ ንዝወሰኑ ኣባላትን ኣመራርሓታትን ዴምህት ብዝመረፅዎ ኣግባብ ንምትእንጋድን ምችው ኩነታት ንምፍጣርን" ቅሩብ ምዃኑ ገሊፁ ነይሩ።

መንግስቲ ትግራይ፡ 04 ነሓሰ 2010 ዓ.ም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ "ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስ ወሲኖም ናብ ትግራይ እንትኣትው ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከይኣተዉ ዝተረፉ ኣባላትን ኣመራርሓን ዴምህት ናብ ትግራይ ኣትዮም ብሰላማዊን ሕጋዊን መንገዲ ብዝመረፁዎ ኣገባብ ንክቃለሱ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ" ኢሉ ነይሩ።

እቲ ፃውዒት ሰላም፡ መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ደገ ክንቀሳቀሱ ዝፀንሑ ዕጡቓት ሓይልታት ናብ ዓዶም ክምለሱን ሰላማዊ ምንቅስቃስ ክገብሩን ንዘቕረቦ ፃውዒት ስዒቡ ከምዝተውሃበ ዝዝከር እዩ።