ፕሬዚደንት አመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንጉግል፡ ትዊተርን ፌስቡክን ኣጠንቂቑ

ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፊፋ ፕረዚደንት ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ብምዃን፡ ንጉጉል፣ ትዊተርን ፌስቡክን ቀይሕ ካርዲ እንተርእይ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፊፋ ፕረዚደንት ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ብምዃን፡ ንጉጉል፣ ትዊተርን ፌስቡክን ቀይሕ ካርዲ እንተርእይ

ፕሬዚደንት ትራምፕ ንትካላት ማሕበራዊ ገጻት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣድልዎን ሳንሱር ይገብራን ኢሉ ድሕሪ ምውቃሱ፡ ጉግል ትዊተርን ፌስቡክን ኣብ ተነቀፍቲ ጉዳያት ብጥንቃቐ ክሕብራ ኣጠንቂቕወን።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ኣብ ጉግል ``ትራምፕ ኒውስ`` ኢሉ ዘካየዶ ውጽኢት ናይ ምፍታሽ [ሰርች ሪዛልት] መስርሕ ዝገብሮ ምድንጋር ምውንጃሉ፡ ነዘን ትካላት ``ኣዝየን ክጥንቀቓ`` ሓቢርወን።

ናይ ምምሕዳር ትራምፕ ተሓጋጋዚ፡ ነዘን ትካላት ንምቁጽጻር ሕጋዊ መስርሕ ንምውሳድ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ጉጉል ብወገኑ ኣብቲ ውጽኢት ናይ ምፍታሽ መስርሕ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ከምዘይብሉን፡ ኣንጻር ዝኾነ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ`ውን ኣድልዎ ከምዘይገብርን ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ [ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ] ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ``ጉግል ብናይ ብዙሓት ሰባት ረብሓ ይጥቀም ከምዘሎን፡ እዚ ድማ ሸለል ዝይብሃል ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ኢዩ`` ኢሉ።

ብምቕጻል፡ ፌስቡክን ትዊተርን ``ክጥንቀቓ ዝሓሸ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ንሰባት ከምኡ ክትገብር ኣይፍቀድን ኢዩ፡ ኣሽሓት ወቐሳታት ካብ ህዝቢ ይቐርብ ኣሎ`` ኢሉ ትራምፕ።

እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ከምዝወስድ ግና ኣይገለጸን።

እንተኾነ ናይ ትራምፕ ናይ ቁጠባ ኣማኻሪ፡ ላሪ ኩድሎው ብዛዕባ ጉግል ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ እቲ ትካል ምቁጽጻር ክግበረሉ ወይ ድማ ንጥፈታቱ ክምርመር ወይ ድማ ክጽናዕ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ጠመተ ይገብሩ ከምዘለው ገሊጹ።

`ምዕፋን`

ገለ ተንተንቲ፡ እቲ ናይ ትራምፕ መግለጺ ብዙሕ ደገፍ የብሉን፡ ዳሕራይ ድማ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ከምዝውስድ`ውን ንጹር ኣይኮነን ይብሉ።

ገለ ድማ ነቲ ውጽኢት ናይ ምንዳይ መስርሕ ንምቕያር ዝግበር ፈተነ ንቕዋም ዝጻረር ኢዩ ይብሉ። እንተኾነ መንግስቲ ጽዓት ነቲ ናይ ጉጉል ጸብለልትነት ኣብ ዕዳጋ ንምውዳቕ ዝዓለመ ኢዩ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዝገበሮ ትዊት፡ ጉጉል ኣብ ኣሉታዊ ዜናታት ዝያዳ ብምትኳሩ፡ እቲ ትካል ከም ``ናይ ጸጋማውያን ናይ ዜና ማዕከን`` ገሊጽዎ።

``ዝበዝሐ ዝዝርግሖ ዜናታት ኣሉታዊ ጽልዋ ዘለዎ ከምዝኾነን ዓቃባዊ ጽልዋ ዘለዎ ዜናታት ድማ ከምዝዕፈን`` ትራምፕ ገሊጹ።

``ትካላት ማሕበራዊ ገጻት ኣድልዎ ኣንጻር ድምጺ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካንን ዓቃብያውያንን ኣርእየን፡ እዚ ድማ ጨሪሱ ክፍጸም ኣይነፍቅድን`` ድማ ኢሉ ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዝገበሮ ትዊት።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ጉግል ነቲ ናይ ውጽኢታት ምንዳይ [ሰርች ሪዛልትስ] ንምጽባቕ ዝኾነ ፖለቲካዊ ነገር ከምዘይጥቀም ገሊጹ

እንተኾነ፡ ጉጉል ነቲ ናይ ውጽኢታት ምንዳይ [ሰርች ሪዛልትስ] ንምጽባቕ ዝኾነ ፖለቲካዊ ነገር ከምዘይጥቀም ገሊጹ።

``እቲ ውጽኢት ናይ ምንዳይ መስርሕ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምስራዕ ከምዘይውዕል ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣንጻር ዝኾነ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ድማ ኣድልዎ ኣይነርእን`` ኢሉ ጉጉል።

ብቐጻሊ ናቲ ናይ ጉጉል ናይ ምንዳይ መስርሕ ንምምዕባል ንሰርሕ፡ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ ንምቕያር ድማ ኣይንጥቀመሉ`` ኢሉ ጉጉል።

መምህር ናይ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣብ ለንድን ኪንግስ ኮለጅ፡ ሜርሴደስ ባንዝ ንቢቢሲ ከምዝሓበረቶ፡ ጉጉል ደይ መደይ ኢሉ ዜናታት ብፍሉይ ዓይኒ ብምጥማት ከምዘይሰርዕ ገሊጻ።

ናይ ጉግል ዜና ኣብ ክውንነትን ሓቅነት ዘልዎን ናብቲ ፍጻመድማ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ጉዳያት ኢዩ ዝተኩር። ብተወሳኺ ዝኾነ ፖለቲካዊ ዝንባለ`ውን ኣየርእይን ኢዩ ኢላ ሜርሴደስ።

ትዊተርን ፌስቡክስን ግና ኣብዚ ጉዳይ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃቡን።

``ኣስታት 96 ሚኢታዊ ናይቲ ኣብ ጉጉል ከም መልሲ ነቲ ``ትራምፕ ኒውስ`` ዝቐረበ ዜናታት ካብ ጸጋማውያን ናይ ዜና ምዕከናታ ዝቐረበ ኢዩ`` ነይሩ ኢሉ ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ትዊት።