ሓንቲ ሃገር፡ "ኣጋጣሚ ተጠቒምካ ዝግበር ሽርሒ ኣይክሰርሕን እዩ"

ኣቶ ሰለሙን ገብርየሱስ፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ ከምኡ'ውን ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ማሕበር ሓንቲ ሃገር Image copyright ሰለሙን ገብርየሱስ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቶ ሰለሙን ገብርየሱስ፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ ከምኡ'ውን ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ማሕበር ሓንቲ ሃገር

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸ፡ ካብቲ ደፋር ከብሎ ዝኽእል ስጉምትታት፡ ኣብ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናውን ሃይለማርያም ደሳለኝን ቅድመ ኩነት ተነቢሩሉ ዝነበረ ውዕል ኣልጀርስ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢለዮ ኣለኹ ምባሉ እዩ።

እዚ ስጉምቲ እዚ ክኣ፡ ብዙሓት ደለይቲ ሰላም፡ እፎይታ ከንግስ ከምዝኽእል ብምትስፋው፡ ድሒሩ ክመጽእ ዝኽእል ርሁው መጻኢ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ምቁማት ተጸምዱ።

ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅጽበታዊ መልሲ ተኸቲሉ፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ'ውን ኣወንታዊ መልሲ ስለዝሰዓበ፡ ምንግጋድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ካብን ናብን ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ ንዝነበረ ጽልእን ቅርሕንትን ከምዘይነበረ ኣምሲልዎ።

ኣብ ኣካይዳ ውዕል ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ኣብ መጀመርታ ካብ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ህዝብታት ትግራይ ድሒሩ ካብ ኣብ ደገ ዝርከቡ ኤርትራውያን ቅርጣወ ይጎድሎ ምህላዉ ግን ድምጽታት ይስማዕ እዩ።

ኣቶ ሰለሙን ገብርየሱስ ኤርትራዊ ተቐማጢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ ከምኡ'ውን ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ምንቅስቓስ 'ሓንቲ ሃገር' ኮይኑ ሓደ ካብቶም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ እዩ።

ምንቅስቓስ ሓንቲ ሃገር ወይ 'ዋን ኔሽን'፡ ኤርትራ ህዝባን ልኡላውነታን ዓቒባ ከም ሓንቲ ሃገር ቆይማ ትኸደሉን ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋ ክኽበርን ክዕቀብን ዝሰርሕ ምዃኑ ኣቦ መንበር ናይዛ ምንቅስቓስ ኣቶ ዳንኤል ተኽላይ ይገልጽ።

ኣቶ ሰሎሞን ገብርየሱስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ፡ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝልኣኹ ብምሕባር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከርብሖ ዝኽእል ኣካይዳ ፡ ናይ ሰላም ውዕላት ንህዝቢ ዘማእከለ ክኸውን ከምዘለዎ ይዛረብ።

እዚ ናብ ዶክተር ኣብይ ዝተላኣኸ መልእኽቲ ክኣ ነዚ ዘረድእ ከምዝኾነ ይነግር።

ኣቶ ሰሎሞን ገብርየሱስ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኵናት ክውላዕ እንከሎ ኣብ መንጎ መንግስታት እምበር ኣብ መንጎ ናይ ክልቲአን ሃገራት ህዝብታት ጸገም ከምዘይነበረ ድሕሪ ምሕባር።

ሕጂ'ውን ሰላም ክመጽእ እንተኾይኑ ነዚ ተበታቲኑ ዘሎ ህዝቢ ብፍላይ ክኣ እቲ ግዳይ ናይዚ ኵናት ዝኾነ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከብ ህዝቢ፡ ናብ ማዓልቦ ኣምጺእካ ሰላማዊ ሂወቱ ክመርሓሉ ናብ ዝኽእለሉ ኩነት ንኽምለስ ብቀዳምነት ክጻዓረሉ ከምዘለዎ ይምሕጸን።

እንተኾነ ይብል ኣቶ ሰሎሞን "እንተኾነ እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ኣካይዳ ነቲ ኣብ ዶባት ክልቲአን ዘሎ ህዝቢ ናብ መዓልቦ ኣምጺእካ ናብ ንቡር ምምላሱ ዘይኮነስ ድሒሮም ክመጹ ዝግቦም እዮም ዝቕድሙ ዘለዉ" ይብል።

ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ነዘን ክልተ ሃገራት ዘሰሓሓበን ፡ ናይ ዶብ ጉዳይ እዩ ነይሩ፡ ስለዚ ናይ ዶብ ጉዳይ ከይተፈትሐ ናብ ካልእ ጉዳይ ምኻድ ማሕበሮም ከምዘይትቅበሎ ክኣ ይዛረብ።

መንግስቲ ኤርትራ ንባዕሉ ንነዊሕ ዓመታት፡ ኢትዮጵያ ካብ ልኡላዊ መሬት ከይወጸት ዝኾነ ዘተ ኣይገብርን ክብል ጸኒሑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ ጉዳይ ብምጉሳይ፡ ምምልካት ዶብን ውዕል ኣልጀርስን'ውን ከም ኣርእስቲ ከይተላዓለ ካልእ ውዕላት ይካየድ ምህላዉ ዘተዓዛዝብ ምዃኑ ይዛረብ።

Image copyright DANIEL TEKELAY
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቦ መንበር ማሕበር ሓንቲ ሃገር ኣቶ ዳንኤል ተኽላይ

"ጉዳይ ዶብ እዩ ኣሰሓሒቡ ጸኒሑ እሱ ከይተፈትሐ እዚ ውዕል ሰላም ወሑስ ክኽውን ክኣ ተኽእሎታቱ ጸበብቲ እዮም።"

"እዚ ምስ ተገበረ እዩ ከም ክልተ ሃገራት ኣብ ሞንገአን ናይ ቁጠባ ይኹን ንሓድሕድካ ናይ ምድግጋፍ መስርሓት ክቅጽሉ ዝግብኦም ነይሩ" ይብል ኣቶ ሰለሙን።

ዉዕል ሓደ ምስ 107 ሚልዮን

ኣቦ መንበር ማሕበር ሓንቲ ሃገር ኣቶ ዳንኤል ተኽላይ ብወገኑ፡ "ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ፡ ሰላም ነቲ ኣብ ዶብ ኮይኑ ዕድሚኡ ዘሕልፍ ዘሎ መንእሰይ፡ ሰላም ምምጻእ ኣገዳሲ እዩ፡ በይናይ ኣገባብ ይመጽእ ግን ካልእ ሕቶ እዩ" ይብል።

ብወገን ኢትዮጵያ ነዚ ውዕል ዝፍርም ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ምሉእ ዲሞክራሲ ኣሎ ወላ ኣይንበል፡ ብወከልቲ ህዝቢ ዝተመረጸ መራሒ እዩ። ናብ ኤርትራ ምስ እንመጽእ ግን ብህዝቢ ስለዘይተመረጸ ንህዝቢ ዝውክል መንግስቲ ከምዘየለ ይዛረብ።

"ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ከምታ ናይ መጀምርታ ንውዕል ኣልጀርስ ተቀቢልናዮ ኣለና ዝተብሃለ፡ 'ዶብ ብፍቅሪ ፈሪሱ እዩ፡ ዓሰብ ክንምቀል ኢና' ዝብሉ ሓረጋት እናተጠቐምካ ዘይንጹር ስእሊ ምፍጣር ናብ ካልእ ሓሸውየ ምእታው እዩ" ብምባል ስክፍትኡ ይነግር።

ኣቶ ዳንኤል "እዚ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ንታሪኽ ኤርትራን ክፈታተን ክመጽእ እንከሎ ከመይ ኣቢልና ኢና ምሉእ ሰላም ከምጽእ ይኽእል እዩ ክንብሎ ንኽእል" ብማባል ንሓሳቡ ብሕቶ የቕርብ።

ኣባል ማሕበር ሓንቲ ሃገር ተቐማጢ ዓዲ እንግሊዝ እዮብ ጸጋይ፡

ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እትብሃል ልኡላዊ ዶባት ተኸቢሩ ምስ ዝነብርን፡ ኣብቲ ዶባት ዝነብሩ ህዝብታት ብሰላም ክነብሩ ምስ ጀመሩ ከምኡ'ወን ብህዝቢ ዝተወከለ መራሒ ምስ እትምሓደር ልኡላውነታ ከምዝውሓስ ይዛረብ።

"ኤርትራ ግን ኣብዚ ክልተ ነጥብታት ሃጓፍ ኣለዎ፡ ልኡላዊ ዶባት ከይተሓንጸጸ ብላዕሊ ላዕሊ ምስ ጎሮባብቲ ሃገራት ዝምድናታት ይግበር ኣሎ ብህዝቢ ዝተወከለ መራሒ'ውን የብላን" ይብል።

"እዚ ዶብ እዚ ደም ኣሽሓት ዝተኸፈሎ ከምዘይነበረ ተገይሩ ነዚ ተሰጊሩ ዝግበር ውዕላት ንልኡላውነት ኤርትራ ምግሃስ እዩ ኢና ንብሎ" ድማ ይብል።

እዮብ ጸጋይ፡ ንምስዓብ "ብንጹር ዘይኮነ ከም "ምድማር" ዝብል ናይ ፖሎቲካ ቃላት ንህዝብና ክንጽረሉ ንደልዮ ስለዘለና ሕቶናን መርገጺናን እዚ እዩ" ክኣ ይብል።

ኣቶ ዳንኤል 'ውን ተመሳሳሊ መርገጺ'ዩ ዘለዎ።

"ህዝቢ ኤርትራ፡ ቀደም 'ሕብረት' 'ኣንድነት' እንዳተብሃለ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጉባጥ ኣብ ዝድለየሉ ዝጋዋሕ ዝነበረ ቃላት እዩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ክኣ ሃገራዊ ካርታ ኤርትራ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሓዊስካ፡ ቀይሕ ባሕሪ ናትና እዩ ዝበሉ ሓይልታት ተላዒሎም" ብምባል እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘስግእ ምኳኑ ብምሕባር።

እዛ "ምድማር" ትብል ቃል ነዚ ኣተሓሳስባታት እዚ ተበራብር ከምዘላ ብምሓባር ዘለዎ ስግኣታት የተምብህ።

Image copyright እዮብ ጸጋይ
ናይ ምስሊ መግለጺ እዮብ ጸጋይ

እዮብ ጸጋይ ምስ ናይ ዳንኤል ሓሳብ ብምስምማዕ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ዓመታት ሰላም ዘይረኸበ ዞባ ምኳኑ ይሕብር።

ኣብዚ ዞባ ዝግበር ፖሎቲካዊ መስርሓት ናይ ሃገራት ልኡላውነተን ብዝሓለወ መንገዲ ክኽውን እኳ እንተነበሮ፡ ኣብዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ናይተን ኣብዚ ዞባ እዚ ድልታተን ዘርእያ ዘለዋ ዓበይቲ ሃገራት ናተን ኣገልገልቲ ይኾና ምህላወን ትዕዝብትታት ከምዘለዎ ይነግር።

ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ዝነበረ ኣቀባብላ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ናይ ውዕልል ሰላም ብሰናይ ቀምዝተቀበሎዶ ኣየርእን ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣቶ ሰሎሞን ክምልስ እንከሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ንሰላም ከምዝናፍቃ ድሕሪ ምሕባር፡

"ንሕና'ውን ኣካል እዚ ስለዝኾንና ንሰላም ንናፎቆ ኢና፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኵናት ዓመታት ክንደይ ዝኣክል ነገራት ተኸሲሩ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ፡ ሰላም እንተዝህሉ ክኣ እዚ ኩሉ ኣይምተኸሰረን" ይብል።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ ንኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበረሉ ናይ ድራር እንግዶት "ኣይከሰርናን" ምባሉ "እቲ ክሳራ ንዕኡ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ ንዓና ግን ዓቢ ክሳራ እዩ" ይብል።

እዚ ጻውዒቶምን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝልኣኽዎ መልእኽትን፡ ብሕጂ ብዝመጽእ ነገራት ካልኣይ ግዜ ንኸይንኸስር የቕርብዎ ምህላዎም ክኣ ይነግር።

"ክሳብ ጂ ብዛዕባ ዶብ ኣይተዘራረብና"

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ፡ ብዛዕባ ምሕንጻጽ ዶብ ኣብ ዝተሓተተሉ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ዶብ ከምዘይተዘራረቡ ምሕባሩ፡ "ክንዲ ብዛዕባ ዶባት ብዛዕባ ወደብ እዩ ዛዕባ ተቀይሩ" ይብል ኣቶ ሰሎሞን።

እዮብ ጸጋይ ንሓሳብ ኣቶ ሰሎሞን ንምሩጓድ "ነቲ ንዕስራ ዓመታት ዘሰሓሓባ ጉዳይ ዶብ መዕለቢ ይገበረሉ" ድሕሪ ምባል።

ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ናይ ሰላም ስምምዓት ምስኡ ዝተሓሓዝ ምዕባለታትን ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ክምላእ ዝነበሮ ይዛረብ።

"ናይ ህዝቢ ውክልና ዘለዎ መንግስቲ" ክህሉ ከምዘለዎ እዮብ ጸጋይ ዝዛረብ።

ኣቶ ሰሎሞን ብወገኑ ጸገማት ናይ ኤርትራ ብህዝቢ ዝተመርጸ መሪሕነት ምስ ተተኸለ ከምዝቕረፍ ድሕሪ ምዝራብ

"እዚ ሕጂ ዝግብር ዘሎ ጽባሕ ንግሆ ቅዋማዊ መንግስቲ ምስ ተተኸለ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሑ ውዕላል ናይ ምስራዝ ነገራት ከጋጥም ስለዝኽእል ኢና ሕጂ ስምዕታና ነስምዕ ዘለና።" ይብል።

Image copyright MICHAEL TEWELDE

ዓወት ንሓፋሽ ናብ ስልጣን ንሓፋሽ

ኣቶ ዳንኤል፡ ከምቲ ቀደም ዓወት ንሓፋሽ ዝተብሃለ ሕጂ ክኣ ስልጣን ንሓፋሽ ክብሃል ይጽውዑ ከምዘለዉ ይዛረብ።

"እቲ ቅድሚ ሕጂ ብምኽንያት ኣይኵናት ኣይ ሰላም ክመኻነ ዝጸንሐ ውንዙፍ ነገራት ሕጂኸ እንታይ'ዩ ክምኽነየሉ?" ብምባል ሕቶ የቀምጥ።

ኣቶ ዳንኤል ብምስዓብ ፡"ንኢትዮጵያ ከም ጎሮቤት ሃገር ሰላም ንምነየሎም ኣብ ኤርትራ ሓደ ሓላፊ ስለዘሎ ንሱ ክኣ ድላዩ ስለዝገብር ከም ድኽመት ተሓሲቡ ድላይና ክንገብርን ክንረክብን ንኽእል ኢና ኢልካ ዝግበር ሽርሕታት ኣይክሰርሕን እዩ" ብምባል መልእኽቱ የመሓላልፍ።

ህዝቢ ኤርትራ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ መግዛእቲ ስዒሩ ሓራ ዝወጸ ህዝቢ ምኳኑ ዝገልጽ ኣቶ ሶሎሞን

"ኣብዚ እዋን እዚ ግን ሃገር ኣብ ቀራና እናሃለወት ኣብ ንሓድሕዱ ስኒት ጎዲልዎ ኣሎ ፡ ኣብ ዓድና ለውጢ ክመጽእ እንተኾይኑ ክኣ ኣብ መንጉኡ ፍቅርን ስኒትን ከንግስ ግዚኡ እዩ።" ይብል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከምቲ ብቃሉ ዝብሎ ንሰላም ኣብ ውሽጢ ዓዱን እዚ ዞባን ክሰርሕ እንተኾይኑ መጀምርያ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ብምርጋእ ናብኡ ኣድሂቡ ክስርሕ ከምዘለዎ ይምሕጸን።

"ንሕና ኤርትራውያን ግዜ ረኺብና ንዓና ዝኸውን መራሒ ሓሪና ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ከምጽእ ዝኽእል ክሳብ ንተክል ካብ ምጉያይ ኣብ ዕዪ ገዝኡ ኣድሂቡ እንተዝሰርሕ ምሓሸ" ብምባል ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ መልእኽቱ የማሓላልፍ።

"ዓርኪ ኢሳይያስ ካብ ምኳን ንኻልእ ቀዳምነት ክህብ ይምረጽ" ብምባል መልእኽቱ የመሓላልፍ።

እዮብ ጸጋይ ብወገኑ፡ "ምስ ህዝቢ ኤርትራ ነባሪ ሰላም ዝድለ እንተዳኣ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ወከልቱ ብኣገባብ ክሳብ ዝመርጽ ነቲ ህዝቢ ኣኽቢሮም ክርእይዎ።" ንመንግስትን ንህዝብን ኢትዮጵያ ዘለዎ ለበዋ የመሓላልፍ።