ጳጉሜን -'ጸያቕ ኣዋርሕ'

ኣብ ሩባ ወሪዱ ማይ ጳጉሜን ዝሕጸብ ቆልዓ
መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ሩባ ወሪዱ ማይ ጳጉሜን ዝሕጸብ ቆልዓ

ጳጉሜ[ን] ክለዓል እንከሎ ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ፍሉይ ስምዒት፡ ትርጉምን፡ ዝኽርን ዘለዓዕል ኮይኑ፡ መንፈሳዊ ትርጉምን ባህላዊ ልምድን ዝሓቖፈ'ዩ። ኣብ ገለ ኸባብታት ድማ ቋቚመን እናተብሃለ'ውን ይጽዋዕ።

እዚ እዋን'ዚ ኣብቶም ጳጉሜን ዝበዓለሎም ከበቢታት ትስፍዉ እዋን እውን'ዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ብ'ገልገለ-መስቀል' (ዕምባባታት መሮር) ዝተሸፈነ ገጽ ምድሪ ዝፈጥሮ ባህታ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ብምጽንቃቕ ትሕዝቶ ዝፍለጥ ወቕቲ ሓሊፉ፡ ኣእካል ክስውተሉ ዝጅምረሉ ወቕቲ ብምቕራቡ'ውን እዩ።

ስለዚ ድማ ንገሌና ዲም-ዲም ዝብል ከበሮን ጣዕመ ዜማታት ጎርዞታት ከዘኻኽረና እንከሎ፡ ንጌሌና ናብ ቅኔን ቅዳሴን ቤተ ክርስትያን ዝወስደና ክኸውን ይኽእል'ዩ። ንገለ ድማ ናብ ጽባቐን ምስልን ናይቲ ዝዓቤናሉ ዓዲን ከባብን ይመልሰና ይኸውን።

ወላኳ ሓደ ሰሙን ዘይመልእ እንተኾነ ጳጉሜን-ብሓደ ወገን ርእሱ ዝኸኣለ ወቕቲ እዩ፡ በቲ ካልእ ድማ መሳልልን (መሰጋገሪ) ዘመን ከም ዝኾነ'ዩ ዝውሰድ- ብፍላይ ኣብ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን።

ንሎሚ ንታሪኻዊ ትርጉም፡ ዝጽንበለሉ ኣገባብን ኣመጻጽኣ ጳጉሜን ኣሕጽር ኣቢልና ክንርኢ ክንፍትን ኢና።

ማይ ጳጉ[ን]- 'ማይ ጸሎት'

ሓደ ካብቲ ንመዓልታት ወቕቲ ጳጉሜ ፍሉያት ዝገብሮም እቲ ምድሪ ቅድሚ ምውግሑ ጎራዙን ኮተቴን ዓዲ ናብ ሩባ ብምኻድ 'ማይ ጳጉሜ' ዝሕጸቡ ምዃኖም'ዩ።

ኣብ ወጋሕቲ-ብፍላይ ኣብ ከበሳታት ሓያል ዛሕሊ'ዩ ዘሎ፡ ተሓጸብቲ ጳጉሜ ግን ድምብርጽ ከይበሎም ናብቲ ከትከት ዝብለ ማይ ሩባ ብምእላኽ ሰለስተ ጊዜ ጢሒሎም ይወጹ ወይ'ውን ጨንጒዖም ይሕጸቡ- ከከም ኩነታቱ።

መግለጺ ስእሊ,

ኣዋልድ ኣሸንዳ 2018 (2010) ኣብ ትግራይ

ኣወዳትን ኣዋልድን ከምቲ ልሙድ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ናይቲ ዝወርድዎ ሩባ'ዮም ዝሕጸቡ- ጸልማት ስለዝኸውን'ውን ንኸውሊ ምቹእ'ዩ።

ትርጉም ምሕጻብ 'ማይ ጳጉሜ' ካብ ሃማኖታዊ እምነት ዝነቅል ኮይኑ፡ ኣብ ቅንያት ጳጉሜ ኣምላኽ ንማያት ብፍሉይ ስለዝባርኾም ናብኦም ወሪድካ ብምሕጻብ ካብ ሕማማት ክትፍወስ ትኽእል ኢኻ ዝብል እምነት ከም ዘሎ'ውን ገለ ዓበይቲ ይዛረቡ'ዮም።

ልዕሊ ኩሉ ድማ ጳጉሜ ሓጥኣትካ ሓጺቡ ኣብቲ ሓድሽ ዓመት (ናይ ግእዝ/ኢትዮጵያ) "ሓድሽ ሰብ" ኮንኳ ክትወጽእ ዝገብር'ዩ ተባሂሉ'ዩ ዝእመን።

ስለዚ ማይ ጳጉሜ ከም 'ማይ ጸሎት' ዘገልግል ብምዃኑ'ዩ ሰባት እቲ ሩባ ጌና ከይተራኸሰ እንከሎ ከይዶም ክሕጸቡ ዝግስግሱ።

ኣቦይ ሃብተማርያም ልዕሊ 80 ዓመት 'ዝዕድሚኦም ኮይኖም፡ ብዛዕባ ኮተቴ እንከለዉ ዝተሳተፍዎ ስነስርዓት ጳጉሜ ክዝክሩ እንከለዉ፡ "ኣዋልድን መርዑትን'የን ዝሕጸባ" ብምባል ብዛዕባ ተመክሮኡን ዝኽርታቱን ንቢቢሲ ትግርኛ ኣካፊሉ።

"እንተኾነ ግን እቶም ዓበይቲ'ውን ነቲ ማይ ከም ጸበል ስለዝርእይዎን ዘኽብርዎን፡ ገሊኦም ይነጽግዎ፡ ገሊኦም ድማ እግሮምን ገጾምን ይሕጸብሉ" ይብል።

ንሶም ከም ዝዝክርዎ፡ ማይ ጳጉሜ መጀመርታ ካህን ከም ዝባርኾ ይጠቅሱ። ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝግበር ምዃኑ'ውን ይንገር'ዩ።

ጳጉሜ፡ እቲ ብጥሚቕ ዝናብን ውሕጅን ዝፍለጥ 'ማይ ነሓሰ' ምስ ሓለፈ፡ ማያትን ሩባታትን ህድእ ዝብልሉ እዋን ምዃኑ'ውን ነቲ ብሰንኪ ማይ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋታት ከም ዘጉድሎ ብዛዕባ'ቲ ባህሊ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት ይዛረቡ።

'ዲም-ዲም...ተሓጺብክን ዶ ማይ ጳጉ'

እቲ ካልእ ንጳጉሜ ድሙቕን ካብ ዝኽሪ ዘይሃስስ ዝገብሮ ድማ እቲ ባህላዊ ገጹ'ዩ። ብፍላይ ኣብ ገጠራት ኤርትራን ትግራይን ድምጺ ከበሮ ጋሕጋሕ ምድሪ ዝስማዓሉ ወቕቲ'ዩ።

ጎራዙ ዓዲ፡ ናብቲ ዝሕጸባሉ ሩባ ክወርዳ እንከለዋን ክምለሳ እንከለዋን ዝደርፍኦ ደርፍታት ዝተፈላለየ'ዩ።

ኣዋልድ ማይ ጳጉሜ መብዛሕትኡ እዋን ብሓደ ኣብ እንዳ መርዓት ተኣኪበን ድሕሪ ምሕዳር፡ ኣብ ወጋሕታ ተኣኻኺበን ናብ ሩባ ዓደን ከምራሓ እንከለዋ፡ ከምዚ ክብላ እናተቐባበላ የዚማ፡

መግለጺ ስእሊ,

ማይ ጳጉሜን ዝሕጸቡ ቆልዑ

ኣደይ ኣብርሃለይ፡ ክወርዶ ማይ

ይብርሃልኪ ጓለይ፡ ረድዮ ማየ

እምኒ ዘይብሉ ዝኣረኽዎ

ክርዳድ ዘይብሉ ዝመመኽዎ

ኣደይ ኣብርሃለይ ክወርዶ ማየ

ክምለሳ እንከለዋ ኸኣ፡

'ጳጉሜየ ማይ ጳጉሜ ትሕጸባ'ዶ ማይ ጳጉሜ' እናበላን ከበሮአን እናደሰቓን ናብ ቤተን ተመሊሰን ናብ ንቡር መዓልታዊ ንጥፈታተን ይኣትዋ።

እቲ ስነስርዓት ልክዕ ከምቲ ናይ 'ኣሸንዳ' ደቂ ኣንስትዮ ተዛማዲ ናጽነት ዝረኽባሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ይዝክራ።

ወይዘሮ ሂወት ተኽለ ኣብ ኤርትራ ክዓብያን እንከለዋ ብዛዕባ ጳጉሜ ዘለወን ዝኽሪ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣካፊለናና ኣለዋ።

"እቲ ንዓይ ዝዝከረንን ኣብ ሙሉእ ሂወተይ ዘይርስዖን ኣዝዩ ባህ ዝብለንን ዝነበረ እቲ'ኳ ካብ ወለድና ሙሉእ ናጽነት ረኺብና ምስ መዛኑናን ጎረባብትናን ብምዃን እልም ዝኸረምናዮ ደርፈታት እናተላሃና፡ ነቲ ዘይቕየር 'ትሕጸባ'ዶ ማይ ጳጉሜን ጥዕና'ለዎ፡ ንሕጸብ'ወ ማይ ጳጉሜን ጥዕና'ለዎ' ዝብሉን ካልኦትን ባህላዊ ደርፍታትን እናኣዜምና፡ ቁሪ ከይዓጀበና ሩባ ብምውራድ" ይሕጸባ ከም ዝነበራ የዘንተዋ።

ገለ ካብቲ ወይዘሮ ሂወት ብዋዛ ትዝ ዝብለን መስሓቓት ክዝክራ እንከለዋ ድማ ከምዚ ይብላ፡ "ክዳውንትና ምስ ኣውጻእና ኣጓብዝ ደቂ ተባዕትዮ ክዳውንትና ብምስራቕ ከሕፍሩናን ተሓቢኦም ብምርኣይ መስሓቕ ክገብሩናን እንከለው ንግዚኡ ንሓርቕን ንቑጣዕን ሕጂ ከሓስቦ እንከለኹ ግና ድሒሩ ሓቢርና ብምጽዋት ንእስነት ነስተማቕርን ንትሓላለን እምበር ቅርንሕቲ ይኹን ቂም ዝበሃል ነገር ኣይነበረናን"።

ኣቦይ ሃበተማርያ'ውን መንእሰያት ነቲ 'ተግባር' ይውዕልዎ ከም ዝነበሩ'ዩ ዝገልጽ፡ እንተኾነ ግን "እተን ደቂ ኣንስትዮ ሽዑ ንሽዑ ግጥምን ደርፍን ድርስ ኣቢለን ጸርፊ ኣውጺአን ይድህላና ነይረን" ይብል።

ኣብኡ'ውን ሕጽይቲ ንምምራጽ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝሸባሸቡሉ መስቀል ንምስግጋር ዘኽእሎም ኣጋጣሚ'ውን ብምዃኑ ዘለወን ጽባቐ ንምንጽብራቕ ጽቡቕ ኣጋጣሚ'ዩ ኔሩ።

"ዘይምለስ ጥዑም እዋን'ዩ ኔሩ፡ ኣበይ'ሞ ሎሚ ኩሉ ትሪፉ "ይብላ ወይዘሮ ሂወት ተኽለ ኣብ ዓᎁቕ ዝኽሪ ኣትየን።

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ሩባ ወሪዶም ማይ ጳጉሜን ዝሕጸቡ ቆልዑ

ቅንያት ጳጉሜ ብዘይካ'ቲ ኣብ ወጋሕታ ዝስማዕ ዲምታ ከበሮታት፡ ንኣሽቱ ኣዋልድ 'ዝውድሳሉ' ሰሙን ድማ'ዩ። ንሳተን ኣብ መዓልቲ ቅዱስ የውሃንስ ትሕዝቶታተን ኣዋጺአን ብሓባር'የን ዝውዕላ።

ነቲ ዘድልየን ወጻኢታት ንምእካብ ድማ ኣብቲ ቅንያት ነቶም ዓበይትን ከወፍዩ ይኽእሉ'ዮም ዝበላኦም ሰባት 'ይውድሳ'- ንመስቀለን።

ኣመጻጽኣ 'ጳጉሜ'-'ጸያቒ ኣዋርሕ'

ብኣቆጻጽራ ግእዝ (ኢትዮጵያ) ሓደ ዓመት 12 ብ30 መዓልታት ዝቖማ ኣዋርሕ ኣለዋ። እተን ዝተረፋ መዓልታት ድማ'የን ጳጉሜ ተባሂለን ዝጽዋዓ።

ቁጽሪ መዓልታት ድማ ብብዓመቱ ይፈላለየ'ዩ። ኣብ "ዘመነ ዮሃንስ" 6 መዓልታት ክኾና እንከለዋ ኣብ "ዘመነ ሉቃስ" ድማ 5 ከም ዝኾና ኣቶ ሃብተማርያም ኣብራሃ ይዛረቡ።

እዘን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዝጅምራን ቅድሚ ናይ ግእዝ (ኢትዮጵያ) ሓደሽ ዓመት ምጅማሩ ዘለዋ መዓልታት "ጸያቒ ኣዋርሕ" ተባሂለን ዝጽወዓሉ እዋናት ኣሎ።

እተን መዓልታት ካብቲ ዓውደ-ኣዋርሕ (ካላንደር) ምውጸአን ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ኣቆጻጽራ ኣውሮጳን ግእዝን ዘሎ ፍልልይ እውን'ዩ።

ኣመጻጽኣ ናይቲ 'ጳጉሜ' ዝብል ቃል ድማ ካብቲ 'ኤጳጎመን' (epagomene) ዝብል ናይ ግሪኽ ቋንቋ ዝተወስደ ኾይኑ፡ 'ተወሳኺ' ዝብል ትርጉም ዘለዎ'ዩ።

መግለጺ ስእሊ,

በዓል ቅዱስ የውሃንስ ብሕሩድን መስተን'ዩ ዝበዓል

ኣብ ኣቆጻጽራ ጥንታዊት ግብጺ ሓደ ዓመት ብ12 ናይ 30 መዓልታት ኣዋርሕ ዝቖመ ኮይኑ ንሓደ 'ኣስትሮኖሚካዊ ዓመት' ሓሙሽተ መዓልታት ይጎድሎ ነይሩ።

ነዚ ንምክሕሓስ ድማ 'ኤጳጎሜናል' ተባሂለን ዝስመያ 5 መዓልታት ከም ዝነበራ ታሪኽ የዘንቱ።

ብመሰረት ብሂል ጥንታዊት ግብጺ፡ ሓንቲ ዝተረግመት ግብጻዊት ኣምላኽ ኣብተን 360 መዓልታት ክትወልድ ስለዘይካኣለት፡ 'ቶት' ዝተባህለ ግብጻዊ ናይ ፍልጠት ኣምላኽ ነተን ሓሙሽተ መዓልታት ምስ ወሰኸ፡ እታ መኻን ኣምላኽ 5 ኣማልኽቲ ወሊዳ ይበሃል።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝጽምበሉ መዓልታት ጳጉሜ፡ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም ዝጸሓፍን ዝስመን'ውን ይፍለጥ።

ጳጒመ፡ ጳጉመ፡ ጳጉሜ፡ ጳግሜ፡ ቋግሜ፡ ጓቕመ ዝብሉ ቃላትን ኣባሃህላታትን ተጻሒፎም ምርካብ ድማ ልሙድ'ዩ።