ቤት ፍርዲ ንሕቶ መሰል ዋሕስ፡ ፕረዚደንት ነበር ክልል ሶማሌ ዓብዲ ሞሓመድ ዑመር ነፂጉ

ፕረዚደንት-ነበር ክልል ሶማል ኣብዲ ሞሓሙድ ኦማር

ፕረዚደንት ነበር ክልል ሶማል ዓብዲ መሓመድ ዑመርን ካልኦት ተጠርጠርትን፡ መሰል ዋሕስ ይተሓለወልና ክብሉ ንዘቕረብዎ ሕቶ ቤት ፍርዲ ነፂጉዎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል፡ ሎሚ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ፡ ኣይተ ዓብዲ መሓመድ ዑመርን ካልኦት ሰለስተ ተጠርጠርትን ንዘቕረብዎ ሕቶ ዋሕስ ኣይተቐበሎን።

ፖሊስ ተወሳኺ ምፅራይ ንምግባር ዝሓተቶ 14 መዓልቲ፡ በቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተፈቒድሉ።

እቶም ተጠርጠርቲ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ኩነታት ክመሓየሸሎም፡ ዝሓሸ ምግብን ሕክምናን ክቐርበሎምን እቲ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ክህበሎም 'ውን ሓቲቶም ነይሮም።

ፖሊስ ብወገኑ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝቐርብ ንቡር መግቢ የቕርበሎም ከምዘሎን፡ እቶም ተጠርጠርቲ ተዘይፈትዮምዎ፡ ስድርኦም ካብ ደገ መግቢ ከቕርቡሎም ይኽእሉ'ዮም ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ሶማል ዝነበሩ ኣይተ ፈርሃን ጣሂር 'ውን ሎሚ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም'ዮም።

እቶም ኮሚሽነር ነበር፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ 'ዮም ኣብ ጅግጅጋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት