ብራዚል፡ 200 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ቤተመዘክር ብባርዕ ኣዕንዩ

መጥፋእቲ ሓዊ ንባርዕ ሃገራዊ ቤተመዘክር ብራዚል እንምጣፋእ እናተረባረቡ 2 መስከረም 2018 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሃገራዊ ቤተመዘክር ብራዚል ኣሽሓት ሰነዳት በራዚልን ካልኦት ሃገራትን ዓቂቡ ዝነበረ ቤተመዘክር እዩ።

ኣብ ሪዮ ዲጃኔሮ ዝርክብ ዝገደመ ሃገራዊ ሳይንሳዊ ቤተመዘክር ብብርቱዕ ባርዕ ተጠቒዑ።

ኣጥፋእቲ ሓዊ፡ ነቲ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰነዳት ዓቂቡ ዝነበረ ቤተመዘክር ካብ ባርዕ ንምድሓን ኣብ ምርብራብ ይርከቡ።

እዚ ባርዕ ኣብ ሰንበት ናይ ምሸት ዝጀመረ ኮይኑ፡ ናብ ምሉእ እቲ ህንጻ ክልሕም ግዜ ኣይወሰደን፡ ዛጊት ኣብ ልዕሊ ሰብ ጉድኣት ምውራዱ ዝተሓበረ ነገር የለን።

እዚ ኣብ ሓደ እዋን ብንጉሳዊ ቤተሰብ ፖርቱጓል ከም መንበሪ ዘገልግል ዝነበረ ገዛ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት መበል 200 ዓመቱ ተኸቢርሉ ነይሩ እዩ።

በዚ ባርዕ ዝወረደ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ዋላ ኣይሃሉ፡ ኣውሪድዎ ዘሎ ዕንወት ቀሊል ዘይምዃኑ እዩ ዝግመት።

እዚ ቤተመዘክር፡ ተምሳሌት ናይ ሪዮ ዲጃኔሮን ናይ ብራዚል'ውን እዩ እናተብሃለ'ዩ ዝግለጽ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ስራሕተኛታት እዚ ቤተመዘክር ውሽጣዉ ክፋል እዚ ቤተመዘክር ምሉእ እምሉእ ከምዝዓነወ 'ዮም ዝዛረቡ

ሪዮ ዲጃኔሮ ብቐጻሊ ብዝካየድ ናዕብታት ኣብ ቅልውላው ትርከብ፡ ክቱር ቁጠባውን ፖሎቲካውን ውድቀታት ንዝነበራ ምስሊ ደቢኖሞ ይርከቡ።

ሪዮ ዲጃኔሮ ኣብ 2016 ኦሎምፒክ ዘአንገደት ከተማ ብራዚል ኮይና፡ መንግስቲ ብራዚል ብብልዮናት ዝግመት ዶላራት ወፍሪ ከምዝገበረላ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ባርዕ ኣመልኪቱ፡ ፕረዚደንት ብራዚል ሚቸል ተመር "ንኹሎም ብራዚላውያን ዘሕዘነት ምዓልቲ፡ 200 ዓመታት ዝወሰደ መጽናዕትን ፍልጠትን ዓንዩ" ክብል ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ብራዚል ሚቸል ተመር ብምስዓብ "ክብርታት ታሪኽና በዚ ባርዕ እዚ ዝልካዕ ኣይኮነን" ኢሉ።

ዳይረክተር እዚ ቤተመዘክር፡ ምስ ናይ ብራዚል ተለቪዥን ግሎቦ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት "ባህላዊ ትራጀዲ" ክብል ገሊጽዎ።

ኣባል ቤተመጻሕፍቲ እዚ ቤተመዘክር ዝኾነ ኢዲሶን ቫርጋስ ዳ ሲልቫ: ምድሪቤት እዚ ቤተመዘክር ብዕንጨይቲ ዝተረበበ ስለዝኾነ ነቲ ባርዕ ከምዘጋደዶ ብምሕባር፡ ናይ ወረቐት ሰነዳት ብብዝሒ ከምዝተቓጸሉ ሓቢሩ።

እዚ ቤተመዘክር፡ ኣዕጽምቲ ዳይኖሰራትን ቅድሚ 12,000 ዓመታት ዝተረኸበ ኣብ ኣመሪካ ዝጠንተወ ኣስከሬን ወዲ ሰብን ዓቂቡ ከምዝነረ ይፍለጥ።

እዚ ቤተመዘክር እዚ ኣብ 1818 ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ሳይንሳዊ ርኽበታት ንምዕቃብን ንክኢላታት ተበፃሒ ንምግባርን ብምዕላም ዝተኸፈተ እዩ።