ኣብ ሊብያ ብኣማኢት ዝቑፀሩ እሱራት ሃዲሞም

ጎንፂ ሊብያ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ተነሓናሕቲ ዕጡቓት ውግእ ኣብ ዝገብርሉ እዋን፡ ሰላማውያን ሰባት ተሃስዮም

ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ተነሓናሕቲ ዕጡቓት ውግእ ገጢሞም እንከለዉ፡ ኣስታት 400 ዝኾኑ እሱራት ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ 'ኣይን ዛራ' ሃዲሞም።

"እቶም እሱራት፡ ኣገዲዶም ማዕፆ ክኽፈተሎም'ዮም ገይሮም" ኢሉ ፖሊስ ናይቲ ኸባቢ።

ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ንህይወቶም ስለዝፈርሑ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ምእሰርቲ ንዝተልዓለ ዓመፅ ደው ከብልዎ ኣይከኣሉን ነይሮም'ውን ተባሂሉ።

ኣብታ ከተማ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ፡ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ክእውጅ ኣገዲድዎ እዩ።

እዚ ብሰንበት ዘጋጠመ ፍፃመ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መንጎ ዝነበሩ ተነሓናሕቲ ሓይልታት ጎንፂ ምልዓሉ ስዒቡ ዘጋጠመ እዩ።

መንገዲ ስደት ብሊብያ

መብዛሕተኦም ኣብ 'ኣይን ዛራ' ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ እሱራት፡ ደገፍቲ መራሒ ሃገረ ሊብያ ነበር፡ ሙዓመር ጋዳፊ ከምዝኾኑ ይግለፅ። ኣብ 2011 ኣንፃር ጋዳፊ ኣብ ዝነበረ ዓመፅ ንተቓወምቲ ብምቕታሎም ዝተፈርዶም ድማ እዮም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ዝርከብ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ዘዕቖብሉ መዓስከር ብተወንጫፊ ድሕሪ ምውቅዑ፡ ክልተ ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ብዙሓት ድማ ቆሲሎም።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሊብያ ከምዝብሎ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትሪፖሊ ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ዕጡቓት ብዘጋጠመ ጎንፂ፡ ሰላማውያን ሰባት ሓዊሱ 47 ሰባት ሞይቶም።

Image copyright Reuters

እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ፡ ንሽሙ'ኳ ኣብ ዋና ከተማ እታ ሃገር ስልጣን እንተሃለዎ፡ ዕጡቓት ግን ንኣብዝሓ ክፋላት እታ ሃገር ተቖፃፂሮሞ ይርከቡ።

ጎንፂ ንምንታይ ተልዒሉ?

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ትሪፖሊ ንደቡብ ገፅ ካብ እትርከብ ከተማ ዝተበገሱ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ከባብታት መጥቃዕቲ ምስፈፀሙ፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ መንግስቲ ምስ ዝድግፉ ዕጡቓት ጎንፂ ተላዒሉ።

እቲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ መንግስቲ፡ ነቲ ጎንፂ "ሰላማዊ ናይ ፖለቲካ ስግግር ንምትዕንቓፍ ዝግበር ፈተነ እዩ" ክብል ገሊፅዎ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ 'ሂዩማን ራይትስ ዎች' እውን፡ ህፃናት ዝርከብዎም 18 ሰላማውያን ሰባት ምሟቶም ብምጥቃስ ነቲ ጎንፂ ኮኒነዎ።

ብኣማኢት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ናብ ካልኦት ቤት ማእሰርትታት ክዛወሩ ዝተገበረ እንትኾን፡ ናይታ ከተማ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ንኽልተ መዓልቲ ተዓፅዩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2011፡ ብኔቶ ዝድገፉ ዕጡቓት ንኮለኔል ሙዓመር ጋዳፊ ካብዘውድቅዎ ጀሚሩ፡ ሊብያ ኣብ ቀፃሊ ቅልውላው እያ ትርከብ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት