ኣብ ሽዱሽተ ኣህጉራትን ልዕሊ 100 ሃገራትን ዝበጽሐት ኢትዮጵያዊት

መስከረም ምስ ውላድ ኣንበሳ ዝተሳእለቶ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Maskarm Haile

"ኩሉ እዋን ዘኾነ ኣብ ውሽጠይ ዝመላለስ ዘህርፍ፡ ዘሕጉስ፡ ዘፍርሕ፡ ዘህድእን ዘበረታትዕን ድምጺ ነሩ።

ነዚ ናይ ቀትሪ ሕልመይ ተግባራዊ ኮይኑ ንኽርእዮ ድማ ኣዝየ እሃርፍን ምስ ነብሰይ ወትሩ'የ ዝማጎት ነይረ̀" ትብል መስከረም ሃይለ፡ ምልስ ኢላ ንእዋን ንእስነታ ክትዝክር እንከላ።

ሕልማ ንኻልእ ክኸበዶን ንኽርድኦ ኣጸጋሚ ኮይኑ ስለዝተሰምዓን ናይ ውልቂ ምስጢራ'ዩ ነይሩ።

"ቆልዓ ሓሙሽተ ወይ ሹድሽተ ኣቢለ'የ ኔረ። ኣብቲ እዋን ምንኣሰይ ሓፍተይ ሕልመይ ካብ ዕድመይን መነባብሮይን ዝዓቢ ምኻኑ ትፈለጥ'ኳ እንተነበረት፤ ኣነ ግን ነዚ ሸለል ኢለ ብሕቡእ እሓስበሉ ኔረ" ትብል።

እናጎበዘት ምስ መጸት ግን ኣብ ተግባር ንምውዓሉ ክትሰርሓሉ ጀሚራ። ምምሃር፤ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ብምርኻብ ድማ ዓለም ናይ ምዛር ድልየታ እናበርትዐ መጺኡ።

ብዘይካ ኣንታርቲካ፤ ኩለን ኣህጉራት ዓለም ብጺሓተን'ያ። ንአፍሪካ፣ አውሮፓ፣ ኤስያ፣ አውስትራሊያ፣ ሰሜንን ደቡብን አሜሪካ ሓዊስካ ልዕሊ ሚእቲ ሃገራት ዓለም ናይ ምርኣይ ዕድል ረኺባ'ያ። እዚ ኩሉ ጉዕዞ ብኣጋር፣ ገመል፤ አውቶቡስ፤ ባቡር፤ ብመርከብን አውሮፕላን'ያ ኣካይዳቶ፡፡

ኣብ ጉዕዞኣ፤ ዓቐበት ደይባ፤ ቁልቁለት ወሪዳ፤ ዱርን ባሕርን ክትጥሕስ ምስ ናይ በረኻ እንስሳታት ተራኺባ። ዝተፈላለየ ባህሊ ምስ ዘለዎም ብሔረሰባት ናይ ምልላይን ሕውነት ምጥራይ ዕድልን ረኺባ'ያ።

ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ኣዲስ ኣበባ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዓሰርተ ዝተፈላለያ ሃገራት ተቐሚጣን ሰሪሓን'ያ። ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ነባሪት ካናዳ -ሞንትሪያል ኮይና'ላ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Maskram Haile

ንታሪኽ ሂወታን ተሞክሮ ጉዑዞኣን እተንጸባርቕ ኣቢሲኒያ ኖማድ ዝተባህለት መጽሓፍ'ውን ኣሐቲማ'ያ።

ውጥን ጉ

ቦኽሪ ገዛ ዝኾነት መስከረም እምብኣር፤ ዓለም ናይ መዛር ሕልማ ኣብ ንእስነታ ከባቢኣ ብምብጻሕ'ያ ፈሊማቶ። ፍቕሪ ምንባብ መጽሓፍን ባህሪ ስራሕ ናይ ኣዲኣን ድማ ኣርሒቓ ከተስተውዕልን ከባቢኣ ክትዕዘብ ከምዘኽኣላ ትገልጽ።

ስለዚ ቤተሰባዊ ምትሕልላይ ዝዓብለሎ ኣተዓባብያኣ ሕልማ ንምትግባር ዓቢ ግደ ኔርዎ። ብትምህርቲ ንህንዲ ኣብዝኸደትሉ እዋን'ውን፤ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ ምብጻሕ ዕድል ኣጋጢምዋ።

"ናይ ቁልዕነት ሕልመይ ንምትርጓም ካብ ዝነበረኒ ክቱር ድልየት ኣበርቲዐ ሰሪሔሉን'ምበር ብሓደ መዓልቲ ዝመጸ ነገር ኣይኮነን።"

ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠራት ኢትዮጵያ ብዝገበርቶ ዑደት፤ ደቂ ኣንስትዮ ብዘለወን ሓላፍነት ገዛን ቤተሰብን ናይ ትምህርቲ ዕድለን ኣዝዩ ውሱን ምኻኑ ብምዕዛባ፤ ንምርዳእን ንምሕጋዘን ተተሓሓዘቶ።

ምንጪ ስእሊ, Maskarm Haile

"ናይ ጉዕዞ ተመክሮይ ንደቂ-ኣንስትዮ ናይ ምሕጋዝ ድልየተይ'ውን ከም ዝዓቢ ጌርዎ። ከም ናተይ ሕልመን ዘተግብራሉ መንገዲ ካብ ምሕጋዝ ድሕር ኣይብልን'የ" ትብል።

ዝሓለፈቶም ግድላት

ኣዲኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ተቆጺራ ኣብ እትሰርሓሉ ዝነበረት እዋን፤ ናይ ጓላ ጉዕዞ ዝሓዙ ኣሳእል ብኹርዓት ትጥቅዖምን ንመሳርሕታ ተርእን ኔራ። "ድሓር ኣብ ከባቢ ዕስራ ዓመታተይ ኩርዓታ ዛሕቲሉ ብስእልታተይ ምሕጓስ ኣቋሪጻ" ትብል መስከረም። ምኽንያቱ መሳርሕታን መሓዙታን ናይ ደቆምን ደቂ ደቆምን ኣሳእል ክቕይሩ እንከለው ናታ ግን ሓደ ዓይነት ጉዕዞ ሂወተይ ጥራሕ ዘንጸባርቑ ብምንባሮም። እዚ ዘይምሕጓስ ግን ኣብ ኣዲኣ ጥራሕ ኣይነበረን፤ ዓባያ'ውን መዓልታዊ ሕቶአን ምንባሩ'ዩ የዕሊላትና።

"ኣየ ናትኪ ነገር" ዝብል ቃል መዓልታዊ ዕላሎም ኔሩ። ተመርዕያ፡ ወሊዳ ከቢዳ ክርእይዋ ሕልሚ ቤተሰባ'ዩ ኔሩ። እዚ ኸአ ዓቢ ጸገም ኮይኑዋ ኔሩ።

"ብዙሓት ንመርዓ ዝሓቱኒ ኔሮም'ዮም፤ ቤተሰበይ ግን ዝሰኣንኩ'ዩ ዝመስሎም ኔሩ።"

ንሳ ግን እዚ ከየተዓናቀፋ ምምርማር ዓለም ተተሓሓዘቶ። እዚ ከኣ ፍሉይ ባህታ ይፈጥረላን የሐጉሳን።"

ኮይኑ ግን ኩሉ ጉዕዞአ ቀሊል ዘይምንባሩ'ያ ትዛረብ። ብፍላይ ከአ ካብ ኬፕታውን ክሳብ ካይሮ ዝገበረቶ ዑደት ዘይትርስዖን ከቢድን ምንባሩ'ያ ትዝክር። ምኽንያቱ ኣብ ዑደታ ናይ ኣዲኣ ሕማም ጡብ መንሽሮ ዝሰምዓትሉ እዋን ብምንባሩ ዓቢ መሰናኽልን ጭንቀትን ፈጢሩላ ብምንባሩ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Maskarm Haile

"ሕማም ኣደይ ኣብዘይሓሰብክዎ ሰዓትን ጊዜን ብምምጽኡ ንዓኣ ምስኣነይ ክሓስቦ እንከለኹ ዓቢ ጸገም ኣብ ልዕሊ ምፍጣሩ ነቲ ናይ ቁልዕነት ሕልመይ ተጻብኦ ኮይኑኒ። ኣብ ልዕሊ ዘለዎስ ተወሰኮ ኮነኒ" ብምባል'ያ ትዝክሮ።

ልዕሊ ኩሉ ግና ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጉዕዞ ልሙድ ብዘይምኻኑ፤ ጌጋ ትርጉም ስለዝወሃቦ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑዋ ኔሩ። ስለዚኾነ ከኣ ብዛዕባ ጉዕዞ ደቂ-ኣንስትዮ ዘንጸባርቅ ሓደ ጽሑፍ ከምዘየሎ'ያ ተተንብህ። ኣብ ዝሓለፈትሉ ዶብ ኣፍሪቃዊት ጓል-ኣንስተይቲ ተጓዓዚት ብምዃና ንዝቐርቡላ ሕቶታት ምምላስ ከምዝሰልቸዋ ትዛረብ።

ጉዑዞ ናብ ሶማል

ናብ ሶማል ኣብ ዝተጓዕዘትሉ እዋን፤ ኩሎም ተጓዓዝቲ ክፍተሹ ካብ ኣውቶቡስ ወረዱ። ሓደ ሰብ ናብኣ ቀሪቡ ታሴራ ሓተታ። ንዝሃበቶ ታሴራ ኣገላቢጡ ብምርኣይ፤ ናይ ዝተጓዕዘትሎም ሃገራት ቪዛታት ጥርጣረ ስለዝፈጠረሉ ብቐሊሉ ክፍንዋ ኣይደለየን።

ዋላ እኳ ኢትዮጵያዊት ምዃና ከተብርሃሉ እንተፈተነት ክኣምና ብዘይምኽኣሉ ሰላይት ተባሂላ ብምድንጓያ ኣውቶቡሳ ዳርጋ ክትገድፋ ቁሩብ ተረፋ። ኣቑሑታ እናኣውረዱ ምፍታሽ ጀመሩ፤ ገለ ነገር ብዘይምርካቦም ከአ ድሕሪ ብዙሕ ከልበትበት ከምዝተፈትሐት ዘይትርስዖ እዋን'ዩ ኔሩ።

ዝዓበየ ጸገም ከአ ድኻም'ዩ።

ሓደ ሓደ እዋን መግቢ ይኹን ማይ ዘይርከቦ ቦታታት ኣሎ። ከምኡ'ውን ጉዕዞ ዓቐብን ቁልቁል ድማ ዓቢ ፈተና'ዩ ንመስከረም። ናይ እትኸዶም ዓድታት ባህልን ልምድን'ውን ዓቢ መሰናኽል ምኻኑ'ያ ተዕልለሉ።

"ካብ ኣከዳድና ኣትሒዙ ክሳብ ኣመጋግባ እንተዘይፈሊጥካ'ዩ ዓቢ ብድሆ'ዩ። ይኹን እምበር ንዓይ ግን ጉዕዞይ ብዙሕ ስለዝመሃረኒ ሃብታም ተሞክሮ'ዩ ኣስኒቑኒ" ትብል።

ኣስዒባ "ወትሩ ግን፤ ጸገማተይ ብኸመይ እፈትሖምን ኣብ ዝደለኽዎ ብኸመይ እበጽሕን ብምሕሳብ'የ ጉዕዞይ ዝቕጽል" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Maskarm Haile

ምስ ኣዲኣ ዝነበራ ቅርበት ኣዝዩ ስጡም ብምንባሩ፤ ብሰንኪ ጡብ መንሽሮ ደጋፊታ ብምስኣና ሓዘና መዘና ከምዘይብሉ የዕሊላ ተፈልያትና።