ቦትስዋና፡ ኣብ ጥቓ መዕቆቢ እንስሳታት ዘገዳም ዓሰርተታት ሓራምዝ ተቐቲሎም

ዉሉድ ሓርማዝ ደቂሶም እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Elephants Without Borders

መግለጺ ስእሊ,

ብጓሓላሉ ዝዘኽተሙ ናኣሽቱ ሓራምዝ ኣብ መዕቆቢ እንስሳ ዘጋዳም ይእለዩ ኣለዉ

ኣስታት 90 ሬሳታት ሓርማዝ ኣብ ጥቓ ሓደ ናይ ቦትሳዋና መዕቆብ እንስሳ ዘገዳም ከም ዝረኸቡ ተሓለቕቲ ምዕቃብ ሓራምዝ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ቦትስዋና ናይ ኣየር ዳስሳስ ዘካይድ ዘሎ 'ዶብ ኣልቦ ሓራምዝ' (ኤለፋንትስ ዊዝኣውት ቦርደርስ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ምዕቃብ ማሕበር፡ እዚ ቅትለት ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ይገልጽ።

ጓሓላሉ፡ ነቲ ብዙሕ ገንዘብ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ስኒ ናይቶም ሓራምዝ ደልዮም ከም ዝቐትልዎም ድማ ይፍለጥ።

እዚ ናይ ሕጂ ጃምላዊ ቅትለት ካኣ ምስቲ ቦትስዋና ነቶም እንስሳታት ንምክልኻል ዝቖመ ዕጡቕ ኣሃዱ፡ ዕጥቁ ከውርድ ዝገበረትሉ ጊዜ ዘጋጠመ'ዩ።

ቦትስዋና፡ ኣብ ዓለም እቶም ዝበዝሑ ሓራምዝ ዝርከቡላ ሃገር'ያ። እንተኾነ ግን ጓሓላሉ ኣብዚ እዋን'ዚ ነቲ ናይታ ሃገር ሓለዋ ክፍንጥስዎ ኪኢሎም ኣለዉ።

መብዛሕትኦም ካብቶም 87 ዝተቐትሉ ሓራምዝ፡ ምእንቲ ስኖም ቅድሚ ቁሩብ ሰሙናት ዝሞቱ ምዃኖም እቶም ነቲ ዳህሳስ ዘካይዱ ዘለዉ ተመራመርቲ ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ኣብ'ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ሓሙሽተ ካብቶም ኣብ ምጽናት ዘለዉ ጻዓዱ ሓርሽ (ዋይት ራይኖስ) ብጓሓላሉ ተቐቲሎም።

"ብጣዕሚ'የ ሰንቢደ፡ ዘሕዝን'ዩ። እዚ ቅትለት ሓራምዝ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝራኣኹዎ እቲ ዝዓበየ'ዩ" ይብል ዶ/ር ማይክ ቼይስ ካብ ትካል 'ዶብ ኣልቦ ሓራምዝ'።

"ምስቲ ኣብ 2015 ዘካየድክዎ ቆጸራ ሓራምዝ ከነጻጽሮ እንከለኹ፡ እዚ ናይ ሕጂ ቅትለት ዕጽፊ ናይ'ቲ ኣብ ካልእ ኣፍሪቃ ዝረአ እዩ"።

ብመሰረት ናይ'ቲ እዋን ቆጸራ ሓደ-ሲሶ ሓራምዝ ኣፍሪቃ ከም ዝተቐትሉን፡ 60% ናይ ታንዛንያ ሓራምዝ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት ከም ዝጠፍኡን ኣርእዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Elephants Without Borders

መግለጺ ስእሊ,

መብዛሕትኦም ካብቶም ሞይቶም ዝተረኽቡ ሓራምዝ ስኖም ተኣልዩ'ዮም ተረኺቦም

ቦትስዋና ተሪር ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ዘለዋ ሃገር ምዃና'ያ ክትፍለጥ ጸኒሓ። በዚ ድማ፡ ከምቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ምንቁልቋል እንስሳ ዘጋዳም ኣየጋጠማን።

ስለዚ ካብ በዓል ኣንጎላ፡ ናሚብያን ዛምብያን ዝመጹ ሓራምዝ ዶብ ሰጊሮም ናብታ ሃገር ክዕቆቡ ጸኒሐም'ዮም።

ቀንዲ ምኽንያት ናይ'ዚ ዕዉት ስራሕ ድማ፡ ሓደ ዕጡቕ ዝኾነ ኣሃዱ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ስለዘቖመት'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ፡ እቲ ኣብ ጉንበት ናይዚ ዓመት'ዚ ዝተመረጸ ሓድሽ ፕረዚደንት እቲ ኣሃዱ ዕጥቁ ከውርድ ምእዛዙ ነቲ ክፍተት ፈጢሩ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ ዝንገር።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓቲ ብካቫንጎ ደልታ ተባሂሉ ዝፍለጥ ተፈጥሮኣዊ ሕዛእቲ ምፍጻሙ እቶም ገበነኛታት ክሳብ ክንደይ ክፍተት ከም ዝረኸቡ ዘ እምት'ዩ ይብሉ ተሓለቕቲ ዕቃበ እንስሳ።

ምንጪ ስእሊ, Elephants Without Borders

መግለጺ ስእሊ,

ትካል 'ዶብኣልቦ ሓራምዝ' በብእዋኑ ናይ ኣየር ዳህሳስ የካይድ'ዩ

"እቶም ጓሓላሉ ሕጂ ብረቶም ናብ ቦትስዋና'ዮም ኣቕኒዖም ዘለዉ። ቦትስዋና እቶም ዝበዝሑ ናይ ዓለም ሓራምዝ ዝርከቡላ ሃገርያ። ነቶም ጓሓላሉ ድማ ናይ ቀውዒ ወቕቲ'ዩ ኮይኑሎም ዘሎ" ይብል፡ ዶ/ር ቼይስ።

ቱሪዝም ኣገዳሲ ጽላት ናይታ ሃገር ብምዃኑ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ህጹጽ ዝኮነ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ።

ኣስዒቡ "ፕረዚደንትና፡ ቦትስዋና ኣብ ምዕቃብ እንስሳ ዘገዳም ዘለዋ ጽቡቕ ታሪኽ ከኽብርን ነዚ ጸገም'ዚ ቀልጢፉ ንምእላዩ ክሰርሕ ኣለዎ" ኢሉ።