ኢትዮጵያ፡ ትሸዓተ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ተኣሲሮም

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ኢትዮጵያ 1000% ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም ይሓቱ

ዓለምለኻዊ በረራታት ኣተኣጓጒሎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩን፡ ነቲ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ስራሕ ምቁራጽ ኣድማ ወዲብኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱን 9 ተቖጻጸርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ፡ ማዕከን ዜና ፋና ንፈደራል ፓሊስ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቶም ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም ናይ ስራሕ ምቁራጽ ኣድማ የካይዱ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ድሕሪ'ቲ ኣድማ ምጅማሩ፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየርን፡ ነቲ ኣድማ ዝወደቡን 9 ሰባት ምስ በዓልመዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ክዛተዩ ከም ዝቐነዩ ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ባህር ዳርን መቐለን ዝሰርሑ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ኣድማታት ከካይዱ ቀንዮም ነይሮም።

ናይቶም ኣድመኛታት ሕቶታት ድማ፡ ምውሳኽ ደሞዝ፡ ናይ ስራሕ ዕብየት፡ ሞያዊ ኣፍልጦን፡ ካልኦት ረብሓታትን ክዋሃብዎም ንምጥላብ'ዮም ነቲ ኣድማ ወዲበሞ።

እቶም ሰራሕተኛታት 1000% (ሓደ ሽሕ ሚእታዊ) ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም'ዮም ዝሓቱ ዘለዉ።

ተመስገን ቂጤሳ ኣብ ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምቁጽጻር ትራፊክ ኣየር'ዩ ዝሰርሕ። ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረ ናይ ምምሕዳር ጸቕጢ ተጻዊሮም፡ ሞያዊ ኣፍልጦ ብምርካብ ረብሓታቶም ክኽበር ክሓቱ እኳ እንተጸንሑ፡ ሕቶታቶም ምላሽ ከይረኸቡ'ዮም ጸኒሐም ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣብዚ ክንበጽሕ ዝኻኣልና ድማ በዚ ምኽንያት'ዩ" ድማ ይብል።

እቲ በዓልመዚ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣድማ በረራታት ከምዘይታኣጓጎሉን እኳ እንተገለጸ፡ ተመስገን ግን፡ ካብ ስራሕ ተኣልዮም ዝጸንሑ ሰብ ሞያን፡ ስልጠናኦም ዘይወድኡ ተቖጻጸርቲ ብምምጽእ ነቲ ክፍተት ክዓብሶ ምፍታኑ ቅኑዕ ከም ዘይኮነ'ዩ ዝዛረብ።

ኣብ መጀመርታ ድምጾም ንምስማዕ ሙሉእ ብሙሉእ ስራሕ ደው ኣቢሎም ዘይኮነስ፡ ዝተወሰኑ ስራሓት (ናይ ቪ ኣይ ፒን ወታሃደራዊ) በረራታት እናሰርሑ ከካይድዎ'ዩ መደቦም ነይሩ፡ እንተኾነ ግን፡ ንጽባሒቱ ንጉሆ ናብ ስርሖም ምስተረኽቡ፡ ናብ ስራሖም ምእታዉ ከም ዝተኸልከሉ ገሊጹ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ በዓል መዚ ናይ ስራሕ ውዕሎም ከም ዘቋርጽ ብምግላጽ ከፈራርሐም ከም ዝፈተነ'ውን ይዛረብ።

እቲ ኣድማ መዓስ ክውዳእ ምዃኑ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ "ካብቲ በዓልመዚ ንላዕሊ ናይ ለውጢ መንግስቲ ኣሎ፡ ክሰምዓና ድማ ንደሊ" ኢሉ።

Image copyright Ethiopian Civil Aviation Authority

ደሞዞም ምስቲ ዘለዎም ሞያ ከም ዘይዳረግ ብምግላጽ፡ 380 ዶላር ጥራይ ከም ዝኽፈልን ካልእ ረብሓታት ከም ዘይወሃቦን ጠቒሱ።

ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ፕረዚደንት ዝኾነ ኣቶ ፍጹም ጥላሁን ከም ዝብሎ፡ እቶም ሕቶታት ቅድሚ ሕጂ ምስቀረቡ፡ ኣብ ውሽጢ 45 መዓልታት ክምለሱ'ዮም ዝብል መልሲ ከም ዝተዋህቦምን፡ እንተኾነ ግን 8 ዓመት ከም ዝወሰደን ይዝክር።

ዳይረክተር ጀነራል በዓልመዚ ሲቪል አቪየሽን ኮሎኔል ወሰንየለህ ግን፡ "ብመሰል ደረጃ ዝወጸ ሕቶ ኣይበረን" እዩ ዝብል።

"ቅድሚ ሕጂ ቀሪቦም ዝነበሩ ጠለባት ምስ ደረጃ ዕብየት ስራሕ ዝተሓሓዙ'ዮም ነይሮም" ብምባል ኣብቲ ነዚ ክፈትሕ ዝተመስረተ ኮሚቴ ከም ዝኣትዉ ከም ዝተገብረ'ውን ኮ/ል ወሰንየለህ ይጠቅስ።

ንሱ፡ እቶም ሰራሕተኛታት 1000% ወሰኽ ክግበረሎም ምሕታቶም ክወንነታውን ርትዓውን ከም ዘይኮነ ብምግላጽ፡ እታ ሃገር ብዘለዋ ዓቕሚ ጥራይ ክትከፍል ከም እትኽእል ገሊጹ።

እንተኾነ ግና፡ ዋላኳ እቲ ትካል ነቲ ዝሓተትዎ መጠን ክኸፍሎም ዘይክእል እንተኾነ፡ ንሕቶታቶም ንምምላስ ሓደ ኮሚቴ ቆይሙ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።