ሊቢያ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት "ኣብ ፀበባ ኣለና" ይብሉ

ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ Image copyright Getty Images

ኣብ ሊቢያ ከተማ ትሪፖሊ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ብዝካየድ ዘሎ ሕድሕድ ጎንጺ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ 'ዓይንዛራ' ዝነበሩ ኣስታት 400 እሱራት ሃዲሞም። ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን እሱራት ስደተኛታት ግና መዋጽኦ ኣብ ዘይብሉ ጸበባ ከምዘርከቡ ገሊጾምልና።

ተፈሪዶም ዝነበሩ ሊቢያውያን እሱራት በዚ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት እታ ሃገር ተወሊዑ ዘሎ ሕድሕድ ጎንፂ ከም ኣጋጣሚ ብምጥቃም ዋላ እኳ እንተሃደሙ፡ እዚ ኩነታት ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እሱራት ስደተኛታት ግና ኣብ መዋጥር ኣእትይዎም ኣሎ።

ሰሊን ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ኣብ ሓደ መዳጎኒ፡ ሱዳናውያን ዝርከብዎም ኣስታት 500 ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት፡ ኣብ ዓውደ ኲናት ህይወቶም ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ሕጂ እዞም ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝርከብሉ ሰሊን ዝተብሃለ ከባቢ፡ ሓያል ኵናት ይካየድ ከምዘሎ ዝገልፅ ኣቶ ሚኪኤለ፡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን፡ ኣስታት 120 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ኣደ ቆልዑን እውን ኣብቲ መዳጎኒ ከምዘለዉ ይዛረብ።

''ትሕቲ ዕድመ ሰገናትን ትሕቲ ሓደ ዓመት ቆልዑን ኣለዉ። ኣብ 'ዓይንዛራ' ዝነበረ ኲናት ስለዝበርትዐ ኢና ናብዚ ናብ ሰሊን መጺእና። ኣብዚ ሓምሻይ መዓልቲ ኣቑፂርና ኣለና። ግና ሰሊን እውን ዝሐሸ ኣይኮነን። እቲ ኲናት ናብዚ እውን ልሒሙ ኣብ ጸገም ኢና ንርከብ" ኢሉና።

ወይዘሮ ሰምሃር ካብ ኤርትራ ብስግረ ዶብ ካብ ትወጽእ ሽድሽተ ዓመታት ኣቁጺራ ኣላ።

ዋላ እኳ ካብ ኤርትራ ዝወጸትሉ ምኽንያት ካብ ጸገም ንምንጋፍ እንተነበረ፡ ኣእጋራ ናብ ስደት ካብ ተልዕል ግና በብዝኸደቶ ድሩዕቶ መከራን ጸበባን እዩ ተጸብይዋ።

መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ካርቱምን በረኻታት ሲናን ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ዝተሳገረትሎም መንገድታት ስደት እዮም።

ወይዘሮ ሰምሃር፡ እዚ ኩሉ ሓሊፋ ናብ ሊቢያ ኣብ ዝኣተወትሉ ግና፡ ኣብ ሊቢያ እውን ህይወት ቤት-ማእሰርቲ እዩ ጸኒሕዋ።

ካብቶም ኣብ ሊቢያ ቆልዑ ሒዘን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሊቢያ ካብ ሞንጎ ዝንገላትዓ ስደተኛታት ሓንቲ እያ። ሕሰም ስደት ካብ ባዕላ ሓሊፉ ንደቃ እውን እዩ ተሪፉ ። ሕጂ በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሕድሕድ ኲናት፡ ሰምሃር ንሓንቲ ህይወታ ጥራሕ ኣይኮነን ትጭነቕ፤ ህይወት ክልተ ህጻናት ደቃ እውን ተወሳኺ ጸበባ ኮይንዋ ኣሎ።

"ሕጂ ሓያል ደብዳብ እዩ ዘሎ፡ ድምጺ ከቢድ ብረት ኢና ንሰምዕ ዘለና። ኣደ ክልተ ቆልዑት እየ፤ በዚ ኩነታት ክንበክይ ኢና ንውዕል ዘለና፤ እንታይ ክንገብር ንኽእል?" ብምባል ነቲ ዘላትሉ ኩነታት ትገልጽ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሊቢያ ሓደ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ከምዘቑጸረት ትዛረብ ወይዘሮ ሰምሃር፡ ህይወት ጓል ኣርባዕተ ዓመት ጓላን ወዲ ሽድሽተ ወርሒ ዕሸል ወዳን ዝያዳ ኩሉ ዘጨንቓ ጉዳይ እዩ።

''ናይ ናህትናስ በዓልና ምፈለጥና፡ ግና ናይ ቶም ደቀይ እዩ ዘጨንቐኒ። ኣነ ዝኾነ ነገር እንተኾይነስ፡ ጽባሕ ንጉሆ እዞም ቆልዑት እንታይ እዮም ክኾኑ?" ኢላትና ሕንቕንቕ ብዝበለ ድምጺ።

ነዚ ኵናት ስዒቡ ሓለውቶም ዝነበሩ ወተሃደራት ራሕሪሐሞም ከምዝኸዱ ዝዛረቡ እዞም ስደተኛታት ካብዚ ህይወት እዚ ሞቶም ይመርጹ።

'' ንሕና ከምቶም ካልኦት ሃዲምና ክንወፅእ ኣይንኽእልን፡ እንተወፂእና እውን ኣደዳ ሰረቕቲ ኢና ክንከውን? በጃኹም እዚ ዝነግረኩም ዘለኹ ተገዲስኩም ኣሕልፉልና?" ኢላትና ድምፆም ዝሰምዕ ኣካል ከምዘየለ ብዘስምዕ ድምፂ።

ሰለስተ ምዓልታት ብዘይ መግብን ማይን

ኣቶ ሚኪኤለ እውን፡ '' ናብዚ ዘምፅኡና ወተሃደራት ገዲፎምና እዮም ሃዲሞም። ሕጂ ኣብዛ ካንሸሎ እዚኣ፡ ንበይንና ኢና ዘለና። ንሰለስተ መዓልቲ ብዘይ ዝኾነ መግብን ማይን ኢና ዘለና፤ ዝርእየና የለን፡ ኣምላኽ ሒዝና ኢና ኣብዚ ኮፍ ኢልና ዘለና'' ክብል እቲ ዝርከብሉ ኩነታት ገሊፁልና።

ምስኦም ዝነበሩ ሊቢያውያን እሱራት ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ዋላ እኳ እንተሃደሙ፡ እዞም ስደተኛታት እዚኦም ግና ኣብ ሊቢያ እግሮም ዘእትውሉ ኣማራጺ የለን።

" ንሕና ሓበሻ ኢና። ኣብ ሊቢያ ሓበሻ ኮይንካ ክትወጽእ ኣይትኽእልን።እቲ ቋንቋ እውን ኣይንፈልጦን። ሊቢያውያን ድማ ገንዘብ ኣለዎም ኢሎም ስለዝሓስቡ፡ ሽጉጥ ኣውፂኦም፡ ክሸጡናን ክልውጡናን እዮም ጥራሕ እዮም ዝሓስቡ'' ብምባል ከም ካልኦት ምህዳም ንህይወቶም ኣስጋኣይ ከምዝኾነ ይዛረብ።

እቲ ኣብ 'ዓይንዛራ' ዝተወልዐ ኲናት ናብቲ ዘለውሉ ከባቢ ብምልብዑ ምኽንያት፡ ካብ ዝኾነ ኣካል ሓገዝ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ገሊፆምልና።

መንገዲ ስደት ብሊብያ

ኣብ ሊቢያ ንሽድሽተ ወርሒ ብዘይ ሓደ መዝገብ ስደተኛታት 'ዓይንዛራ' ኣብ ዝተብሃለ ቤት-ማእሰርቲ ከምዝነበሩ እትዛረብ ሰምሃር፡ ድሕሪ እቲ ሕድሕድ ኵናት ናብ ሰሊን ከምዘምፅዎምን፡ ዋላ ሓደ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ገሊፃ።

'' እቶም ዝሕልዉና ዝነበሩ ንህይወቶም ክብሉ ጠንጢኖምና ከይዶም። ንሕናስ ኣደዳ ሊቢያውያን ኮይንና ተሪፍና። ኣብቲ ቀይሕ ባሕሪ ተሪፍና እንተንነብር ምሐሸና ነይሩ" ኢላትና ብቀቢፀ ተስፋ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ 'ዓይንዛራ' ናብ ሰሊን ኣብዝግዓዝሉ ኣብቲ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን (ዩኤንኤንኤችሲኣር) ኣይኦኤምን ዝተወሰነ ናይ ማይን ሕክምናን ሓገዝ ከምዝገበርሎም ዝዛረብ ኣቶ ሚኬኤለ፡ ድሕሪኡ ግና እቲ ኵናት ብምጉህሃሩ ክመፁእና ኣይከኣሉን ይብል።

'' ብደገ ዘለዉ ኣሕዋትና ምስ እንድውለሎም፡ ኣብቲ ቦታ ኵናት ስለዘሎ ንሕና ሕጂ ናብኦም ክንከይድ ኣይንኽእልን ዝብል መልሲ እዮም ሂበሞም። መፅዩ ዝረኣየና ኮነ ሓገዝ ዝሃበና ኣካል የለን'' ይብል ሚኪኤለ፡

"ብዘይ ዝኾነ ነገር ኣብ ጎልጎል ኢና ተደርቢና ዘለና፤ ጠያይቲ ብልዕሊና ይሓልፍ ኣሎ፤ ርድኡና???" ብምባል ህፁፅ ሓገዝ ንክግበረሎም ደጋጊሙ ይምሕፀን።

ንትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ተወሳኺ ዛንታ