ሓጸርቲ ዜናታት ሰኑይ ምሸት

  • ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፀዓዱ ሸቃሎ፡ ምግላል ይበፅሐና ኣሎ ብዝብል፡ ኣድማ ስራሕ ጀሚሮም።

እዞም ኬሚካል ኣብ ዘፍርይ ትካል ሳዞል ዝሰርሑ፡ ልዕሊ ሽድሽተ ሽሕ ሸቓሎ፡ ንቀፀልቲ ሰለስተ ሰሙናት ኣድምኦም ከምዝቕፅል ገሊፆም።

እቲ ትካል ግና እዚ ሓድሽ መስርሕ ፀለምቲ እውን ዓንዲ ሑቐ ቁጠባ ንክኾኑ ዘኽእልን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ዘይምዕሩይ ታሪኽ ዝእርምን እዩ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Solidarity

  • ኣብ ታይላንድ እቲ ዝዓበየ ስልጠና ፖሊስ ዝህብ ቤት ትምህርቲ፡ ካብ ዝቕፅል ዓመት ጀሚሩ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘይቕበል ኣፍሊጡ። ነዚ ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ተሓለቕቲ ጉጅለታት፡ ፆታዊ መዓርነት ዘዳኽም ውሳነ ክብሉ ይቃወሙ ኣለዉ።
  • ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሚያንማር፡ ክልተ ጋዜጠኛታት ሮይተርስ፡ ሕጊ ሚስጥራውነት እታ ሃገር ጥሒሶም ብዝብል፡ ንሸውዓተ ዓመታት ክእሰሩ በይኑ። እዞም ጋዜጠኛታት ግና ፡ ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ሮሂንጊያውያን ብሰራዊት እታ ሃገር ብዛዕባ ዝተፈፀመ ጃምላዊ ቅትለት መደብ ይሰርሑ ብምናባሮም ከምዝተኣሰሩ እዮም ዝገልፁ።
  • ኣብ ብራዚል እቲ ዝዓበየ ዕድመ ፀገብ ቤተ-መዘክር ሪዮ ዴ ጀኔሮ ብባርዕ ዓንዩ። ፕረዚደንት ብራዚል ሚካኤል ቴመር፡ እዚ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ዘቑፀረ ማእኸል መፅናዕትን ፍልጠትን ዝኾነ ቤተ-መዘክር ምስኣን ዘሕዝን እዩ ኢሎም። ተምሳሌት ብራዚላውያንን ከተማ ሪዮ ዴ ጀኒሮን ዝኾነ እዚ ቤተ-መዘክር፡ ልዕሊ ዕስራ ሚልየን ሰነዳት ዓቂቡ ዝነበረ እዩ። ዛጊድ መንቀሊ እቲ ባርዕ ኣይተፈለጠን።
  • ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ዲሞክራሲ ብምድጋፍ ዝነጥፉ ብርክት ዝበሉ ሰባት ተኣሲሮም።
  • ሃገረ ስዋዚላንድ ኣብቲ ኣብ ቤንጂንግ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ቻይና ኣፍሪቃ ክልተ ሽሕን ዓሰርተ ሸሞንተን ዘይተሳተፈት ብሕታዊት ሃገር ኮይና።