ዕድመ ልብኹም ምስ ወቕዒ ልቢ ከመይ ይጸላሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Creative
ህዝባዊ ማእከል ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ልዕሊ 30 ዝዕድሚኦም፡ ዕድመ ልቦም ንምፍላጥ ብመርበብ ሓበሬታ "ኦንላይን" መርመራ ክገብሩ ይምዕድ፡ እዚ መርመራ፡ ንዘለዎም ደረጃ ሓደጋ ሕማም ልብን ወቅዒ ልብን ከፍልጦም'ዩ ይብል።
ብመሰረት ጸብጻብ ህዝባዊ ማእከል ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ 80 ሚእታዊት ሕማም ልብን ወቅዒ ልብን ኣብ ትሕቲ 75 ዕድሚኦም፡ ኩነታት ልቢ ክመሓየሽ እንተኽኢሉ ክግታእ ከምዝኽእል ብተወሳኺ የብርህ።
ደቪድ ግሪን ወዲ 59 ዓመት ኮይኑ በዚ ኣገባብ መርመራ ዝገበረ እዩ።
"ኣዝዩ ዝኸፈአ ነገር፡ ልበይ ካብ ዕድሜይ ብ10 ዓመት ዝያዳ ከምትዓቢ ስለዝተነገረኒ እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ነዚ ክትቅበሎ ከቢድ እዩ፡ ብኣወንታዊ ሸነኹ ብምጥማት ግን ነዚ ክስተት ናብ ረብሓይ ንምቕያር ገለ ነገር ክገብር ወሲነ"
ምንጪ ስእሊ, David Green
ደቪድ ግሪን፡ ኣብ ፕለይ ማውዝ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ኮይኑ፡ ኣብታ ዝዋስኣላ ትያትር ንወርሒ ኣድካሚ ልምምድ ድሕሪ ምግባሩ እዩ ንኽምርመር ዝወሰነ።
ብዛዕባ ዕድመ ልቢ፡ ሰሚዑ ኣይፈልጥን ነይሩ።
"ወዲ 59 ዓመት'የ፡ ምናልባት ልበይ ክኣ 62 ወይ 63 ትኸውን ዝብል ግምት ነይሩኒ ብ 10 ዓመታት ክትዓብየኒ ግን ብፍጹም ሓሲበዮ ኣይፈልጥን'የ"
"ገለ ነገር እንተዘይገይረ ኣብ ዘመን ጥሮታይ ብዙሕ ከምዘይጸንሕ'ዮም ነጊሮሙኒ" ይብል ደቪድ ግሪን
"እዚ ሓበሬታ እዚ ምርካብ ጠቓሚ እዩ፡ ካብዚ ዝተብሃለ ዝዛየደ'የ ክነብር ዝደሊ"
ክረሻ፡ ማኣዛ ዝጎዶሎ ኣመጋግባ፡ ዋሕዲ ምንቅስቃስ ልዑል ጸቅጢ ደምን ገለ ካብቶም ንወቅዒ ልብን ንሕማም ልብን ከጋድዱ ዝኽእሉ ሮቋሒታት ኮይኖም ክንቆጻጸሮምን ክንቅይሮምን ንኽእል ኢና።
ጥዕና ልብና ብኸመይ ከነማሓይሽ ንኽእል?
- ሽጋራ ምቁራጽ
- ንጡፍ ምዃን
- ክብደትካ ምቁጽጻር
- ጭሕጎ ዝበዝሖም መግብታት ምዝውታር
- ስብሒ ኣብ እንምገቦን ኣብ ኣካልናን ምጉዳል
- ፍረታትን ኣሕምልትን ምዝውታር
- ጨው ምጉዳል
- ዓሳ ምምጋብ
- ኣልኮላዊ መስተ ምጉዳል
- ንእንምገቦ ዘለዎ ትሕዝቶ ምፍላጥ
ክሳብ ሕጂ ኣስታት ክልተ ሚልዮን በዚ ኣገባብ ፈተና ገይሮም ኣለዉ፡ ካብዞም ፈተና ዝገበሩ እቶም 78 ሚእታዊት ልቦም ካብ ህሉው ዕድሚኦም ዝኣረገት ኮይና ጸኒሓ።
34 ሚእታዊት ልቦም ካብ ዕድሚኦም ብሓሙሽተ ዓመት ክተዛይድ እንከላ፡ 14 ሚእታዊት ክኣ ልቦም ብ 10 ዓመት ካብ ዕድሚኦም ትዓቢ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብሕማም ልብን ወቅዒ ልብን፡ ዓመታዊ 84,000 ሰባት ይሞቱ።
ኣብ ህዝባዊ ማእከል ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ዶክተር ማት ኬርኒ ብዛዕባ እዚ መርመራ ክሕብር እንከሎ "ንሚልዩናት ክሕግዝ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ኣገባብ" ይብሎ።
እዚ ኣገባብ መርመራ ብማሕበር ሕማም ልብን ወቅዒ ልብን ብርጣንያ ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ሓላፊት እዚ ማሕበር ዝኾነት ጁሌት ቦውቨርየ "ከም ግምትና ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ጥራይ ኣስታት ሸዱሽተ ሚልዮን ዝግመቱ ናይ ልዑል ጸቐጢ ደም ግዳያት ከምዘለዉ ኢና ንግምት፡ እዚ ሕማም ክኣ ካብቶም ቀንዲ ንሓማም ልብን ወቅዒ ልብን ዘቃልዑ እዩ" ትብል።
"ነዚ ሕማም እዚ ምፍዋስ ክኣ ንእርጋን ልቢን፡ ሕማም ልብን ውቅዒ ልብን ምክልኻል እዩ" ትብል ጁሌት ቦውቨርየ።
እዚ ኣገባብ ፈተና፡ 16 ቀለልቲ ንኣገባብ ኣነባብራን ኣካለዊ ኣቃውማን ዝሓትት ኮይኑ፡ ነዚ ሕቶታት ድሕሪ ምምላስካ ማእከላይ ገምጋም ናይ ልብኻ ዕድመን፡ ንሕማም ልብን ንወቅዒ ልብን ናይ ምቅላዐዕ ተኽእሎኻን ይንገረካ።
ብሓፈሻ ንእንኽተሎ ኣገባብ ኣነባብራ ብምምሕያሽ ናይ ልብና ዕድመ ክንውስኽ ከምእንኽእል ክኣ ምኽርታት ይልገስ።
- ሓደ ዓምት ሽጋራ ምትካክ ዘቋረጸ፡ ካብቲ ዘትክኽ ብሕማም ልቢ ናይ ምጥቃዕ ተክእልኡ ብፍርቂ ይጎድል።
- ሰሙናዊ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ምግባር ንናይ ሕማም ልብን ወቅዒ ልብን ተኽእሎ ብ 20 ክሳብ 35 ሚእታዊት የጉድሎ።
- ኣብ እንምገቦ ኣሕምልትን ፍረታትን ምዝውታር ንናይ ሕማም ልብን ወቅዒ ልብን ተኽእሎ ብ 20 ሚእታዊት የጉድሎ።
- ዕድመ ልብኹም ንምፍላጥ ኣብዚ ጠውቑ። (እዚ መርመራ ብቋንቋ እንግሊዝ እዩ)
ዳቪድ ግሪን ኣካላዊ ምንቅስቃስ ብምዝውታር፡ ዝወስዶ ዝነበረ ዓቐን ኣልኮል ብምጉዳል ማኣዛዊ መግብታት ክምገብ ጀሚሩ።
"ጸገም ናይ ጥዕናኻ ፈሊጥካ ክትቆጻጸሮ ምኽኣል ጸጋ'ዩ" ይብል።
ዳቪድ ግሪን ክሳብ ሕጂ ብዝገበሮ ምንቅስቃስ ኣብ ሚዛኑ ከጉድል እንከሎ፡ ኣብ ጥዕንኡ ምሉእ ምምሕያሻት ኣመዝጊቡ'ሎ።
"ሕጉስን ነዊሕን ዕድመ ክህልወኒ'የ ዝደሊ፡ ን40 ዓመታት ሰሪሐ'የ ሕጂ ዕረፍቲ'ዩ ዘድልየኒ፡ ምርኩስ ተደጊፈ ክንቀሳቐስ ኣይደልይን'የ"
"ሓንቲ ቢራ ወይ ሓንቲ ቢኬሪ ወይኒ ቃሕ ኣብ ዝብለኒ እዋን፡ ልቢ ይከስር ምህላወይ ብምዝካር ንምግትኡ ሓይሊ ይረክብ ኣለኹ" ይብል ደቪድ ግሪን።