ቻይና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝገብሮም ፕሮጀክታት 'ንጃህራ ኣይኮኑን' ትብል

ፕሬዚደንት ቻይና መደረ ንተጋባእቲ መደረ እናኣስመዐ 3 መስከረም 2018 Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ቻይና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝገብሮም ፕሮጀክታት 'ንጃህራ ኣይኮኑን' ትብል

ፕረሲደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ሃገሩ ኣብ ኣፍሪቃ እተካይዶም ፕሮጀክትታት እታ ኣህጉር ትሕተ-ቅርጽታታት ንኸተማዕብል ንምሕጋዝ ደአ እምበር ናይ `ጃህራ ፕሮጀክትታት` ኣይኮኑን ኢሉ።

ነቲ ትማሊ ኣብ በይጂንግ ዝጀመረ ዋዕላ ኣፍሪቃ-ቻይና ብወግዒ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን ድማ ተወሳኺ 60 ቢሊዮን ዶላር ንምዕባለ'ታ ኣህጉር ክህብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ቻይና እታ ዝዓበየት ኣብ ኣፍሪቃ ስራሓት ትሕተ-ቅርጺ እትምውል በይናዊት ሃገር'ያ።

ነቐፍቲ ግን ሃገራት ኣፍሪቃ ክስከምኦ ኣብ ዘይክእላ ዕዳ ይሽመማ ከምዘለዋ የጠንቅቑ።

ገለ ፕሮጀክትታት ኣዋጻእነቶም ደጊምካ ምርኣይ ከምዘድልን ነቲ ምትሕብባር ድማ ዝያዳ ኣዋጻኢ ምግባር ከምዘድሊ ግን ሚስተር ሺ ተኣሚኑ።

'ምትሕግጋዝ ቻይና ብልክዕ ንዓበይቲ ማሕንቖታት ዕብየት ዒላማ ዝገበረ'ዩ" ኢሉ ሚስተር ሺ ኣብ ዋዕላ ወነንቲ ዋኒናት ኣብ ዝገበሮ መደረ።

"ርእሰ-ማላት ናይ ምትሕግጋዝና ኣብ ኣዝዮም ኣገደስቲን ተደለይትን ዝኮኑ ፕሮጀክትታት ደኣ'ምበር ኣብ ናይ ጃህራ ፕሮጀክትታት ክውዕሉ የብሎምን" ድማ ኢሉ።

ፕረሲደንት ሲሪል ራማፖሳ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተሳትፎ ቻይና ብምንኣድ፡ "ምስ'ቲ ዘረባ ናይ'ቶም ክንእምኖም ዝደልዩና ኣካላት ዝኾነ ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ባዕዳዊ መግዛእቲ ይተኣታቶ'ሎ ዝብል ኣበሃህላ" ከምዘይሰማማዕ ገሊጹ።

ብዘይካ'ታ ናይ ቀደም ስዋዚላንድ ተባሂላ ትፍለጥ ዝነበረት ንእሽቶ ሃገር ናይ ሕጂ ኤስዋቲኒ፡ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ'ቲ ዋዕላ ተወኪለን ኣለዋ።

ኤስዋቲኒ እታ ምስ ታይዋን ዲሎማሲያዊ ዝምድና ዘለዋ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ።

ቻይና ሃገራት ምስኣን ምስ'ታ ግዝኣተይ'ያ እትብላ ታይዋንን ዝምድና ክህልወን ኣይትፈቅድን'ያ።

"ፖሊቲካዊ ጥብቆታት የለን"

እቲ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝወሃብ 60 ቢሊዮን ዶላር ብመልክዕ ሓገዝን ልቓሕን ከምዝወሃብ፡ ሚስተር ሺ ኣብ'ቲ ኣብ በይጂን ዝርከብ ዓቢ ኣደራሽ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዘስመዖ መደረ ገሊጹ።

እቲ ገንዘብ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት፡ ተወሰኽቲ ትሕተ-ቅርጺ ኣብ ምህናጽን ንኣፍሪቃውያን መንእሰያት ማህደረ-ትምህርቲ ኣብ ምሃብን ሓዊስካ ኣብ ሸሞንተ ተበግሶታት ክውዕል'ዩ ኢሉ።

"ናይ ቻይና ወፍሪ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ጥብቆታት የብሉን" ኢሉ ሚስተር ሺ።

እዚ ቃል ዝተኣትወ 60 ቢሊዮን ዶላር፡ ነቲ ቻይና ኣብ 2015 ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጋብአ ተመሳሳሊ ዋዕላ ዝኣተወቶ 60 ቢሊዮን ዶላር ኣየጠቓልልን።

ንገለ ድኻታት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ዓመተ 2018 ክኸፍልኦ ዝግብኣን ዝነበረ ካብ ወለድ ነጻ ዝኾነ ዕዳ ናይ ቻይና ክስረዘለን ምዃኑ ድማ ሚስተር ሺ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ቻይና ሓደ ናይ ሰላምን ጸጥታን ማዕከን ገንዘብ ከተቕውም ምዃናን ንሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ነጻ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትገብር ምዃናን ድማ ወሲኹ ገሊጹ።

ቻይና ካብ 2000 ክሳብ 2016 ኣብ ዘሎ እዋን 125 ቢሊዮን ዶላር ንሃገራት ኣፍሪቃ ከምዘለቀሐት ጸብጻባት ይሕብሩ።

ነቲ ኣብ መንጎ ከተማ ናይሮቢን ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ናይ ኬንያን ዘራኽብ ሓድሽ መስመር ባቡር ንምስራሕ ዘውጻኣቶ 3.2 ቢሊዮን ዶላር ሓዊሳክ ድማ ኣብ ስራሓት መገድታት፡ መንገዲ ባቡራት፡ ወደባትን ካንኦት ፕሮጀክትታን ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ርእሰ-ማል ኣፍሲሳ'ያ።

ነተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ደቡብ ሱዳን፡ ምብራቓዊ ክፋል ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፡ ርዋንዳን ኢትዮጵያን ምስ ህንዳዊ ውቅያኖስ ከተራኽበን ድማ ውጥን ኣለዋ።

እንተኾነ ግን እቲ ፕሮጀክት ብጠቐነታት ብልሽውናን ፈላጣት ቁጠባ ብዝህብዎ እቲ ዋጋ ናይቲ ፕሮጀክት ኣዝዩ ልዒሉ ዝብል ርእይቶን ተሓሚሱ ይርከብ። እቲ ፕሮጀክት፡ ኣብ ፈላሞት ዓመታቱ ጥራይ 100 ሚሊዮን ዶላር ክሳራ ከምዘጋጠሞ ወግዓውያን ጸብጻባት የመልክቱ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ