ሓካይም ኣብ ክንዲ ብላቲን፡ ንፁር ቋንቋ እንግሊዝ ክጥቀሙ ተነጊርዎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶኳትር ዓዲ እንግሊዝ፡ ተሓከምቲ ክርድእዎ ዝኽእሉ ቀሊል ደብዳበ ክፅሕፉ ከምዝግባእ ሓድሽ መምርሒ ወፂኡሎም።
ሓካይም ንተሓከምቲ ዝህብዎ ደብዳበ ኣብ ክንዲ ብንፁር ቋንቋ፡ ብዝተሓላለኸ ሞያዊ ቋንቋ ዝተመልአ እዩ። እዚ ክቕየር ዝግበኦ እዩ ይብል፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ሕክምናዊ ትካል 'ኣካዳሚ ኦፍ ሜዲካል ሮያል ኮሌጅስ'።
ከም ኣብነት እንተቐምጥ ድማ፡ ዓቐን መድሓኒት እንትግለፅ ኣብ ክንዲ "ክልተ ግዜ መዓልታዊ" ምባል ብላቲን ኣሕፅሮተ ቃል "ቢዲ/bd" ተባሂሉ እዩ ዝግለፅ።
ተሓከምቲ፡ ብንፁር ቋንቋ ክፀሓፈሎም ክሓቱ ከምዝኽእሉ ድማ ኣብቲ መምርሒ ተገሊፁ'ሎ።
ቅድሚ ሕዚ፡ ዶኳትር ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ነቲ ተሓካሚ፡ ናብቲ ወትሩ ዝከታተሎም ሓኪም'ዮም ደብዳበ ዝፅሕፍሉ። ቅዳሕ ክኣ ናብቲ ተሓካሚ ክበፅሖ እዩ ዝግበር።
ሕዚ ግን፡ ዶኳትር ብቐጥታ ናብ ተሓከምቲ ብዝተለመደን ቀሊልን መገዲ ክፅሕፉ'ዮም ዝሕተቱ ዘለዉ።
ሓካይም ኣብ ክንዲ "ሕሙም ሽኮርያ" ኢኻ ምባል፡ "ሽኮርያ ኣለካ" ክብሉን፡ ዘግልል ኣጠቓቕማ ቋንቋ ከወግዱን እውን ተነጊርዎም።
ኩሎም ሕክምናዊ ቃላት ድማ ብንፁር ቋንቋ ክትርጎሙ ኣለዎም። ንኣብነት፡ "ዲስፒንያ/Dyspnoea" ዝብል ሕክምናዊ ቃል "ፀገም ምስትንፋስ" ተባሂሉ ብቐሊሉ ክፀሓፍ ይግባእ።
ብተመሳሳሊ፡ 'ሰረብራል' ዝብል ሓንጎል፣ 'ኮሮናሪ' ዝብል ልቢ፣ 'ሄፓቲክ' ዝብል ፀላም ኸብዲ፣ 'ሬናል' ዝብል ኵሊት ተባሂሉ ክፀሓፍ ኣለዎ ተባሂሉ።