ኩባኒያታት ወጻኢ ኣብ ሎጀስቲክስ ክወፍሩ ተፈቒዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቦርድ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ፡ ዕብየት ናይቲ ኣፍራዪ ዓውዲ ንምቅልጣፍን ኣፈጻጽማ ንግዲ ወጻኢ ንምዕባይን ዝሕግዝ ዉሳነ ኣሕሊፈ ኢሉ።
ብመሰረት እዚ፡ ንኢትዮጵያዉያን ጥራሕ ዝፍቀድ ዝነበረ ስራሕቲ ምዕሻግ ኣቕሓ፣ ምትሕልላፍን ዉክልና መርከብን፡ ኩባኒያታት ወጻኢ ብዝተወሰነ ደረጃ ክሳተፍሉ ተወሲኑ።
ቅድም ኢሉ፡ ዕብየት ዓዉዲ መፍረዪ ንምቅልጣፍ፣ ኢንቨስትመንት ንምስሓብን ኣፈጻጽማ ንግዲ ወጻኢ ንምዕባይን፡ ኣሰራርሓ ግምሩክን ሎጀስቲክስን ምምሕያሽ ከምዝግባእ ብምእማን፡ እዚ ዉሳነ ትጽቢት ክግበረሉ ከምዝጸንሐ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሎም መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ዓዉዲ ካብ ዘለውዎ ፀገማት ሓደ፡ ተሳትፎ ሰብ ሃፍቲ ወጻኢ ስለዝገደበ፡ ኣብ ምህርቲ ንግዲ ወጻእን ካልኦት ስራሕቲ ኣታዉን ወጻእን ዝተዋፈሩ ኢንዳስትሪታት ዓለምለኻዊ ደረጃ ዝሓለወ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዘይኽኣሉ ገሊጹ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብዚ ዓዉዲ ዓለምለኻዊ ልምዲ ዘለዎም ኩባኒያታት ሎጀስቲክስ ምስ ኩባኒያታት ዉሽጢ ዓዲ ተሻሪኾም ክሰርሑ ዘኽእሎም ምምሕያሽ ብምግባር፡ ዓቕሚ ኩባኒያታት ዉሽጢ ዓዲ ንምሕላዉን ልዉዉጥ ቴክኖሎጅን ልምድን ትኹረት ገይሮም ክሰርሑ ንምግባር፡ እቲ ዓዉዲ ንኢንቨስትመንት ወጻኢ ክፉት ክኸዉን ምግባሩ ኣመልኪቱ።