ሓጸርቲ ዜናታት ሰሉስ ምሸት

ምንጪ ስእሊ, KYODO/VIA REUTERS
ዓለምና ኣህጉርናን ኣብዚ ዕለት እንታይ ኣአንጊደን?
- ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ዳዉሮ፡ ልዑል ዝናብ ብዘስዓቦ ሓደጋ ምህማም መሬት፡ 12 ሰባት እንትሞቱ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ከቢድ ሓደጋ ከምዝበጽሖም ፋና ጸብጺቡ። ካብቶም ዝሞቱ ናይ 10 ሰባት ኣስክሬን ተረኺቡ ኣሎ።
- ጉጅለ ልኡኽ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዑደት ከም ዘካየደ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ። እቲ 44 ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ ምስ መራሕቲ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ከም ዝተራኸበን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብምብጻሕ ትካላት ከም ዝተዓዘበን'ውን ገሊጹ።
- ኣብጃፓን ድሕሪ 25 ዓመታት ንፈለማ ብዝተኸሰተ ብርቱዕ ህቦብላ ብውሕዱ 6 ሰባት ክሞቱ እንከለው 160 ናይ ምቑሳል ሓደጋ ኣጋጢምዎም። እቲ ኣብ ምዕራባዊ ቦታ ዘጋጠመ ህቦብላ ዘስዓቦ ብርቱዕ ዝናብ፤ ኣብ ግድብ ኦሳካን መንገዲ ባቡር ክዮቶን ዓቢ ጉድኣት ከምዘውረደ ተፈሊጡ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብዘይ መበራህቲ ክተርፉ እንከለዉ፤ ሓያል ማዕበልን ውሕጅን ከውርዶ ንዝኽእል ዓቢ ዕንወት ብምስጋእ ድማ ሰበስልጣን እታ ሃገር፤ ነበርቲ እቲ ከባቢ መንበሪ ኣባይቶም ሓዲጎም ኣብ ዝተዳለወሎም ቦታታት ክዕቆቡ ኣጠንቂቖም። ጥቓ ኦሳካ ዝርከብ ውሩይ ዓለምለኻዊ መዘናግዒ ጃፓን'ውን ተዓጽዩ። እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣጋጢሙ ዝነበረ ብርቱዕ ውሕጅን ስዒብዎ ዝተኸሰተ ዓቐን ዘየብሉ ዋዒ፤ ጠንቂ ምጥፋእ ሂወት ልዕሊ 200 ሰባት ምዃኑ ይፍለጥ።
- ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ብሰብመዚ ደቡብ ሱዳን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ገሊፁ። መብዛሕትኦም እሱራት ድማ ተቓወምቲን ምስ ተቓወምቲ ርክብ ዘለዎምን ብዝብል ዝተጠርጠሩ ከምዝኾኑ ኣምነስቲ ሓቢሩ።
- ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ጃን ፒሬ ቤምባ ኣብ ዝመፅእ ዓመት ኣብ ዝግበር መረፃ ንከይወዳደሩ በይኑ። እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ዝወሰነ፡ ጃን ፔሬ ቤምባ ብዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኵናት ተኸሲሶም ብምንባሮም እዩ።
- ጣልያን ነዚ ሕዚ ኣብ ሊቢያ ዝረኣይ ዘሎ ሕድሕድ ኩናት ፈረንሳይ ብክፋል ተሓታቲት እያ ክትብል ኮኒና። ሚኒስትር ምክልኻል ጣልያን፡ ኤልዛቤታ ትሬንታ፡ ነቲ ሕዚ ኣብ ሊቢያ ዝረኣይ ዘሎ ሕድሕድ ኵናትን ምስኣን ሰላምን ብክፋል ኢድ ኣእታውነት ፈረንሳይ ስለዝነበረ ተሓታቲት እያ ኢለን። ፈረንሳይ ኣብ ክልተ ሽሕን ዓሰርተ ሓደን ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ሊቢያ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንክውሰድ ፀቕጢ ዝገበረት፡ ንናይ ባዕላ ረብሓ ክትብል እያ ኢለን።
- ኣብ ብራዚል ዕድመ ፀገብ ሙዝየም ሪዮ ዴ ጀኔሮ ብባርዕ ምውዳሙ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሚካኤል ቴመር፡ እዚ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ዘቑፀረ ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ዳግማይ ንምህናፅ፡ ትካላትን ባንክታትን ሓገዝ ክገብራ ተላብዮም።
- ዓለምለኸ ዳይነት ሽምግልና፡ ግብጺ ንልፍንታዊ ኩባኒያ ጥልያንን ስፔይንን ክልተ ቢሊዮን ዶላር ካሕሳ ክትኸፍል ፈሪዱ። ግብጺ ኣብ እዋን ቀዉዒ ዓረብ፡ ብመሰረት ዝኣተወቶ ዉዕሊ ነቲ ኩባኒያ ነዳዲ ብዘይምቕራባ እዩ ነዚ ተፈሪዳ። እዚ ጉዳይ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብማሕበር ጋዝ ስፔይን ናብ ፍርዲ ዝተወሰደ እንትኾን፡ ግብጺ ብዘጋጠማ ዘቤታዊ ሕጽረት ሓይሊ ከየቕረበት ከምዝተረፈት'ዩ ዝግለጽ። ይኹን'ምብር፡ ግብጺ ምስቲ ኩባኒያ ዝኣተወቶ ዉዕሊ ኢንቨስትመንት ኣየክበረትን ክብል'ዩ ወሲኑ።
- ቖልዑ ኣባላት ተቓዋሚ ሰልፊ ብምስራቕ ዝተኸሰሰ ወዲ 85 ዓመት ስፔናዊ ዶክተር፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማድሪድ ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ። ደገፍቲ መራሒ እታ ሃገር ዝነበሩ ፍራንሲስኮ ፍራንኮ፡ ቅድሚ ዓሰርታት ዓመታት ፖለቲከኛታት ጸጋማይ ክንፊ ስፔይን ዝወደለዱዎም ቖልዑ፡ ኣብ መዕበዪ ህጻናት ክዓብዩ ይገብሩ ነይሮም።