ኣድማ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ብመንፅር ሕጊ ቅቡል ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ኢትዮጵያ 1000% ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም ይሓቱ
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር መዕርፎ ነፈርቲ መቐለ፣ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ምስ ወሰኽ መሃያ፣ ኣፍልጦን ጥቕማ ጥቕምን፡ ብዝተትሓሓዘ ስራሕ ደዉ ናይ ምባል ኣድማ ከምዝገበሩ ዝዝከር'ዩ።
በዚ ምኽንያት፡ ዓለም-ለኻዊ በረራታት ኣተኣጓጕሎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ትሸዓተ ሰራሕተኛታት: ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ብሰሉስ ተገሊፁ።
እዚ ጸገም ከምዘጋጥም ኣቐዲመ ብምግንዛብ፡ ኣገልግሎት ከይተኣጓጎል ቅድመ ምድላዉ ገይረ ግቡእ ስርሐይ ይውግን ኣለኹ ዝብል ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ፡ ካብ ስራሕ ተኣልዮም ዝጸንሑ ሰብ ሞያ ምቁጽጻር ትራፊክ ኣየር፣ ስልጠንኦም ዘይወድኡ ሓዊሱ፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት'ዉን ሰብ ሞያ ብምምጻእ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ይሕብር።
ናይ ሓደ ሽሕ ሚኢታዊት ወሰኽ መሃያ የድልየና'ዩ ብዝብል ንዘቕረብዎ ሕቶ፡ ግቡእ ምላሽ ኣይረኸብናን ብምባል ካብ ዝኣደሙ ሰራሕተኛታት፡ ፖሊስ ንገሊኦም ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ኣዉዒሉ ኣሎ። ንምንታይ?
"ኣብ ኣድማ ዝተሳተፉን፡ ኣየር ትራፊክ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ እናበሉ ብሚዲያታት ዝጽሕፉ ዘለዉ፡ ናብ ስራሕ ክንምለስ ኢና ንዝበሉ'ዉን ናብ ስራሕ ከይምለሱ ዝገብሩ ዘለዉ'ዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዉዒሎም'' ይብሉ ዳይሬክተር ጀነራል በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ኮሎኔል ወሰንየለህ ሁነኛዉ።
ንምንታይ ጸሓፉ ዘይኮነ፡ ዘየለ ነገር ምጽሓፍን ረብሓ ሃገር ኣሕሊፍካ ምሃብን ስለዝኾነ እዮም ዝተቐየዱ ዝብሉ ኮሌኔል ወሰንየለህ ሁነኛው፡ ንዓለም ለኻዊ በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝጎድእዎ ሓቢሮም።
''በዚ መገዲ ኣብ ልዕሊ ናይ ኢትዮጵያ ክሊ ኣየር ዝጥቀሙ ዓለም-ለኻዊ በረራታት፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሮም'ዮም። መብዛሕትኦም ግና ናብ ስራሕ ተመሊሶም'ዮም" ክብሉ እቲ ዘሎ ኩነታት ገሊፆምልና።
ናይ ህዝቢ ኣገልግሎት ዝህብ ሰራሕተኛ ስራሕ ጠጠዉ ናይ ምባል ኣድማ ክገብር ከምዘይኽእል ዝገለጹ ኮሎኔል ወሰን የለህ፡ እዞም ሰራሕተኛታት ዘቕረቡዎ ሕቶ ወሰኽ መሃያ ኣግባብ ድዩ ዝብል መንግስቲ ብሰብ ሞያ የጽንዖ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣገልግሎት ክተኣጓጎል ዝወሰድዎ ስጉምቲ ልክዕ ከምዘይኮነ ኣቐሚጦም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ሕጊ ዝኾኑ ኣይተ ኣሃዲ ደቆቦ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ኣብ ሕገመንግስቲ ኮነ ኣብ ኣዋጅ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝተደንገገ እዩ ይብሉ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ውሱናት ዓውድታት ስራሕ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ግን ብፍሉይ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ክገብሩ ከምዘይኽእሉ የረድኡ።
ንኣብነት ድማ፡ ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየርን ሆስፒታላትን ይጠቕሱ።
"እንተኾነ ግን፡ እዚ ኣዋጅ ኣብ ልዕሊ ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ኣየር ተፈፃሚ ክኸውን ኣይክእልን። እቲ ቤት ፅሕፈት ዝተጣየሸሉ ኣዋጅ ስቪል ኣቭየሽን 616/2001 ኣሎ። ስራሕተኛታት በዚ ኣዋጅ እዮም ዝመሓደሩ። ኣብዚ ኣዋጅ ኮነ ስዒቦም ኣብ ዝወፁ ኣዋጃት ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ኣየር ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ክገብሩ ከምዘይኽእሉ ዝደንገጎ ነገር የለን" ይብሉ።
ሰራሕተኛታት ምቁጽጻር ትራፊክ ኣየር ስራሕ ደዉ ናይ ምባል ኣድማ ከካይዱ ከለዉ መጀመርትኦም ኣይኮነን።
ከም ሓበሬታ ኮሎኔል ወሰንየለህ እንተድኣ ኮይኑ፡ እዚ ጸገም ካብ 1960ታት ዓ.ም ኣትሒዙ ዝመጽአ'ዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ስራሕ ደዉ ናይ ምባል ኣድማ ኣቐዲሙ ምድላዉ ዝተገበረሉ ብምንባሩ ኣብ ኣገልግሎት ዝተፈጠረ ጸገም የለን ኢሎም።
ኣይተ ኣሃዲ ደቆቦ፡ ነዞም ሰራሕተኛታት ከኽስሶም ዝኽእል ድንጋገ'ኸ ኣሎዶ? ንዝብል ሕቶና ነዚ ዝስዕብ ምላሽ ሂቦም።
"ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ገበን ዓንቀፅ 505 ናይ ምድሪ፣ ባሕርን ናይ ኣየር መጓዓዝያታትን ስሩዕ ኣሰራርሓ ብዝኾነ መገዲ ምትእጉጓል ገበን ምዃኑ የቐምጥ። ብዝኾነ መገዲ ዝብል ናይ ተግባር ኮነ ናይ ዘረባ ምትዕንቓፍ ዝሓውስ እዩ" ይብሉ።
እቶም በዓል ሞያ ሕጊ ከምዝብልዎ፡ ዓቃቢ ሕጊ እቶም ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ኣየር ነቲ ስሩዕ ናይ ኣየር መጓዓዝያ ኣተዓናቒፎምዎ'ዮም ኢሉ ብመረዳእታ ንቤት ፍርዲ እንተደኣኣእሚኑ፡ ክሳብ ማእሰርቲ 5 ዓመት ዝበፅሕ መቕፃዕቲ ዘስዕብ ከምዝኾነ ይዛረቡ።
እንተኾነ ግን፡ ናይቶም ሰራሕተኛታት ኣድማ ነቲ ስሩዕ ኣሰራርሓ ከምዘየተዓናቐፈን ነቲ ዝድለ ናይ ጠንቅን ሳዕቤንን ርክብ ከምዘይብሉን እንተደኣተኣሚኑ፣ ናይቶም ሰራሕተኛታት ተግባር ሓሳብካ ብናፅነት ካብ ምግላፅ ሓሊፉ ንመቕፃዕቲ ዘቃልዕ ወንጀል ከምዘይከውን እቶም በዓል ሞያ የረድኡ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንወጻእታት ተቓሊዑ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ናይ በረራታት ምድንጓይ ኣድላይ ንዘይኮነ ወጻእን ምንግልታዕ ዓማዊሉን ከምዝተቓልዐ ድማ ኣብቲ መገዲ ኣየር ሓላፊ ክፍሊ ምውፋር ሰራሕተኛታት በረራ ኣይተ ኣማኑኤል ሶፋሃኒ ገሊጹ።