ናይጀርያ፡ ኤም ቲ ኤን 2 ቢልዮን ዶላር ግብሪ ክኸፍል ተሓቲቱ

መውዓውዒ ኤም ቲ ኤን Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ኣብ ኣፈሪቃ ዝዓበየ ናይ ሞባይል ኩባንያ (ኤም ቲ ኤን) ብፋይናንሳዊ ጉዳያት ምስ ናይጀርያ ክሰሓሓብ'ዩ ጸኒሑ።

ናይጀርያ ንኤም ቲ ኤን (MTN) ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ግብሪ ክኸፍል ከምዝሓተተት እቲ ኩባንያ ኣፍሊጡ።

ኤም ቲ ኤን፡ ነዚ ኣሃዝ እዚ ብምንጻግ፡ እዚ ምስ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ዝነበረ ንጥፈታት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ብምሕባር፡ ብ 700 ሚልዮን ዶላር ተዳቒሱ ምንባሩ ኣፍሊጡ።

እዚ ካብ ናይጀርያ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ግብሪ ክፍሊት መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሞንጎ እታ ቀንዲ ማእከል ዕዳጋ ኤም ቲ ኤን (MTN) ዝኾነት ናይጀርያን፡ ኣብ ሞንጎ ኤም ቲ ኤንን ክካየድ ዝጸንሐ ምውጣጥ እዩ።

ኤም ቲ ኤን፡ ኣብ 2016 ንዘይተመዝገቡ መስመራት ተሌፎን ( ሲም ካርድ ) ንምዕጻው ዝገበሮ ፈተነ ስለዝፈሸሎ ንመንግስቲ ናይጀርያ 1.7 ቢልዮን ዶላር ክኸፈሎ ተሰማሚዑ ምንባሩ ይዝከር።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ማእከላይ ባንክ ናይጀርያ ነቲ ብመንገዲ እዛ ኩባንያ ካብ ናይጀርያ ብዘይሕጋዊ ምንገዲ ወጽዩ ዝበሎ 8 ቢልዮን ዶላር ናብ ናይጀርያ ክምለሰ ጠለብ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ።

እዚ ካብ ኣፈሪቃ ዝዓበየ ናይ ሞባይል ኩባንያ ከምዝበሎ፡ እዚ ብላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ናይጀርያ ዝተገብረ ምጽራይ"ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርት ዓመታት፡ ካብ ደገ ንነምጽኦም መሳርሕታት፡ ኣብ ደገ ንዘለዉ ኣቕረብቲ ዝፈጸምናዮ ክፍሊትን ምስኡ ሓዊስዎ ኣሎ" ኢሉ።

ብምውሳኽ "ኤም ቲ ኤን ናይጀርያ፡ ዝተሓተትናዮ ኩሉ ናይ ግብሪ ጉቡኣት ከፊልና ኢና" ይብል።

በዚ ቅልውላው፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፈሪቃ ዝመደበሩ ኤም ቲ ኤን፡ ኣብ ዕዳጋትተ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ርእይዎ ዘይፈልጥ ምንቁልቓል ዋጋ ብርኪ ብሰሉስ ከምዝተራኣዮ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ተወሳኺ ዛንታ