ብርቱዕ ህቦብላ ኣብ መላእ ጃፓን ዕንወት ኣኸቲሉ

ብህቦቡላ ዝተገልበጥት መኪና፡ ኦሳካ ጃፓን Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ንመኪና ክግልብጥ ሃይሊ ዝነበሮ ህቦቡላ

ህቦቡላ (ታይፑን) 'ጀቢ'፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንጃፖን ካብ ዘጋጠማ ህቦቡላ እቲ ዝኸፈአ ኮይኑ፡ ብሰንኪ እዚ 10 ሰባት ሞይቶም።

እዚ ህቦብላ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ጃፓን ዝያዳ ዕንውት ክፈጥር እንከሎ፡ ንኸተማታት ክዮቶን ኦሳካን'ውን ብኸቢድ ሃስይወን ኣሎ።

በረራታትን ጉዕዞ ናይ ባቡራትን ክስረዙ እንከለዉ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዓለማዊ መዓርፎ ነፍርቲ ኦሳካ ክዕቆቡ ተገዲዶም'ዮም።

እዚ ህቦብላ ንፋስ ናብ ሰሜን ጃፖን ገጹ ኣብ ዘበለሉ፡ ሰባት ካብ ዕልቕልቕን ምህማም መሬትን ክጥንቀቑ ተሓቢርዎም ኣሎ።

በዚ ህቦብላ፡ ኣብ ልዕሊ 300 ሰባት ማህሰይቲ ከምዝወረደ ውሃቢ ቃል መንገስቲ፡ ዮሺሂደ ሱዳ ሓቢሩ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰባት ሃዲኦም ክጸንሑ'ዩ ዝንገሮም ዘሎ

ክሳብ ሮቡዕ ንግሆ 1.2 ሚልዮን ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ተነጊርዎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኤጀንሲ መጥፋእቲ ሓውን ምክልኻል ዕንወትን፡ ልዕሊ 30,000 ሰባት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ቦታ ከምዝርከቡ ይሕብር።

Image copyright AFP
Image copyright EPA
Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ በዚ ማይ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ህቦቡላ ተደፊአን ኣብ ሓደ ዝተኣከባ መካይን
Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ህዮጎ ብብርቱዕ ንፋስ ተደፊኣ ኣብ ልዕሊ መከልከሊ ማዕበል ዝተሰቀለት መርከብ

በዚ ብርቱዕ ማይ ዝተሓወሶ ህቦቡላ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኣባይቲ ክጽሎ እንከሎ፡ ኣብዚ ተሃስዩ ዘሎ ኣከባቢ፡ ፋብሪካታትን ኣብያተ ትምህርትን ተዓጽዩ ኣሎ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናጎኣን ኦሳካን ኣስታት 800 በረራታት ተሰሪዞም እዮም።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካንሳእ መስመር መብርርቲ ነፈርቲ ብማይ የዕለቅሊቁ ይረአ

መዓርፎ ነፈርቲ ካንሳእ ብማይ ብምዕልቕላቑን፡ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘራኽብ ድልድል 'ውን ብመርከብ ብምህራሙን፡ ኣብቲ ማዓርፎ ነፈርቲ ኣጽሊሎም ዝነበሩ ኣስታት 3000 ገያሹ ብጃላቡ ናብ ካልእ ቦታ ከምዝግዕዙ ተገይሩ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ ድልድል ንመዓርፎ ነፈርቲ ካንሳይ ምስ ክልእ ክፋል ዘራኽብ እዩ ነይሩ።
Image copyright Kyodo/via Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ብህቦብላ ንፋስ ዝተላዓለ ብርቱዕ ማዕብል ናብ ደንደን እናተጋጨወ