ሊብያ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕ ምቁራጽ ተኵሲ ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ

ተወንጫፊ ኣብ መዕቆቢ ዝተመዛበሉ ሰባት ብምዕላቡ፡ ኣብ ትሩፑሊ ዝራ ትኩ 2 መስከረም 2018

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ በዚ ኵናት ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከልዉ ብዓሰርተታት ዝቁጸሩ ክኣ ሞይቶም

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰ-ከተማ ትሩቡሊ፡ሊብያ ክዋግኡ ዝቐነዩ ተጻይ (ተጻረርቲ) ዕጡቓት ሚሊሻ ናይ ተኹሲ ምቁራጽ ስምምዕ ከምዝገበሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ኲናት ብውሕዱ 47 ሰባት ክቕተሉ ከለው 1,800 ስድራቤታት ድማ ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ካብ ቤት ንብርቶም ከምዝተመዛበሉ ገለ ሰበስልጣናት ገሊጾም።

ገለ ሃገራት ምዕራብ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ተኹሲ ምቁራጽ ስምምዕ ተገይሩ ከምዝነበረ ገሊጸን ነይረን፡ እንተኾነ`ቲ ስምምዕ ንሒደት ሰዓታት ጥራይ ኢዩ ኣብ ግብሪ ውዒሉ።

እቲ ንማለቱ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ ንርእሰ-ከተማ ትሩቡሊ ጥራይ ኢዩ ዝቆጻጸር፡ እቲ ዝተረፈ ክፋል ናይታ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ሚሊሻ ኢዩ።

ሎሚ ብሓልዮት ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፡ ጋሳን ሳላመ፡ ኣብ መንጎ ተጻይ ሓይልታት ዝተኸተመ ናይ ተኹሲ ምቁራጽ ስምምዕ፡ ተጻብኦታት ደው ክብል፡ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ክሕሎን ናይ መንግስትን ናይ ውልቀ-ሰባትን ንብረት ክሕሎን ዘጠቓልል ክብል ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ገሊጹ።

እቲ ተኸቲሙ ዘሎ ናይ ተኹሲ ምቁራጽ ስምምዕ፡ እቲ ብሰንኪ እቲ ጎነጽ ካብ 31 ነሓሰ ተዓጽዮ ዝጸንሐ ኣብታ ርእሰ-ከተማ ዝርከብ እንኮ መዓልቦ ነፈርቲ ምኽፋት`ውን የጠቓልል።

እቲ ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ ``ንኹሉ ኣብታ ርእሰ-ከተማ ዘሎ ናይ ጸጥታ ሽግራት ክፈትሕ ዝዓለመ ኣይኮነን፡ ኣብ መጻኢ ግና ንኸምኡ ዝኣመሰለ ጉዳያት ክምልከት ዝጠልብ ስምምዕ ኢዩ ነይሩ`` ኢሉ እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ኣብ ሊብያ።

ኣብቲ ዝርርብ፡ ወተሃደራዊ መኮንናት፡ ኣብ ከባቢ ርእሰ-ከተማ ትሪቡሊ ዝርከቡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ዕጡቓት ሓይልታትን ወከልቲ ናይቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያን ተረኺቦም።

እዚ ንሳልሳይ ግዜ ዝተኻየደ ናይ ተኹሲ ምቁራጽ ስምምዕ ኣብ ከተማ ትሩቡሊ ጎነጽ ደው ንምባል ዝዓለም ኢዩ፡ እተን ቅድሚ ሕጂ ዝተፈተና ናይ ተኹሲ ምቅራጽ ስምምዓት ሽዑን-ሽዕን ኢየን ተጣሒሰን።

እዚ ናይ ሕጂ ስምምዕ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ኢዩ ተኸቲሙ።

ጌና ፍታሕ ዘናድዩ ጉዳያት ኣለው

ራና ጃዋድ፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርከብ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ከምዝበሎ፡ እንተድኣ እዚ ናይ ሕጂ ናይ ተኹሲ ምቁራጽ ስምምዕ ተተግቢሩ፡ ግዝያዊ ፍታሕ ጥራይ ኢዩ ከምጽእ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ከተማ ትሩቡሊ ዝርአ ዘሎ ጎንጺ ኣብ ምምሕዳርን ትካላዊ ጉዳያትን ዝተሰረት ስለዝኾነ ንምፍትሑ ዓመታት ዝወስድ ጉዳይ ኢዩ።

ንኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ድማ ምፍታሕ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ጎነጽን ህውከትን ንህላወ ናይቲ ዘቖምዎ መንግስቲ ኣብ ምርግጋጽን እቶም ካብ 2014 ጀሚሮም ዝወጹ ወከልቲ ካልኦት ሃገራት ኣብ ምምላስ ክሕግዝ ይትስፈው።

እንተኾነ፡ እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ መግዝኢ ግዜ ኢዮም ክጥቀምሉ።

"ተኣፋፊ" ኩነታት

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ,

እቲ ካብ ኩሎም ዝትኮስ ዘሎ ተወንጨፊ ንኹሊ ኣብ ስግኣት ዘጥሓለ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ህውከት ንኣሽሓት ሰባት ናብተን ኣብ ጥቕኦም ዝርከባ ከተማታት ክሃድሙን ጸግዒ ክሓቱን ከገድዶም ከሎ ብዙሓት ድማ ኣብ ውሽጢ ገዛውቶም ተዓጊቶም ይርከቡ።

ሓደ ካብ ርእሰ-ከተማ ትሪፖሊ ንደቡብ ገጽ ዝርከብ ዕጡቕ ጉጅለ ሚሊሻ ምስ ሓደ ነቲ መንግስቲ ዝድግፍ ዕጡቕ ሚሊሻ ኲናት ምስከፈተ ኢዩ እዚ ናይ ሕጂ ጎነጽ ዝተኸሰተ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ተዓጊቶም ዝጸንሑ ኣማኢት ስደተኛታት ናብ ካልእ መቐየዲ ቦታ ተወሲዶም ኣለው።

ድሕሪ`ቲ ንዓመታት ንሊብያ ዝመርሐ ኮሎኔል ሙዓመር ቓዳፊ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ካብ ስልጣኑ ምስተዓልወ፡ ሊብያ ሰላም ሓሪሙዋ ጸኒሑ ኣሎ።