ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን ስሉሳዊ ዘተ ክገብራ እየን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን Image copyright YEMANE GEBREMESKEL
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብዚ ቀረባ እዋን'የን ምስ ኤርትራ ዘለወን ዝምድና ኣመሓይሸን

መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልየን ኣብ ኣስመራ ስሉሳዊ ዋዕላ ከካይዱ ምዃኖምን፡ ድሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኤርትራ ኣትዩ'ሎ። ፕረዚደንት ሶማል'ውን ሎሚ ኣብ ኣስመራ ክኣቱ ትጽቢት ትጽቢት ከም ይግበረሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ንጉሆ ናብ ዓሰብ ድሕሪ ምእታዉ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣስመራ ኣትዩ።

ንሱ ንክልተ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ክፀንሕ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ በይጂንግ ክካየድ ካብ ዝቐነየ ዋዕላ ኣፍሪቃ-ቻይና ክምለስ እንከሎ እዩ ናብ ኤርትራ ኣምሪሑ ዘሎ።

ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዓሰብ እንትበፅሕ፡ ብፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሉ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

Image copyright YEMANE GEBREMESKEL

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ነቲ ሓምለ 9 ክልትኤን ሃገራት ዝገበረኦ ስምምዕ ንምግምጋምን ንምቅልጣፍን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሰፊሕ ዘተ ከምዝገብር ኣቶ የማነ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ከምዝበሎ፡ ፕረዚደንት ሃገረ ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ እውን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ስሉሳዊ ዘተ ንምግባር ሎሚ ኣማስይኡ ናብ ኤርትራ ክኣቱ እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ብኢትዮጵያ እትውነን 'መቐለ' እተሰምየት ናይ ጽዕነት መርከብ ድሕሪ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ባጽዕ መልሕቓ ደርብያ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኢትዮጵያ ንወደባት ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምጥቃም ክትጅምር ትጽቢት ይግበር

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ወደባት ኤርትራ ንኽትጥቀም ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ ዝበጽሕዎ ስምምዕ እዩ።

እዚ ነታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ እቲ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ኣብ ወደባት ኤርትራ መርከብ ክትዕሽግ ሎሚ ናይ መጀመርታ እዩ።