ግጥም ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዓስ'ዩ ክካየድ?

ኣርማታት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ, ENFF and EFF

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓምለ ናይ ኢትዮጵያ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ፋሲል ከነማ ምስ ኤርትራዊት ጋንታ ምሕዝነታዊ ጸወታ ንክትገብር ናብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ሕቶ ምቕራቡ ዝዝከር'ዩ።

ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ነዚ ዕድመ ተቐቢሉ፡ ኣብ ቀረባ ድማ ግጥም ክግበር ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።

እዚ ካብ ዝበሃል፡ ክልተ ኣዋርሕ እኳ እንተሓለፈ እቲ ጸወታ ኣይተኻየደን ዘሎ።

ቢቢሲ ትግርኛ ንፕረሲደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብርሃም ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓተተሉ፡ ምርጫ ናይ ሃገራውያን ፈደሬሽናት ዶንጉዩ ስለዝተኻየደ፡ ብኡ መሰረት ክኣ ክካየድ ዝግብኦ ዝነበረ ናይ ኤርትራ ዞባዊ ሊግ ዶንጉዩ ስለዝጀመረ፡ ነብሲ ወከፍ ዞባ ክኣ ኣብዚ ዞባዊ ሊግ ውድድራት ተጸሚደን ክምዘለዋ ሓቢሩ።

"እዚ ዞባዊ ሊግ ክኣ ከም ሃገራዊ መደብ ተታሒዙ ስለዝጸንሐ ኣብ ሞንጎ ኣቋሪጽካ ካልእ ነዚ ውድድር እዚ ንምእንጋድ ምቹኡነት ዘይፈጥር ስለዝኾነ ነዚ ምስ ወዳእናን ምድላዋትና ምስ ኣጻፈፍናን ንዝኾነ ይኹን ውድድር ቅሩባት ኣለና" ክብል ኣቶ ኢሳይያስ ኣብርሃም ሓጺር ቃል ሂቡ ።

እዚ ብክለብ ኩዕሶ እግሪ ፋሲል ከነማ ዝቐረበ ሕቶ፡ ብልክዕ ኣብዚ ምዓልትን ኣብዚ ሰዓትን ክካየድ እዩ ኢሉ ክዛረብ ከምዘጸግሞ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብርሃም ወሲኹ ሓቢሩ።

"እዚ ዞባዊ ሊግ ናይ ኤርትራ፡ ኣብ ገሊኤን ዞባታት ኣብዚ ዝመጽእ ክልተ ሰለስተ ሳምንቲ ክውዳእ'ዩ፡ ኣብ ገሊኡ ክኣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ይውዳእ ስለዘሎ፡ እዚ ምስ ተወደአ ነዚ ምሕዝነታዊ ውድድር ንምክያድ ብዙሕ ከምዘየጸግም ክሕብር ይፈቱ" ኢሉ።

ምስ ሓለፍቲ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ታንዛንያ ከም ዝተራኸቡን ዝገለጸ፡ ፕረሲደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብርሃም፡ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ፋሲል ከነማ እትገጥም ክለብ ኤርትራ መን ምዃና ምስ ተሓተተ ኣቐዲሙ ክካየድ ዘለዎ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ግጥም ከም ዝኾነን ነዚ ቀዳምነት ተዋሂቡ ይስራሓሉ ከምዘሎን ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ ብደረጃ ክለባ ኣብ ዝግበር ግጥም ብወገን ኤርትራ "ኣየነይቲ ጋንታ ከምትገጥም ብሕጂ ዝረአ'እዩ ክኸውን" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።