ኢትዮ-ኤርትራ፡ ታሪኻዊት መርከብ "መቐለ"፡ ኣብ ወደብ ምጽዋዕ

መርከብ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, Hon Affairs

መቐለ ዝብል ስያመ ዘለዋ መርከብ ንግዲ ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ተራእያ። እዛ መርከብ ንግዲ፡ ሃገራት ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ዘቕረብኦ ምህርቲ ኮፐርን 11 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ዚንክን ጽዒና ናብ ቻይና ክተብጽሕ'ያ።

እዚ ድሕሪ 20 ዓመት ዝጀመረ ኣገልግሎት ወደብ፡ ንወደብ ኣልባ ኢትዮጵያ ሓድሽ መማረጺ ተጠቃምነት ወደብ ዝኸፍተላ'ዩ ይበሃል።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኣታዉን ወጻእን ንግዲ ኢትዮጵያ ንከገልግል ድልዊ ኾይኑ ዝተብሃለ ወደብ ምጽዋዕ፡ ኣብ ቀረባ ዝተጀመረ ሓድሽ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዚያዳ ዘጠናኽርን ዝሓሸ ቑጠባዊ እቶት ዘምጽእን ክኸዉን ተስፋ ተገይርሉ ኣሎ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣገልግሎት ሎጀስቲክስ ባሕርን ኢትዮጵያ ኣቶ ሮባ መገርሳ፡ መራኽብ ንግዲ ኢትዮጵያ ብመርበብ ሰገር-ዶብ ኣገልግሎት ከምዝህባ ብምግላጽ፡ እታ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ዝተርኣየት መርከብ ድማ ፈላማይ ናይ ንግዲ ጉዕዞ ናብ ቻይና ከምእትገብር ኣብሪሆም።

"መራኽብና፡ ኣገልግሎት ምጉዕዓዝ ኣቕሓ ይህባ'የን። ብዚ መሰረት፡ ካብ ኤርትራ ናብ ቻይና ሰደድ ዝግበር ጽዕነት፡ ዓዳግን ሸያጥን ዘጎዓዕዘሎም ኣብ ዝደልይሉ እዋን፡ ናትና መራኽብ ተጫሪተን ኣብቲ ማዕቀፍ ኣገልግሎት ኣትየን ኣለዋ። ሎሚ ንግሆ ድማ መርከብና ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ዕዮ ተዋሂቡዋ ስራሕ ጀሚራ ኣላ። እቲ ጉዕዞ ድሕሪ 20 ዓመት ንፈለማ እዋን ዝተገበረ ብምዃኑ ፋይድኡ ልዑል'ዩ"

ብኣንጻር ግዘን ገንዘብን ንኢትዮጵያ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ወደብ ክመዝኾነ ዝንገረሉ ወደብ ምጽዋዕ፡ ዝተማልአ ሎጀስቲክስ ከምዘለዎ ይግለጽ። ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ንእተካይዶ 95 ሚኢታዊት ንግዲ ኣታዉን ወጻእን ወደባት ጅቡቲ እናተጠቐመት'ኳ እንተጸንሐት ሕዚ ወደባት ኤርትራ'ዉን ኣማራጺ ገይራ ክትጥቀም'ያ።

ኣቶ ሮባ ድማ እዚ ሓቂ እዮም ዘረጋግፁ።

"ናይ ወደብ ኣገልግሎት መዋጻኣይን ቐረባን ርኢኻ፡ ኩል ግዘ ኣማራጽን ተወሳኺ ዓቕምን ሒዝኻ ምኻድ ኣብ ትልሚ ዕብየትን ዝላን ኢትዮጵያ ዝተቐመጠ'ዩ። እዚ ብምግባርና ጅቡታዉያን ተወዳደርቲ ክኾኑ'ዩ ዝገብሮም። ንቑጠባ ኢትዮጵያ ድማ ተወሳኺ ዓቕሚ'ዩ ዝፈጥር። ኣብ ወዳባት ጅቡቲ ብሓባር ኢንቨስት ስለዝገበርና ጽቡቓት ወደባት ስለዘለዉዎም ንጥቀመሉ ኢና ዘለና" ብምባል።

ብቐጻልነት ኣብ ዝህልዉ ምንቅስቓሳት፡ ትካል መርከብ ንግዲ ኢትዮጵኣ ዝሓሸ ኣታዊ ክረክብን ጽቡቕ ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝቢ ክፈጥርን ከምዝሕግዙዎ ዝገልጹ ኣቶ ሮባ መገርሳ፡ ስሩዕ ምልልስ እንትጅመር፡ በብወርሑ 800 ሽሕ ዶላር ኣታዊ ክርከብ ከምዝኽእል ኣመልኪቶም።

"እቲ ምልልስ ስሩዕ ክኸዉን ጻዕሪ ክንገብር ኢና። ካብ ኤርትራ ሰደድ ዝግበር መኣድን ከምዘሎ ኢና ንፈልጥ። ናይ ኤርትራ ወደብ ድማ፡ ዘተኣማምንን ብሉጽን'ዩ። ኣብ ትሕቲ 24 ሰዓት ናይ ሰለስተ መዓልቲ ስራሕ ምዉጋን ዝኽእሉ መሽናት ኣለዉዎ። ጽቡቕ ናይ ስራሕ ባህሊ ዘለዎም'ዉን'ዮም። ስለዝኾነ፡ ብቐጻሊ ተወዳዳሪ ኣገልግሎት እናሃብና፡ በብወርሑ ናብ 800 ሽሕ ዶላር ኣታዊ ክንረኽብ ክሕግዘና'ዩ"

ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ 1998 ናብ ዶባዊ ኵናት ቅድሚ ምእታወን፡ ወደብ ምጽዋዕ ቀንዲ በሪ ነግዲ ኣታዉን ወጻእን ኢትዮጵያ ኾይኑ የገልግል ምንባሩ ዝፍለጥ'ዩ።

ወደባት ምጽዋዕን ዓሰብን ካብ ጅቡቲ ሓሊፉ፡ ብቐጻልነት ኢትዮጵያ ክትጥቀመሎም እትኽእል መማረጺ ወዳባት'ዮም።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገብረ ዕርቀ ሰላም፡ ብቐንዱ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ርክባት ህብታት ናብ ንቡር ክምልስ እዩ ዝብል ተስፋ ዝሰነቐ ነይሩ።

ይኹን'ምበር ኣብ ከባብታት ዶብ ዝርከቡ ክልቲኦም ኣሓት ህዝብታት ንክራኸቡ ዛጊድ ዝግበሩ ፃዕሪታት ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ፡ ክሰናኸል ይግበር ከምዘሎ ይዝረብ።

ድሕሪ ዒስራ ዓመታት ንመጀመርታ እዋን ሎሚ ኣብ ምፅዋዕ ዝተርኣያት እዛ ታሪኻዊት መርከብ፡ 'መቀሌ' ዝብል ተቐባልነት ዘይብሉ ስያመኣ ተወጊዱ፡ "መቐለ" ዝብለ ግቡእ ስያመ ዝረኸበት፤ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብግዱሳት ተጋሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝተገብረ ጎስጓስ ምዃኑ ዝዝከር'ዩ።