ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣስመራ ዳግማይ ዝተኸፈተ ኢምባሲ ርክብ ኣሕዋት ህዝብታት ንምጥንኻር ክሰርሕ'ዩ

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ዋፃኢ ኣይተ መለስ ኣለም ንቢቢሲ

ከም ብሓድሽ ዳግማይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኸፈተ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ቀንዲ ስራሕቱ፡ ንዝሓለፉ 20 ኣመታት ተቛሪፁ ዝነበረ ርክብ ናብ ንቡር ክምለስ ምግባርን ርክብ ክልቲኦም አሕዋት ህዝብታት ምጥንካርን ከምዝኾነ፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ዋፃኢ ኣይተ መለስ ኣለም ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊፆም።

ሎሚ ናብ ሃገሩ ዝተመለሰ፡ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝመራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ግዚኡ ናብ ኤርትራ ኣምሪሑ፤ ባፅዕ፡ ምፅዋዕን አስመራን በፂሑ። እቶም ቅድም ክብል ዝተፈረሙ ስምምዓት ናብ መሬት ዝወርድሉ ኩነታት ድማ ዘትዩ።

መንግስቲ ሶማል ሓዊሱ፡ ስሉሳዊ ዘተ ተካይዱ፡ ኣብ ፀጥታን ድሕነትን እቲ ዞባ ዝምልከት ድማ ሓበራዊ ውዕል ተፈሪሙ።

ካብ ኩሉ ንልዓሊ ግና ናይ ብዙሓት ትኹረት ዝሰሓበ ኣብ ኣስመራ ዳግማይ ዝተኸፍተ ኢምባሲ ኢትዮጵያ እዩ።

ኣይተ መለስ እዚ ብዝምልከት፡ "ናይቲ ኢምባሲ ቀንዲ ዋኒን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ተቛሪፁ ዝነበረ ሕውነታዊ ርክብ ክጠናኸርን፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓደ ቤተሰብ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ርክባት ናብ ቦትኡ ክምለስን ምግባር እዩ። ከምኡ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ዝመኸነ ዕድል ምኽሓስ እዩ ክኸውን" ኢሎም።

ቅድም ክብል፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈረመ ስምምዕ ሓሙሽተ መሰረታዊ ዛዕባታት ዘካተተ እንትኸውን፡ ሓደ መሰረታዊ ጉዳይ ርክብ ህዝብታት ናብ ንቡር ምምላስን ንግዳዊ ምትእስሳራት ምጥንካርን ከምዝኾነ ዝዝከር እዩ።

በቐዳምነት ኣብ መንጎ ክልቶአን ሃገራት ኲናት ብወግዒ (ብዕሊ) ጠጠው ክብል ዝተኣወጀ እንትኸውን፡ ዲፕሎማስኣዊ ርክባት ምጅማር ዝብል ተግባራዊ ኾይኑ፡ ብላዕለዎት መራሕቲ ሃገራት ዝምርሑ ልኡኻት መንግሰቲ ናብ አስመራን ኣዲስአበባን ምምልላሶም ዝዝከር እዩ።

"ጌጋ ርእይቶ እዩ"

ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ወርሒ ሰነ ብይን ኮሚሽን ኢትዮ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ምቕባሉ ስዒቡ፡ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ርክባት መንግስቲ ዝተባባዕ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ መሬት እቶም አሓት ህዝብታት ንክራኸቡን እቲ ዶብ ንክኽፈትን ዝተገበረ ፃዕሪ ውሑድ እዩ ዝብል ነቐፌታታት ይስማዕ።

እቶም ሓላፊ ግና፡ "እቲ ርክብ ሰማይ ሰማይ ኮይኑ ዝብል ጌጋ ርእይቶ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ርክብ ናብ መሬት ዝወረደን ህዝቢ ማእኸል ዝገበረን እዩ። ንኣብነት ርክባት ቴሌኮምኒኬሽን ስድራ ንስደራ እዩ ዘራኽብ ዘሎ። ንዘመናት ተፈላለዮም ዝነበሩ ከረን፡ ኣስመራ ዘለዉ ምስ ኣዲስ አባበ፡ ጎንደር ናዝሬት ዘለዉ እዩ ዘራኽብ ዘሎ" ኢሎም።

ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ አስመራን ኣዲስ አበባን ዝተጀመረ በረራ ንዘመናት ርክቦም ተበታቲኹ ዝፀንሑ ቤተሰባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክራኸቡ ዕድል ዝኸፈተ ምዃኑ ከም መረዳእታ ኣቕሪቦም።

ኣብ ቀረባ እዋን ብፍላይ መቐለ ዝተሰየመት መርከብ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ምፅዋዕ ተርእያ ስራሕ ምጅማራ፡ አዘኻኺሮም እዚ ህዝቢ ንህዝቢ ሸቐጥ ክለዋወጥን ዕዳጋ ክገብርንዶ ኣየኽእሎን እዩ ይብሉ፡ እቲ ርክብ ኣብ መሬት ወሪዱ እዩ ዝብል ቅዋሞም ንምርዳእ።

ይኹን'ምበር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግንባራት ዶባት ትግራይን ኤርትራን ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብታት ራማ-መረብን ዛላምበሳን ህዝቢ ንህዝቢ ክራኸቡ ዝተገብሩ ፃዕርታት ብኤርትራ ወገን ክሰናኸሉ ምግባሮም ዝዘከር እንትኸውን፡ እዚ ብዝምልከት ሕቶ ኣቕሪብናሎም ነይርና።

ንግዚኡ እቶም መራኸብቲ መንገድታት ፅገና እናተገበረሎምን፡ ህንፀት እናተኻየደን ምዃኑ ሓቢሮም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ህዝቢ ንህዝቢ ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ግዙኡ ገና ምዃኑ ገሊፆም።

"ኣብ ዶብ አከባቢ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ይርደአኒ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝግበሩ ዘለዉ ስራሕቲ ንምዝራብ ግዚኡ ኣይኮነን። ይኹን'ምበር ኣብ መንጎ ከልቲአኖም ህዝብታት ዝባኸኑ ዓመታት ንምክሕሓስ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተወገኑ እዮም" ኢሎም።

"ንዒስራ ዓመታት ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ዝነበረ ኩነታት ብሓደ ግዘ ናብ ዝነበሮ ክምለስ እዩ ኢልካ ኣይግመትን። ናይ ትማሊ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዑደት፡ ከምኡ ድማ ኢምባሲ ምኽፋቱ ቀስ ብቐስ እቲ ስምምዕ ናብ ተግባር ይትርጎም ከምዘሎ እዩ ዘርኢ" ኢሎም፡ ናይቲ ኣብ ኣስመራ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ምኽፋት ድማ ነዚ ዘፋጥን ከምዝኾነ ብምዝራብ።

"ቀዳማይ ነገር ሃንደበት ዝተገብረን ትፅቢት ዘይተገበረሉን ውሳነ እዩ። ካልኣይ ድማ፡ እቲ ርክብ ናይ ሕድሕድ ኢትዯጵያዊያን ኤርትራውንን ዜጋታት ህይወት ዝትንክፍ እናኾነ እዩ" ብምባል ፡ እቲ ሰማይ ሰማይ እዩ ዝብለ ርእይቶ ተቐባልነት የብሉን ይብሉ።