ሓጸርቲ ዜናታት ሮቡዕ ምሸት

ኢቦላ Image copyright Getty Images

ሓጸርቲ ኣህጉራዉን ዓለመዉን ዜናታት እዚ ዕለት።

  • እስላማዊ ጉጅል ኣልሸባብ ኣብ ማእከላይ ዞባ ጋልጋዱግ 69 ኣብይቲ ዓዲ ከም ዝጨወየ ሰበስልጣን ሶማል ኣፍሊጦም። ኣልሸባብ ነዚ ዝገበረ፤ እዞም ዓበይቲ ዓዲ ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሓሙሸተ ተቐናቐንቲ ዝተኻየደ ቅትለት ሙሉእ ካሕሳ ክህቡ ብዘይምኽኣሎም ምኻኑ ገሊጹ። እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኣረጋውያን ዓዲ ግን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ዝውዳእ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ክኸፍሉ ተሰማሚዖም ኔሮም'ዮም።
  • ኣኽበርቲ ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ልዕሊ ኣባል ስለያ ሩስያ ነበር ሰርገይ ስክሪፓልን ጓሉ ዩልያን ፈተነ ቅትለት ዘካየዱ ጥርጡራት ንምፍራዶም እኹል መርትዖ ከምዝረኸቡ ገሊጾም። እዞም ኖቪቾክ ዝተባህለ ኣብ ሕብረት ሶቪየት ነበር ዝማዕበለ መርዚ ኣብ ኣፈደገ መነበሪ ስክሪፓል ብምንስናስ ንምቕታሉ ዝፈተኑ ሩስያውያን ንምርካብ ህዝቢ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ክትሓባበር ሓላፊ ክፍሊ ኣንጻር-ግብረሽበራ ኒል ባሱ ተማሕጺኑ።
  • ኣብ'ታ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ምብራቓዊት ከተማ ሙቶምቦ ሕማም ኢቦላ ምቕልቓሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ዲሞክራሲያዊት ኮንጎ ኣፍሊጡ። ኣብ'ዛ ምስ ኡጋንዳ ጥቡቕ ናይ ንግዲ ርክብ ዘለዋ ከተማ፤ ብብዝሒ ዕጡቓት ዝርከብዋ ብምዃኖም ንምቁጽጻር እዚ ሕማም ኣጸጋሚ ምኻኑ እቲ ሚኒሰትሪ ብተወሳኺ ሓቢሩ።
  • ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ፡ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ዓለማዊ መራኸቢ ቴሌቪዢን ቻይና ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ዜጋታት ቻይናን ካልኦትን ዝርከብዎም ሰራሕተኛታት ኣሲሮም። እዚ ድማ ምቐጸልታ ናይ'ቲ መንግስቲ ኬንያ ንዝይሕጋውያን ስደተኛታትን ሰራሕተኛታትን ንምቁጽጻር ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ምዃኑ ተፈሊጡ።
  • ፖሊስ ጥልያን ምስ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንዝተፈጸመ ዓመጽን ማህረምትን ብዝተተሓሓዘ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ሸውዓተ ጥርጡራት ኣሲሩ።
  • እቶም ሹድሽተ ትሕቲ ዕድመ ግዳያት ጋምብያውያን ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ፓርለሞ ሲሲሊ ናብ ቦትኦም እናተመለሱ እንከለው'ዩ ንዝጉዓዙላ ዝነበረት ማኪና ደው ንምባል ብሻፎ ኣባትርን ሓጻውንን መጥቃዕቲ ተፈጺምዎም።
  • ኣሎፐሲያስ ፋሺን ዝተባህለ ወፍሪ፤ ምምላጥ ጸጉሪ ኣብ ስነ-ጽባቐ ዓለም ተቐባልነት ክህልዎ ብዝብል ዓላማ ሓድሽ ምንቅስቓስ ጀሚሩ። እቲ ውፍሪ፡ ብዘይ ጸጉሪ ሞዴል ንህዝቢ ንምልምማድን ከምኡ'ውን ጸጉሮም ንዝተመለጡ ኣቕረብቲ ስነ-ጽባቐ ንምትብባዕን ዘዓለመ'ዩ።
  • ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበር ሬቸል ሆግስ፤ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ብሕማም መንሽሮ ጡብ ክትሳቐ ድሕሪ ምጽናሕን፤ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ " ተሪፈናኒ ዘለዋ መዋእል ናይ መዓልታት ምዃነን ብሓካይም ምስተነገረኒ ሕልሚ ኮዩኑ 'ዩ ተሰሚዑኒ" ኢላ ኣብ ትዊተር ድሕሪ ምጽሓፋ ሎሚ ንጉሆ ከም ዝዓረፈት ቤተሰባ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ሬቼል ከም ጋዜጥኛ ቢቢሲ ን15 ዓመታት ዝሰርሐትን ዝተፍላለዩ ምስ መንሸሮ ዝተሓሓዙ መደባት ብምቕራብ ሽልማት ረኺባ'ያ።

ተወሳኺ ዛንታ