ኡጓንዳ "ካብ ዓለም ንቑሓት ዜጋታት ዘለዉዋ ሃገር" ተባሂላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሽክለታ ምዝዋር ሓደ ካብቱ ንብቅዓትካ ዝሕሉ ኣገባብ'ዩ
ኣብ 168 ሃገራት ዝተገበረ መጽናዕቲ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ኡጓንዳውያን እቶም ንቑሓት ምዃኖም ኣረጋጊጹ።
እዚ መጽናዕቲ፡ ኣብ መዲካል ጆርናል ዝተሓተመ ኮይኑ፡ ጉድለት ኣካላዊ ምንቅስቃስ ኣብ ጥዕና ዝፈጥሮም ጸገማት ኣቶኪሩ ዝተገበረ እዩ።
ካብ ጠቅላላ ህዝቢ ኡጓንዳ 5.5 ሚእታዊት ጥራይ እኹል ኣካላዊ ምንቅስቃስ ከምዘይገብሩ እዚ መጽናዕቲ የረድእ።
እዚ መጽናዕቲ ከምዝበሎ፡ ኣብ ሰሙን 150 ደቃይቕ ፎኲስ ምልህላህ ዝፈጥር ማእከላይ ምንቅስቓስ፡ 75 ደቓይቕ ብርቱዕ ምልህላህ ዝፈጥር ተሪር ምንቅስቓስ እኹል ምዃኑ እዩ ዝሕብር።
ኵየታውያን ኣብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እቶም ዝዛሕተሉ ኮይኖም ኣብዚ መዝገብ ሰፊሮም ኣለው፡ 67 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኵየት ኣብ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ዝሕቱላት ምዃኖም እዚ መጽናዕቲ ይሕብር።
ካብ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ዝርከባ ሃገራት ሞሪታንያ ኣብ ድሕሪት ክትስራዕ እንከላ፡ 41.3 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ኣብ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ዝሕቱላት ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓረስቶት ኡጓንዳ ኣብ ግራውቶም ብዙሕ'ዮም ዝሃልኩ
ኣብ ገጠራት ኡጋንዳ ዝነብሩ ሓረስቶት፡ መብዛሕትኦም ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ዝተጸምዱ ኮይኖም፡ ግራውቶም ኣብ ምድልዳልን ካልእ ምስ ሕርሻ ዝታኣሳሰሩ ንጥፈታትን ኣብ ምክያድ ወትሩ ጽሙዳት ምዃኖም ጋዜጤኛ ቢቢሲ ፓትሪስ ኣቱዋረ ይሕብር።
እንተኾነ ይብል ፓትሪስ፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ዝነብሩ ኡጋንዳውያን ብፍላይ ቅሩብ እንተሃብቲሞም ኮፍ ኢላካ ምብላዕ ከምዝብረሆም ይሕብር።