ኣብ ባቡር ጠጠው ኢላ ከተጥብው ዝተገደደት ኣደ

ኬት ሂቸንስ

ምንጪ ስእሊ, Instagram/Hitchens' Kitchen BLW Club

መግለጺ ስእሊ,

ኣደ ክልተ ቆልዑ ኬት ሂቸንስ፡ ኣብ ባቡር ደው ኢላ ውላዳ ከተጥብው ተገዲዳ

እዛ ኬት ሂቸንስ እተብሃለት ኣደ፡ ኣብ ባቡር ምስኣ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰባት ወንበር ሰለዘይገደፉላ፡ ተፀጊማ ደው ኣብዝበለትሉ ንውላዳ ክተጥብው ከምዝተገደደት ትዛረብ።

ኬት ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ካብ ለንደን ናብ ዊክፎርድ ዝርከብ ቤታ ክትምለስ እንከላ እዚ ኣጋጢሙዋ።

ምስኣ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰባት ንወዲ ሽድሽተ ወርሒ ውላዳ ተጥብው ከምዘላ እኳ እንተረኣይዋ፡ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ናይ 35 ደቒቕ ጉዕዞ ክሕግዝዋ ከመዘይደለዩ ትዛረብ።

እዛ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፅሑፋታ እተስፍርን ኣደ ክልተ ቆልዑን ኬት፡ ሰባት ፀጊምዎም ክንርኢ ከለና "ሕያዎት" ክንከውን ይግባእ ኢላ።

ሓሪቓ ኣብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ኣብ ዘስፈረቶም ፅሑፋት፡ ወንበር ግደፉለይ ኢላ ክትሓትት ትኽእል ከምዝነበረት፡ ግን ከኣ "ክትሓትት ግድን ከምዘይኮነ" ተዛሪባ።

"ውሪሕሪሕን ቁፅይፅይን ዝብል ህፃን ቆልዓ ዝሓዘት ኣደ፡ እሞ ድማ ኣብ እትንቀሳቐስ ዘላ ባቡር ደው ኢላ ክተጥብውሲ፡ እንታይ ዓይነት ግዜ ኢና በፂሕና ዘለና?" ኢላ።

ንወዳ ደው ኢላ ክተጥብው ከምዝተፀገመት ዝረኣዩ ሰባት መንበር ክገድፉላ ዘይምኽኣሎም ኣሕሪቕዋ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Hitchens' Kitchen

ጠጠው ኢላ ክተጥብው እንከላ፡ ኣስጢማ እትሕዞ ዝሓሸ ነገር ዘይምርካባ ውላዳ ይሕዎን ከምዝነበረ 'ውን ተዛሪባ።