ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ንዝነበረ ኤምባሲኣ ዳግማይ ከፊታቶ

ኣስመራ

ኢትዮጵያ ድሕሪ ኵናት ክልቲኤን ሃገራት ዝተዓፀወ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ሎሚ ብዕሊ መሊሳ ከፊታቶ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቅን፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ብምስቃል እዮም ነቲ ኤምባሲ ብዕሊ ከፊቶምዎ።

ቅድም ክብል፡ ብሰንኪ ግጭት ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተዓጽዩ ዝነበረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ድሕሪ 20 ዓመታት፡ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ነይሩ ስርሑ ዝጀመረ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ንኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኾይኑ ከገልግል ከምዝሸመት ዝዝከር እዩ።

ቅድም ኢሉ ኣብ ኣየርላንድ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮይኑ ከገልግል ዝፀንሐ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ድሕሪ ዒስራ ዓመት እዩ ናብ ኤርትራ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኮይኑ ይኸይድ ዘሎ።

ኣብ 1971 ዓ.ም ኣብ ዞባ ስልጤ ዝተወለደ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን፡ ቅድም ክብል ሚኒስትር መናእሰይን ስፖርትን ከምኡ ድማ ብመዓርግ ሚኒስተር ሓላፊ ቤትፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ኮይኑ ሰሪሑ'ዩ።