ኣብ ዋይት ሃውስ፡ ተቓውሞ ኣንጻር ፕሬዚደንት ትራምፕ ይዓቢ ኣሎ

ፕሬዚደንት ትራምፕን ሮብ ፖርተርን Image copyright Reuters

ቦብ ዉድዋርድ ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ደራሲ ኣብታ "ፍርሒ፡ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ" ትብል መጽሓፉ፡ ገለ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት ምምሕዳር ትራምፕ ነታ ሃገር ካብቲ ፕሬዚደንት ንምድሓን ኣገደስቲ ሰነዳት ካብ ጣውልኡ ብምኽዋል "ናይ ምምሕዳር ዕልዋ" ኣብ ምክያድ ከምዝርከቡ ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ትዊት'ውን ነዚ ዘራጉድ ሃገራዊ ክሕደት ኢዩ ኢሉ።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ብዓል ስልጣን ኣሜሪካ፡ ገለ ኣባላት ምምሕዳር ትራምፕ ነዛ ሃገር ካብቲ "ክፉእ ዝንባለ" ፕሬዚደንት ትራምፕ ንምድሓን ገለ ኣጀንዳ እቲ ፕሬዚደንት ንምዕንቃፉ ይሰርሑ ከምዘለው ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ "ስምዒታውን ስነ-ምግባር ዝጎደሎን" ኣኹል ሓበሬታ ዘይብሉን ብስምዒት ውሳነታት ከምዝውስድ ሓደ ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ ሓተታ ዝጽሕፍ ገሊጹ።

ብድሕሪ'ዚ ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ስሙ ክስተር ዝደለየ ጽሓፊ "ትብዓት ዘይብሉ" ክብሎ ከሎ ነታ ጋዜጣ ድማ "መደናገሪት" ኢልዋ።

ናይ ትራምፕ ናይ ኣባል ዜና ድማ ነቲ ምስጢራዊ ጽሓፊ "ቦጅቧጅ" ስለዝኾነ ስርሑ ኪገድፍ ኣለዎ ኢላ።

ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ነቲ ኣብቲ ጋዜጣ ዝሰፈረ ሓተታ ምሕላቕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ነቲ ሓተታ ብምሕታምና ኣዚና ሕቡናት ኢና፡ ምኽንያቱ ምምሕዳር ትራምፕ እንታይ ይገብር ከምዘሎ ናይ ህዝቢ ርድኢት ኣብ ምዕባይ ዓቢ ተራ ስለዝጻወት" ኢሉ።

ገለ ቁንጫላት ካብ ናይ ቦብ ዉድዋርድ መጽሓፍ ብዛዕባ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ [ቤት መንግስቲ ኣሜሪካ] ድሕሪ ምዝርግሑ ኢዩ እታ ሓተታ ኣብታ ጋዜጣ ዝወጸት።

ገለ ካብቲ ቁንጫላት፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት ምምሕዳር ትራምፕ ነታ ሃገር ካብቲ ፕሬዚደንት ንምድሓን ቅድሚ ክታሙ ኣብ ገለ ኣገደስቲ ሰንዳት ምንባሩ፡ ነተን ሰነዳት ካብ ጣውልኡ ብምልዓል "ናይ ምምሕዳር ዕልዋ" ኣብ ምክያድ ከምዝርከቡ ይገልጽ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ብ5 መስከረም ኣብ ዝገበሮ ትዊት "ሃገራዊ ክሓደት" ኢሉ።

እዚ ድማ ብሓቂ እቲ ዕልዋ ይካየድ ከምዘሎ ቀዳማይ መረጋገጺ ኢዩ።

ዋይት ሃውስ'ክ ብኸመይ መሊሱ?

ኣብ ዋይት ሃውስ ምንጭታት ናይ ቦብ ውድዋርድ መጽሓፍ "ፍርሒ፡ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ" ብዓል መን ከምዝኾኑ ንምፍላጥ ኣበርቲዕም ይሰርሑ ኣለው።

ናይ ኒው ዮርክ ታይምስ ሓተታ ድማ ኣብቲ ሓው ተወሳኪ ነዳዲ ኢዩ።

እቲ ጽሓፊኡ ዘይተፈልጠ ሓተታ "ብሓቂ ዘሕፍር" ኢዩ ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

"እቲ ነታ ሓተታ ዝጸሓፈ ሰብ ኣብ ክንዲ ነቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ክድግፍ ዝፍትን ከደናግር ኢዩ መሪጹ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ሃገርን ናይ ህዝቢ ኣሜሪካ ድልየት ዘቐድም ናቱ ዝና ከዕቢ ኢዩ ኣቐዲሙ" ክትብል ናይ ትራምፕ ውሃቢት ቃል ዜና ሳራ ሁካቢ ሳንደርስ ተዛሪባ።

ክልቲኦም ሳንደርስን ትራምፕን ነቲ ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ ሓተታ ዝጸሓፈ ሰብ ኣዋሪዶም።

ብምቕጻል ትራምፕ፡ ኣነ ናይ ፕሬዚደንት ስርሐይ ምስወዳእኩ፡ እዘን መደናገርቲ ናይ ዜና ማዕከናት ስራሕ ኣይክህልወንን ኢዩ፡ ዝጽሕፋኦ ነገራት ስለዘይህልወን ድማ ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት