ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ጂቡቲ በጺሖም

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ጂቡቲን

ምንጪ ስእሊ, Mahmoud Ali youssouf/TWITTER

መግለጺ ስእሊ,

ክልቲአን ሃገራት ዝምድናአን ናብ ንቡር ክመልሳ ተሰማሚዐን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ ሰበስልጣን ጂቡቲ ንምዝርራብ ሎሚ ጂቡቲ ድሕሪ ምእታዉ ክልቲአን ሃገራት ዝምድነአን ናብ ንቡር ክመለስሳ ተሰማሚዐን።

ብተመሳሳሊ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን'ውን ምስኡ ሓቢሮም ናብታ ሃገር ከም ዝተጓዕዙ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

"ንኤርትራን ጂቡቲን ናይ ሰላምን ዕርቅን ጊዜ መጺኡ ኣሎ። ሎሚ ምስ ታሪኻዊ ምብጻሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ሳልሕ ዖስማን ኣብ ጂቡቲ ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፊቱ'ሎ" ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ኣብ ትዊተር ጺሒፉ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ ናብ ጅቡቲ ዝተገብረ ዑደት ሰለስቲኦም ሚኒስትራት፡ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ድሕነትን ንምፍጣር ኣካል ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዝተበፅሐ ስምምዕ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣረዲኡ።

"ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዝፀንሐ ናይ ዶብ ምስሓሓብ ፀገም ኣሎ። እዚ ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ቅድም ኢላ ዝጀመረቶ ፃዕሪ ኣሎ። ናይዚ ጻዕሪ ኣካል ገይርካ ምርኣይ ዝከኣል እዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Mahmoud Ali youssouf/TWITTER

መግለጺ ስእሊ,

ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈጠሮ ምምሕያሽ ዝምድናታት ተተፋኒነን ዝጸንሓ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ

ክልቲአን ሃገራት ኣብ መንጎአን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ 2008 ናብ ጎንጺ ድሕሪ ምምርሑ፡ ዝምድናአን ሓርፊፉ'ዩ ጸኒሑ።

ነቲ ኩነታት ንምህዳእ፡ ሃገረ ቐጠር ወታሃደራታ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ብምስፋር፡ ተጻቦኦታት ደው ኣብ ምባል ኣበርኪታ'ያ።

እንተኸነ ግን፡ እቲ ንቐጠር ንምንጻል ብሃገራት ወሸመጥ ዝተኻየደ መናውራታት፡ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ዝምድና ስለዝተንከፎ፡ ወታሃደራታ ክትስሕብ ከም ዝተገደደት ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Mahmoud Ali youssouf/TWITTER

መግለጺ ስእሊ,

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን'ውን ምስ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ናብ ጂቡቲ ተጓዒዞም'ዮም

ዶባዊ ምስሕሓብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዙርያ እምባ ዱሜራን ደሴት ዱሜራን ምዃኑ ይንገር።

ጂቡቲ፡ ኣብቲ ዶባዊ ግጭት ብኤርትራ ተማሪኾም ዝበለቶም ወታሃደራታ ክምለሱላ ክትሓትት ምጽንሓ ይፍለጥ።

ብሰንኪ'ዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ክግበር ካብ ዝጎስገጎሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ምንባራን፡ ክሳብ ቀረባ እዋን እቲ ማዕቀብ ከይለዓል ክትጠልብ ጺኒሓ'ያ።

ሓምለ 9 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምኽታሙ፡ ዝምድና ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ክመሓየሽ ይረአ ኣሎ።