ስእላዊ ምርኢት ኤርትራ ኣብ ከተማ ለንደን ተኸፊቱ

ምንጪ ስእሊ, Petros Tesfagiorgis
ገለ ካብ ስእልታት ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1987፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብርሃነ ገረዝጊሄር፡ ስብሓት ኤፍረምን መስፍን ሓጎስ
ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ክፉት ኮይኑ ዝጸንሕ ንታሪኽ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ስእላዊ ምርኢት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ከተማ ለንደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 04 መስከረም ተኸፊቱ።
እቲ ኣብ ትሕቲ "ኤርትራ ብዓይኒ ዜና" ዝብል ቴማ ዝተዳለወ ምርኢት፡ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ጀሚሩ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ ዘንጸባርቑ ዝተፈላለዩ ስእልታት ዝቐረብሉ'ዩ።
ነዚ ስእላዊ ምርኢት ዘዳለወ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ሓደ 'ኤርትራ ፎካስ' ዝተባህለ ብዛዕባ ሰባዊ መሰላት ዝጣበቕ ማሕበር'ዩ።
ኣካያዲ ናይቲ ማሕበር ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ንዕላማ ናይቲ ምርኢት ክገልጽ እንከሎ "እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ንኤርትራውያንን ደቂ'ዚ ዓድን ዛንታ ኤርትራ ብስእሊ ንምግላጽ'ዩ" ይብል።
እቶም ዝቐረቡ ስእልታት ንወታሃደራዊ፡ ፓለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለታት ኤርትራ ዘርእዩ እዮም።
ምንጪ ስእሊ, Eritrea Focus
ንመግዛእታውን ፓለቲካውን ታሪኽን ህሉው ኩነታት ኤርትራ ዘንጸባርቕ ስእላዊ ምርኢት
እቲ ምርኢት ኣርባዕተ ክፋላት ዝሓቖፈ ኸይኑ፡ ንመግዛእቲ ጥልያን ካብ 1882፡ ድሕሪ'ኡ ኣብ 1941 ጥልያን ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ተሳዒሩ ካብ ኤርትራ ምስወጸን እንግሊዝ ዝኣተወሉን ናይ ፈደረሽን እዋን ኢዮም ዘርእዩ።
ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ነቲ ካብ 1961 ክሳብ 1991 ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምርካብ ዝገበሮ ተጋድሎ ዘንጸባርቕ'ዩ።
እቲ ራብዓይ ክፋል ከኣ ንድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝድህስስ ኮይኑ፡ ኣብ ፓለቲካዊ፡ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያትን ዘተኮረ'ዩ።
ኣቶ ሃብተ ከም ዝብሎ፡ "ኤርትራ ናጻ ምስወጸት፡ እቲ ህዝቢ ክንደይ ከም ዝተሓጎሰን፡ ዓድና ክንሃንጽ ኢና ዝብል እምንቶ ጌሩ ነይሩ። ግና ከምቲ ዝተጸበዮ ኣይኮነን፡ ህዝቢ ተገፊዑ፡ ኤርትራ ናብ ምልኪ (ዲክቴተርሽፕ) ኣትያ" ይብል።
ምንጪ ስእሊ, Petros Tesfagiorgis
ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ምስ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሳሕል፡ 1987
"እቲ መሪሕነት ንህዝቢ ዘይግደስ ኮይኑ ለይትን መዓልትን ይጭፍጭፎ ኣሎ። ብሰንኩ ድማ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ክወጹ ተገዲዶም'ዮም" ኢሉ። ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ከምዚ ዓይነት ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዘየለ'ዮም ብቐጻሊ ዝገልጹ።
ኣብ መኽፈቲ'ቲ ምርኢት ዝተፈላለዩ ብዛዕባ ኤርትራ ዝግደሱ ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ኤርትራውያን ተረኺቦም ነይሮም።
ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ (ሃውስ ኦፍ ሎርድስ) ዝኾነ ሎርድ ዴቪድ ኣልቶን ኣብ ዘስመዖ መደረ "እዞም ምስልታት ነቲ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ጭቆና፡ ምስዳድን ጊልያነትን ንምህዳም ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ክኣትዉ ዝገብር ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ዘዘኻኽሩ'ዮም" ክብል ገሊጹ።
ምንጪ ስእሊ, Eritrea Focus
ሎርድ ዴቪድ ኣልቶን ኣብቲ ምርኢት መደረ እናስመዐ
ንሱ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ ሰላም ብምንኣድ "ፍትሓውን ትርጉም ዘለዎ ሰላምን ነዚ ስቅያት'ዚ ክጎሲ የብሉን" ኢሉ።
ገለ ካብቶም ዝቐረቡ ስእልታት ነቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞኦም ዘጋጥሞም ዘስካሕክሕ በደልን ዓመጽን ዘርእዩ እዮም።
መንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክኸሰስ ከም ዝጸንሐን፡ እዚ ምስ ኢትዮጵያ ተፈሪሙ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ፓለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ለውጥታት ከምጽእ ትጽቢት ይግበር።
ስእላዊ ምርኢት ኤርትራ ኣብ ከተማ ለንደን
እንተኾነ ግን ዛጊት ነዚ ዝእንፍት ዝኾነ ይኹን ዝተወስደ ስጉምቲ ብዘይምህላዉ፡ እቶም ጠንቂ ስደት ኣማኢት ዓሽሓት ኤርትራውያን ዝኾኑ ምኽንያታት ከምዘለውዎ ከይቅጽሉ ስክፍታታት ኣሎ።