ሓጸርቲ ዜናታት ሓሙስ ምሸት

ወትሃደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ቤት ፍርዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓጸርቲ ኣህጉራዉን ዓለማዉን ዜናታት እዚ ዕለት።

  • ዓሰርተ ወተሃደራት ደቡብ ሱዳን ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ገበርቲ ሰናይ ብዝፈጸምዎ ዓመጽን ምቅታል ጋዜጠኛን፤ ካብ 7 ዓመት ክሳብ ናይ ዕድመ ሙሉእ ማእሰርቲ ተበይኑሎም። እዚ አብ ጁባ ተራን ሆቴል ዝተፈጸመ ገበን፤ ካሳዕ ክንደይ ኣሰቃቂ ምንባሩ ብመሰኻኽር ዓይኒን ወናኒ 'ቲሆቴልን ናብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ምስቀረበ'ዩ እቲ ውሳኔ ተዋሂቡ።
  • ኣብ'ታ ዝዓበየት ከተማ ደቡብ አፍሪቃ ዝኾነት ጁሃንስበርግ ኣብ ዝነውሐ ህንጻ ዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ንኻልኣይ መዓልቲ ብምቕጻሉ ምጥፋእ ሂወት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ኮይኑ'ሎ። ብተወሳኺ'ውን 13 ሰራሕተኛታት እቲ ህንጻ ብብርቱዕ ቆሲሎም ኣብ ሆሲፒታል ተዓቁቦም ምህላዎም ማዕከናት ዜና ገሊጸን።
  • ሓልታት ሶርያን ሩስያን ኣብ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ዝቆጸጸርዎ ቦታታት ኣውራጃ ኢድሊፕ ከቢድ መጥቃዕቲ ከም ዝጀመሩ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ሰራዊት መንግስቲ ሶርያ፡ ብሓይሊ ኣየር ሩስያ ተሰንዩ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከካይድ ክዳሎ ከም ዝቐነየ ይፍለጥ።
  • ነባሪ ናይሮቢ ዝኾነ ተወላዲ ቻይና፤ ድሕሪ ዝሃቦ ኣድልዎ ዘርኢ ዝሓዘለ ርእይቶ ከም ዝተጠረዘ ቤትጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ኬንያ ገሊጹ። ሊው ጂያኩ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ኬንያን ንፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ'ውን ከይተረፈ 'የእዱግ' ክብል እንከሎ'ዩ ብቪድዮ ተቐዲሑ።
  • ቤተመንግስቲ ክረምሊን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣባል ስለያ ሩስያ ነበርን ጓሉን ዝተፈጸመ ናይ ምስማም ፈተነ፡ መራሕቲ ሞስኮ ኢድ አለዎም ክብል መንግስቲ ብሪጣንያ ንዘቕረቦ ጠቐነ ነጺግዎ። ሚኒስተር ጸጥታ ብሪጣንያ ብወገኑ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ናይቲ ፈተነ ቅትለት ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ ኢሉ።
  • ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ታኮ ጫምኣ ሓሽሽ ሓቢኣ ናብ ኣውስትራልያ ከተሕልፍ ዝተረኸበት ኣሜሪካዊት ተፈሪዳ። 51 ዓመት ዝዕድሚኣ፤ ደኒስ ማሪ ውድሩም ኣብ ወርሒ ጥሪ ብመርበብ ኢንተርነት ተሓባቢለ ፈጺመዮ ብምባል ገበነኛ ምኻና'ኳ እንተኣመነት፡ ዳኛ ቤት ፍርዲ ደቡብ ዌልስ ግን ብድልየታ ዝፈጸምቶ ምኻኑ ብምርግጋጹ ን7 ዓመትን ፈረቃን ጽኑዕ ማእሰርቲ በይኑላ።