ሜክሲኮ፡ 166 ሽክናታት ኣብ ዞባ ቬራኩሩዝ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ ሜክሲኮ ጸጥታ ሰራዊት ምስ ኣሰጋገርቲ ሓሽሽ ዓመታት ኣብ ኲናት ተጸሚዶም እዮም የሕሊፎሞ
ብውሕዱ 166 ሽክናታት ኣብታ ኣብ ምብራቓዊት ዞባ ሜክሲኮ ዝኾነት ቬርካሩስ ኣብ ሓደ ጋህሲ ተረኪቡ።
ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ዞባ ዝኾነ ጆርጅ ዊንክለር ከምዝበሎ እዚ ሽክናታትን ካልእ ኣካላትን ኣብቲ ቦታ ብውሕዱ ንክልተ ዓመታት ከምዝጸንሐ ሓቢሩ።
ጆርጅ ዊንክለር ብተወሳኺ፡ እቲ ሽክናታት ዝተረኸበሉ ቦታ ንጸጥታዊ ጉዳያት ክብል ክገልጾ ከምዘይደሊ ተዛሪቡ።
ኣሰጋገርቲ ሓሽሽ ነዛ ዞባ ከም መቕበሪ ግዳያቶም ከምዝጥቀሙላ'ዩ ዝፍለጥ፡ ኣብ መጋቢት 2017 እውን 250 ሽክናታት ኣብዛ ዞባ ኣብ ሓደ ጋህሲ ተቐቢሩ ከምዝተረኸበ ዝዝከር እዩ።
ጆርጅ ዊንክለር ብምስዓብ፡ ብጀካ እዚ 166 ሽክናታት ልዕሊ 200 ክዳውንቲ፡ ልዕሊ 100 ናይ መንነት ወርቓቕትን ናይ ውልቂ ንብረትን ከምዝረኸቡ ብምሕባር፡ ንብዝሒ ግዳያት ንምፍላጥ ብብዝሒ ሽክናታት ከምዝኸድዎ ሓቢሩ።
ኣብ ሜክሲኮ፡ ሃለዋት ኣባላት ስደረኦም ዝጠፍኦም ሰባት፡ መንግስቲ ደሃዮም ንምርካብ ብዝያዳ ክዓዪ ክጉስጉሱ እዮም ጸኒሖም።
ኣብ ሜክሲኮ ምስ ሓሽሽ ብዝተሓሓዙ ጎንጽታት፡ ካብ 2006 ንድሓር ልዕሊ 200,000 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣብ 2017 ጥራይ 28,702 ሰባት ከምዝሞቱ መዛግብቲ የረጋግጹ።
በዘይካ እዚ 37,000 ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ምዝጉባት ምህላዎም ይሕበር።
ዝበዝሑ ግዳያት ካብ ጉጅለ ኣሰጋገርቲ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብመንገዲ ሜክሲኮ ናብ ኣመሪካ ክሰግሩ ዝፍትኑ'ሞ ምስዞም ናይ ሓሽሽ ኣሰጋገርቲ ጉጅለታት ምስላፋ ዝኣበዩ 'ውን ከምዝርከብዎም'ዩ ዝሕበር።

ምንቅጥቃጥ መሬት ሜክሲኮ፡ ወፍሪ ኣለሻ፡ ኣብ ዝፈረሰ ቤት ትምህርቲ ንዝተፀቐጡ ግዳያት
ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዝፈረሱ ህንፃታትን ቤት ትምህርትን ዝተፀቐጡ ሰባት ንምድሓን፥ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ብልዑል ፃዕሪ ይሰርሑ ኣለዉ።