ኵናት ሶርያ፡ ኣመሪካ ሶርያ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ተዳሉ ምሃለዋ "መርትዖ" ኣለኒ ትብል

ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ምስ ሓንቲ ኣደ ኮፍ ዝበሉ ሶርያውያን ቆልዑ፡ ኣብ ዞባ ኢድልቢ እትርከብ ሳርማን እትብሃል ዓዲ 1 መስከርም 2018 Image copyright AFP

ሓዲሽ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሶርያ ኣብ ዞባ ኢድልቢ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ንክትጥቀም ትዳሎ ምህላዋ መርትዖ ኣለኒ ኢሉ።

ጂም ጀፈርይ እቲ ኣብ ልዕሊ ብዓማጺ ሓይሊ ተታሒዙ ዘሎ ቦታታት ክግብር ተሓሲቡ ዘሎ መጥቃዕቲ "ዘይሓላፍነታውን ዘጋድድን" ስጉምቲ እዩ ክኸውን ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ሶርያ ንኸምዚ ዓይነት ክስታት ብተደጋጋሚ ክነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ነፈርቲ ሩስያ ኣብቲ ዓመጽቲ ሶርያ ይርከብዎ'ዮም ዝብሃል ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ምድብዳበን ዝፍለጥ እዩ።

ኣመሪካ እዚ ዝበለት፡ ነቲ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ ኢራን ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ኢራንን ሩስያን ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ኣመልኪታ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ እዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰባዊ መቕዘፍቲ ከይወርድ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዝተመሓየሽ ኣገባባት መከላኸሊ ኬሚካላዊ ጋዛት ኣብ ዞባ ኢድሊብ ይፍተን ኣሎ

ጂም ጀፈርይ " እዚ መጠንቐቕታት ንኽንህብ እኹልን ኣተኣማማንን መርትዖታት ኣለና" ክብል፡ ሓላፊ ኮይኑ ድሕሪ ምርቁሑ ኣብ ዝገበሮ ናይ መጀመርያ ቃለመሕትት ሓቢሩ።

ጂም ጀፈርይ ናብ መርተዖ ዘብጸሖ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሓበረን።