እስራኤላዊ መንእሰይ ንገዛእ ርእሱ ክስእል ካብ ጎቦ ጸዲፉ ሞይቱ

ሃገራዊ ፓርክ ዮሰሚቲ መስሕብ ብኣሸሓት ንዝቑፀሩ በፃሕቲ ዓዲ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ሃገራዊ ፓርክ ዮሰሚቲ መስሕብ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ በፃሕቲ ዓዲ እዩ

ሓደ እስራኤላዊ መንእሰይ፡ ኣብ ካሊፎርኒያ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ ዮሰሚቲ፡ ንገዛእ ርእሱ እናሰኣለ (ሰልፊ እናተልዓለ) እንከሎ ካብ ጎቦ ጸዲፉ ሞይቱ።

እዚ ቶመር ፍራንክፈርተር ዝበሃል ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ፡ ንኽልተ ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ዑደት ክገብር እዩ ናብታ ሃገር ከይዱ።

ኣዲኡ፡ ውላዳ ካብ 250 ሜትሮ ብራኸ ዝፀደፈ ንገዛእ ርእሱ እናሰኣለ (ሰልፊ እናተልዓለ) እንከሎ እዩ ተብሂሉ ከምዝተነገራ ተዛሪባ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ሬሳ ናይቲ መንእሰይ ንቐብሪ ናብ ዓዱ ከምዝመጽእ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ብተመሳሳሊ ኣብዚ ሃገራዊ ፓርክ ዮሰሚቲ ኣብቲ ከውሒ መጽናዕቲ ዝገብሩ ዝነበሩ ክልተ ሓኾርቲ ጸዲፎም ሞይቶም 'ዮም።

እዚ ሃገራዊ ፓርክ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ካሊፎርኒያ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እዩ ዳግማይ ተኸፊቱ።