ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ብናይ ባዕሎም ሽጉጥ ርእሰ ቅትለት ከምዝፈፀሙ ፌዴራል ፖሊስ ገሊፁ

ቅድሚ አርባዓ መዓልቲ ኣብ መስቀል አደባባይ ኣብ ውሽጢ መኪነኦም ህይወቶም ሓሊፉ ዝተረኸበ ዋና ስራሕ መካየዲ ፕሮጀክት ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ፡ ብናይ ባዕሎም ሽጉጥ ዓርሶም ዘጥፍኡ ምዃኖም፡ ዘካየዶ ምፅራይ ከምዘመላኽት ፌዴራል ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ፌደራል ፖሊስ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ኢንጂነር ስመኘው ዓርሶም ዘጥፍኡ ምዃኖም ዘመላኽቱ ብዙሓት መረዳእታታት ከምዝረኸበን ብኻሊእ ሰብ ተቐቲሎም ዝብል ዝኾነ ዘጠራጥር ምልክት ከምዘይተረኸበን ሓቢሩ።
እዚ ምስ ብሄራዊ ድሕነትን ኢትዮቴሌኮምን ብምትሕብባር ዝተገብረ ምፅራይ፡ ናብ ኣዲስ አበባ ካብ ዝኣተውሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ህይወቶም ዝሓለፈሉ እዋን ዘሎ ኩነታት ከምኡ ድማ ውፅኢት ፎረንሲካዊ ምርመራ ከምዘሪኦ፡ አመዋውተኦም ብዓርሶም ከምዝተፈፀመ ዘመላኽት፡ ምዃኑ ገሊፁ።
ብፍላይ ህይወቶም ቅድሚ ምሕላፉ ኣብ ዝነበሩ ሒደት ሰዓታት፡ ምስ ፀሓፊቶምን ክልተ 'ሹፌራቶምን' ዝገደፉዎ መልእኽቲ፡ ከምኡድማ ምስ ደቆም ዝገበሩዎ ናይ ስልኪ ዝርርብ ትሕዝትኡ እንትረአ፡ ዓርሰ ቅትለት ዝፈፀሙ ምዃኖም ኣይጠራጥርን ይብል ፖሊስ።
ኣብ መስቀል አደባበይ ህይወቶም ሓሊፉ ተባሂሉ ናብ ፖሊስ ሓበሬታ ቅድሚ ምብፅሑ፡ ዓሰርተ ደቒቓ ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ቢሮኦም ንፀሓፊቶም ፀዊዖም ክልተ ኣብ ጶስጣ ዝተዓሸጋ ደብዳበታት ምግዳፎምን ድማ ፖሊስ ሓቢሩ። ኣብ መኪነኦም ውሽጢ 'ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘለወን ጶስጣታት ከምዝተረኸበባ ወሲኹ ሓቢሩ።

ህይወቶም ንምድሓን፡ መስኮት ናይታ ሞይቶም ዝተረኸቡላ መኪና ዝተሰበረ ብፖሊስ ከምዝኾነን ተቖሊፋ ከምዝነበረን'ውን ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ኣብ ውሽጢ ዝተረኸበ ሽጉጥ ድማ ናይ ኢንጂነር ስመኘው ምዃኑ፤ እዚ ድማ ብ 2000 ዓም ሕጋዊ ፍቓድ ኣውፂኦም ክግልገልሉ ዝፀንሑ ከምዝኾነ ውን ሓቢሩ።