ደቡብ ሱዳን፡ ናብ ቀላይ ይሮል ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ምኽንያት ሞት 19 ሰባት ኮይና

ምንጪ ስእሊ, Radio Miraya
ብሰንበት፡ ኣብ ማእከላይ ደቡብ ሱዳን 23 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ንእሽቶ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ጽዑቕ ግመ ኣብ ዝነበረሉ ክትዓልብ ዝፈተነትሉ ኩነታት ናብ ቀላይ ከም ዝተሓምሸሸት ተገሊጹ።
ካብቲ ሓደጋ፡ ክልተ ቆልዑ ሓዊስካ ኣርባዕተ ሰባት ጥራይ ከም ዝደሓኑ ጣባን ኣቤል ኣግዌክ ተዛሪቡ።
ኣብራሪ እታ ነፋሪትን ተሓጋጋዚኡን ካብቶም ግዳያት ከም ዝኾኑ፡ ሰራሕተኛ ቀይሕ መስቀል ንኤኤፍፒ ሓቢሩ። እታ ነፋሪት 23 ሰባት ጽዒና ካብ ርእሰ ከተማ ጁባ ናብ ይሮል ኢያ ትበርር ነይራ።
"ኣብዚ ኣብ ዝበጽሐትሉ እዋን ብርቱዕ ግመ ኢዩ ነይሩ፤ ንምዕላብ ኣብ ዝፈተነትሉ ድማ ኣብ ጎኒ ከተማ ይሮል ናብ ዝርከብ ቀላይ ይሮል ተሓምሺሻ" ክብል ኣቤል ኣግዌክ ሚኒስተር እቲ ዞባ ተዛሪቡ።
"እታ ከተማ ብምልእታ እያ ተናዊጻ፡ ድኳናት ተዓጽዩ ኣሎ፡ ገለ ስድራቤታት ንመቕሮብ ኣብ ምቕባር እዮም ዘለዉ" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ጁባ ናብ ዋዉ ትበርር ዝነበረት ከባቢ 40 ሰባት ዝጸዓነት ነፋሪት ምዉዳቓ ዝዝከር ኮይኑ ኩሎም ከም ዝደሓኑ ይፍለጥ።
ኣፕቴክ ኣፍሪቃ፡ ፕሮጀክት ተተካኢ ጸዓት ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃ
ክሳብ ሕጂ ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቓ ኣብ ተተካኢ ፀዓት ዝነጥፍ ትካል ዝውንኑ እዞም ኣሕዋት፡ ኣብ 2020 ዝርገሐኦም ናብ ዓሰርተ ሃገራት ናይ ምዕባይ ቀንዲ መደቦም ገይሮም ይንቀሳቐስ ኣለዉ።