ኣካያዲ ስራሕ ዓሊባባ፡ ጃክ ማ ኣብ መስከረም 2019 ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጃክ ማ 'ተዉህቦ ዘለዎም መንእሰያት' ናብ መሪሕነት ምምጻእ ቅኑዕ ኢዩ ኢሉ።
ፈጻሚ ኣቦ መንበር ቻይናዊ ትካል ንግዲ መርበብ ሓበሬታ [ኢ ኮመርስ] ዓሊባባ፡ ጃክ ማ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ካብ ስልጣኑ ክእለ ምዃኑ እቲ ትካል ኣረጋጊጹ።
እዚ በቲ ትካል ዝተዋህበ መግለጺ ነቲ ኣብ`ዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ብዛዕባ ዕለተ ምልቃቕ ሃላፍነቱ ዝተጋውሐ ተጋራጫዊ ጸብጻባት ስዒቡ`ዩ መጺኡ።
ሓደ ካብ ሃብታማት ቻይናውያን ዝኾነ ማ፡ ስልጣኑ ነቲ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ላዕለዋይ ፈጻሚ ስራሕ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ዳኒኤል ዣንግ ከረክብ`ዩ።
ዓሊባባ ሓደ ካብ ዓቢ ዋጋ ዘለወን ትካላት ዓለምና`ዩ፡ ዓሚ ድማ ዋጋ ብርክታቱ (ብፅሒቱ) ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ።
ብመሰረት`ቲ ትካል ዝሃቦ መግለጺ፡ ሚስተር ዣንግ ካብ 10 መስከረም 2019 ሓላፍነት ክርከብ`ዩ። እዚ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ምርኽካብ ጊዜ ድማ "ጥጡሕን ዕዉትን ምስግጋር" ንኽህሉ ዝዓለመ`ዩ።
እቲ መምህር ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝነበረ ሚስተር ማ ምስ ካልኦት ሰባት ኮይኑ ብሽርክነት ንዓሊባባ ኣብ 1999 ድሕሪ ምምስራቱ፡ ነቲ ትካል ሓደ ካብ ዓበይቲ ናይ ኢንተርኔት ትካላት ንግዲ ዓለምና ንምዃን ኣብቂዕዎ`ዩ።
"መማህራን ወትሩ`ዮም ተማሃርኦም ካብኣቶም ንላዕሊ ጸብለል ክብሉ ዝደልይዎም፤ በዚ መሰረት ድማ ንዓይን ነቲ ትካልን እቲ ዝዓበየ ሓላፍነታዊ ተግባር ንኣሽቱን ዝያዳ ተውህቦ ዘለዎምን ሰባት ናይ ሓላፍነት ቦታ ንክሕዙ ምግባር`ዩ" ኢሉ ሚስተር ማ፡ መበል 54 ዕለተ-ልደቱ ኣብ ዘኽበረሉ በዓል ኣብ ዘስምዖ መደረ።
36 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ዝውንን ሚስተር ማ፡ ክሳብ`ቲ ኣብ 2020 ዝካየድ ዓመታዊ ዋዕላ ወነንቲ ብርክታት ዓሊባባ፡ ከም ዳይሬክተር ቦርድ ኮይኑ ክቕጽል`ዩ። ንሱ ቀዋሚ ኣባል ሽርክነት ዓሊባባ`ዩ።
እዚ ወናኒ ፍሉይ ተውህቦ ዝኾነን ብናይ ሮክ ስታር ኣከዳድንኡን ዝልለ ሚስተር ማ ናብ ዓውዲ ትምህርቲ ክምለስ ከምዝደሊ ገሊጹ`ሎ።
"እዛ ዓለም ዓባይ`ያ፡ ኣነ`ኸኣ ገና ንእሽቶይ`የ ዘለኹ`ሞ ገለ ሓደስቲ ነገራት ክፍትን ደልየ ኣለኹ" ኢሉ ንሱ። ከም መስራቲ ኣባል ኮይኑ ክቕጽል ከምዝደሊ`ውን ሓቢሩ።
"ንኹሉ ሰብ ከረጋግጸሉ ዝደሊ ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ ዓሊባባ ፈጺሙ ጃክ ማ ኮይኑ ኣይፈልጥን`ዩ፡ ጃክ ማ ግን ንመዋእሉ ናይ ዓሊባባ`ዩ" ክብል ንነብሱ ገሊጽዋ።
እቲ ምስ ዓሊባባ ንዓሰርተ ሓደ ዓመታት ዘገልገለ ሚስተር ዣንግ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ኮይኑ ካብ ዝምዘዝ "ዘደንቕ ክእለት" ኣርእዩ`ዩ ክብል ድማ ነቲ ካብኡ ስልጣን ክርከብ ዝጽበይ ዘሎ ዣንግ ንኢድዎ።
ዓሊባባ ኣብ መዝገብ ትካል ብርክታት (ብፅሒታት) ናይ ኒው ዮርክ ኣብ 2014 ተመዝጊቡ፡ ኣብ`ቲ እዋን`ቲ ድማ እቲ ዝዓበየ ብርክታት ነይርዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝተገብረ ዓመታዊ ጸብጻብ መዕጸዊ ሕሳብ ድማ 39 ነጥቢ9 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ገይሩ።