ተጋሩ ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ፡ ካብ ክልልና ወፃኢ ክንምደብ ኣይግባእን ኢሎም

4ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ገለ ከባብታት ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ብዝነበረ ዘይምርግጋእ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ፡ ትምህርቶም ገዲፎም ናብ ዝመፅሉ ኸባቢታት ተመሊሶም እዮም።

እዞም ተምሃሮ፡ ብምኽንያት ብሄርና ግዳያት ኣካላውን ስነልቦናውን መጥቃዕቲ ኮይንና ስለዝነበርና፡ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2011 ናብተን ዝነበርናለን ዩንቨርስትታት ተመሊስና ኣይንኸይድን ክብሉ ተቓውመኦም ገሊፆም።

እቶም ተምሃሮ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ እዮም ነዚ ተቓውመኦም ዝገለፁ።

ካብቶም ተቓውመኦም ዘስምዑ ተምሃሮ ሓደ ዮውሃንስ መብራህቱ እዩ።

"እተን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ንተጋሩ ተምሃሮ ፅቡቕ ኣይነበራን" ዝብል መብራህቱ፡ ሕዚ ድማ ልዕልነት ሕጊ ዘይምህላዉ ተሓዊስዎ፡ ካብ ክልልሎም ወፃኢ ከይዶም ክመሃሩ ድልየት ከምዘይብሎም ይገልፅ።

ብዙሓት ወለዲ 'ውን እንተኾኑ ደቆም ክሰድዱ ድልየት የብሎምን ይብል።

"እንደገና ዝኸፍአ ጥቕዓት ክበፅሓና ስለዝኽእል፡ መንግስቲ ክልል ኮነ መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ክልልና ክምድበና፡ ተዘይኮይኑ ድማ ካብ ክልል ዓፋር ወፃኢ ክንከይድ የብልናን ብዝብል ኢና ናብ ዝምልከቶ ኣካል ድምፅና ነስምዕ ዘለና" ብምባል ዮውሃንስ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ሚኒስቴር ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ወይዘሮ ሃረጓ ማሞ ግና፡ ተወላዲ ሓንቲ ክልል ኣብ ክልለይ ክምደብ ኣለኒ ምባሉ ኣግባብ ኣይኮነን በሃሊት እየን።

"ኣብ ክልላት ዘለዋ ዩኒቨርስታት ኣወዳድበአን ናይ ፌደራል'ዩ። ስለዝኾነ ኣብ ክልልና ንመደብ ዝብል ሕቶ ዘዋጽእ ኣይኮነን። እቲ ምንታይ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ኣብ ቦትኡ ተዘዋዊሩ ናይ ምምሃር መሰል ስለ ዘለዎ እዚ ምንቅስቓስ ኣካል እዚ ኮይኑ'ዩ ዝቕጽል። እቲ ሚኒስቴር ድማ ኣብ ዝተወለድሉ ክልል ክምደቡ ናይ ምግባር ሓላፍት የብሉን" ኢለን።

ዮውሃንስ ግን ንስለ ትምህርቲ፡ ውሕስንኡ መስዋእቲ ክገብር ድልየት ከምዘይብሉ እዩ ዝዛረብ።

"ንኸንመውት ኣይንኸይድን፤ ንምሟት ትምህርቲ ኣየድልዮን" ብምባል ድማ ቅዋሙ ይገልፅ።

ወይዘሮ ሃረጓ ማሞ ግና፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቅድም ኢሉ ካብ ዝነበረ እዋን ኣብ ዝሓሸ ርግኣት እያ ዘላ ይብላ።

"ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበሩ ግጭታት ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ከይኸይድ ብዝብል ገለ ተወለድቲ ገለ ክልላት ብግዚያዉነት ኣብ ክልሎም ክምደቡ ተገይሩ'ዩ። ሕዚ ግና እዞም ጸገማት እናተፈትሑ፡ ኩሉ ንሓድነት ሃገር'ዩ ዝዝምር ዘሎ። ውሕስነት ተምሃሮና ኣብ ምሕላዉ ዝምልከት ድማ መንግስቲ ፌደራል ሓለዋ ከምዝገብር ኢና ንፈልጥ" ኢለን።

ዮውሃንስ ከምዝብሎ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ህወሓት፡ ክፍሊ ምክትታል ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፡ ጥርዓኖም ሰሚዑ እኳ እንተዘራረቦም፡ ጭቡጥን ሓጺርን መልሲ ግን ከምዘይሃቦም ይገልፅ።

"መንግስቲ ፌደራል ዝዉድኦ ስለዝኾነ ተኸታተሉ ኢና ተባሂልና" ክብሉ ንቢቢሲ ዝተዛረቡ ተምሃሮ፡ ብዝተዉሃቦም ምላሽ ዕጉባት ከምዘይኾኑ ተዛሪቦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት